Nicaraguans celebrate 77th anniversary of Griter Nicaraguans celebrate 77th anniversary of Griter  (ANSA)

ኒከራግዋ ንኣብያተ-ክርስትያን ካብ መባእን ወፈያታትን ግብሪ ኽትከፍል ኢያ

ባይቶ ሃገረ ኒከራግዋ ካብ ኵለን ሃይማኖታትን ኣብታ ሃገር ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያንን ሃይማኖታውያን ውድባትን ካብቲ ካብ ምእመናን ዝረኽብዎ መባእን ወፈያታትን ግብሪ ኪኸፍላ ዝግድድ ሓድሽ ናይ ቀረጽ ስጕምትታት ኣጽዲቓ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 20 ነሓሰ ሃገራዊ ባይቶ ኒከራግዋ ንሃይማኖታውያን ትካላት ብዝምልከት ሕጊ ምኽፋል ግብሪ ኣጽዲቑ ፣ እዚ ኸኣ ዋላ እውን ንሃይማኖታዊ ዕላማታት ተባሂሉ እተወደበ ንንጥፈታትን ንብረትን ዚኸውን ግብሪ ኪኸፍሉ ዚሓትት ኢዩ።

ሓደ ነጻ ብሕታዊ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ኒከራግዋ ኸም ዝገለጾ፣ እቲ ኣብ ሕጊ 822 እተገብረ መአረምታ ጕጅለታት ብዘየገድስ ኵለን ኣብያተ-ክርስትያን ምስቲ ሕጋዊ መኽሰብ ናይ ንጥፈታት ዕላማ ዘለዎ ናይ ብሕቲ ቝጠባዊ ትካላት ዚመሳሰል ስርዓት ቀረጽ ኪስዕባ ኣለወን ይብል ክብል ገሊጹ።

ስለዚ ምእማናን ዘወፍይዎ መባእን ምጽዋትን ወፈያታትን ካብ 10 ኽሳዕ 30 ሚእታዊት ዝበጽሕ መጠን ግብሪ ይኽፍሉ ከም ዘለዎም ኢዩ ዘመልከት ።

እዚ ካብ ግብሪ ናጻ ምዃን ዝብል ሕጊ ምእላይ ኣብ ኣሰራርሓን ገንዘባውን ንጥፈታት ናይቶም ትምህርታውን ማሕበራውን ደገፍን ዝገብሩ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባት ከቢድ ጽልዋ ከም ዝገብር ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ብቐሊሉ ዝጥቅዑ ማሕበራዊ ጕጅለታት ዓቢ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኢዩ ዝግለጽ ዘሎ ።

እዚ ተሓድሶ እዚ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታውያንን ሲቪላዊ ውድባትን ኣጸጋሚ ዅነታት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን መንግስቲ ኒከራግዋ ኻህናት ድሕሪ ምእሳሩን ምስጓጉን ነቲ ሕጋዊ ፍቓድ እተን ሃይማኖታውያን ዝዀና 1,500 ውድባት ሰረዞ፣ መብዛሕትአን ከኣ ንብረተን ናብ መንግስቲ ከም ዝመሓላለፍ ገብሮ ።

ብዛዕባ እዚ ውሳነ እዚ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ መንግስቲ ኒከራግዋ ዝገበሮ ዘሎ ተበግሶ ብውጽኢታዊ መገዲ "ንናጽነት ሃይማኖትን ናይ ማሕበር ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ኸም ዜእቱ" ከምኡውን ንውልቀ-ሰባት "መሰረታዊ ናጽነትን ውሕስነትን ዑቕባን" ኪወሃቦም ከም ዚጽውዕ ብምግላጽ ዘለዎ "ዓሚቝ ሻቕሎት" ኣመልኪቱ ።

24 August 2024, 09:21