2024.12.17 ህንዲ፡ ቤተክርስትያን ኣብ እዋን ልደት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ትውድብ 2024.12.17 ህንዲ፡ ቤተክርስትያን ኣብ እዋን ልደት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ትውድብ 

ህንዲ፡ ቤተክርስትያን ኣብ እዋን ልደት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ትውድብ

ኣብ ህንዲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ወጥሪ ንምድራትን ምላሽ ንምሃብን፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሊቀነ ጳጳሳትን ትካላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ እዋን ልደት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ስኒት ንምድንፋዕ ናይ ሓባር ዘተ ይነቓቓሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ህንዲ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንነጀው ሃይማኖታዊ ወጥርታትን ሃይማኖታዊ ኣሳዶን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ብፍላይ ክርስትያን ማሕበረሰብ ካብቲ ኣብ ማኒፑር ዝተፈጸመ ሰፊሕ ዓመጽ ክሳብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ንኻልኦት ሃይማኖት የስድዑ ብዝብል ናይ ሓሶት ክስታትን ንዝተፈላለየ ዓመጽ ተቓልዑ ከም ዝርከብን በዚ መንጽር እዚ ኣብ ህንዲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታውያን ውዳበታትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ተኣኪቦም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ጉዳይ ሰላምን ስኒትን ንምስጓም ከይተሓላሉ ከም ዝጽዕሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቶም ምትእኽኻባት ንግዳያት ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋር ቅርበትን ምትሕብባርን ዘርእዩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ንጻውዒት ሓድነትን ዘተን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝውክሉ ኮይኖም፡ ንሰላማዊ መጻኢ ተስፋ ብምግባር መንፈስ ልደት ብዓይኒ ቅዋም ህንዲ ንምጽንባል ዘተባብዕ መደባት የነቓቕሑ ከም ዘለዉ ካብ ህንዲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርእሰ ሰበኻታት ኢምፋል ዕርቅን ስኒትን የተባብዕ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ናይ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻታት ኢምፋል፡ ኣብ ማኒፑር ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘጋጥመ ዓመጽ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ፥ ነቶም ኣብዚ ተግባር እዚ ዝዋፈሩ ጉጅለታት ንምትዕራቕን እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝረአ ጥሪት ንምውጋድ ዘኽእል መገድታት ንምቕራብ ኣኼባታት የካይድ ከም ዘሎን እዚ ከም ኣካል ናይቲ “ሓዘንን ይቕረታን ኣብ ማኒፑር” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሃገር - ለኸ ፡ እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ልኡካን ዝሓቖፈ ተበግሶ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ ዓመጽ ዝወረደ ቁስሊ ንምፍዋስ ዝዓለመ ጸሎትን መግለጺ ምትሕግጋዝን ምቅርራብን ዘተባብዕ እዩ። ኣብቲ ምትእኽኻብ ትርጉም ዘለዎ ፍሉይ ተርእዮ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ህንጸት ሰላምን ብዘተ ምፍታሕ ግጭታትን ክመሃር ዝዓለመ ኣብ ማኒፑር ማሕበራዊ ሰላም ናይ ምህናጽ መደብ ህንጸት መሳለጢ ዝኸውን እውን ርእሰ ማል ክህሉ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከቡ ደገፍቲ እቲ መደብ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሩፒ ክልግሱ ዝጽውዕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ጻዕርታት ኣብ ምዕባይ ባህሊ ሰላምን ምርድዳእን ዓቢ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ኣዳለውቲ እቲ መደብ ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ደልሂ፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ መጋብያን ንዓለማውን ሃገራውን ሰላም ብፍላይ እቲ ኣብ ማኒፑር ዝካየድ ዘሎ ብሄራዊ ናዕቢ ምእላይ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም እተመያየጡ የመላኽት።

ኣብ ቦምበይ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ

ኣብ መላእ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ወጥሪ ምኽንያት ብምግባር ርእሰ ሰበኻታት ቦምበይ ዓመታዊ መደብ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምእንጋድ መንፈስ ልደት ህያው ይገብር ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ እቲ መደብ ኣብ ሓባራዊ ክብርታትን ኣባይቲ ስድራን ሕብረተሰብን ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ እምነትን ብኣጽንዖት ዘስተብሃለ ኮይኑ፡ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፣ ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ኣካላትን ወከልቲ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ሓድነት ንምስፋን ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ካብ ርእሰ ሰበኻታት ቦምቦይ ዝወጸ መገልጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ካርናታካ ክርስትያናዊ ሕብረት የብዕል

ከምኡ እውን ኣብ ግዝኣት ክርናታካ ከተማ ቤላጋቪ ሰንበት ዕለት 15 ታሕሳስ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ ማሕረሰብ ክርስቲያን ተኣኪቦም መደብ ስሙር በዓል ልደት ብምክያድ መንፈስ ፍቕርን ሓድነትን ኣብ መንጎ ክርስትያን ከም ዝጸምበሉን እዚ መደብ እዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ሽማግለን ማእከላይ ቤተ - ክርስትያን ሜጦዲስትን ብምትሕብባር ብናይ መላእ ካርናታካ ሕብረት ክርስትያናዊ መጋባእያ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተወደበ ከም ዝነበረን ናይ ሰበኻ ቤልጋም ጳጳስ ደረክ ፈርናንደስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ከም “ነጋድያን ተስፋ” ምግላጽን ምስጋውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ዓለምና ናብ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንምእታው ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ፍሉይ ትርጉም ናይ በዓል ልደት ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ናይ ካርናታካ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ተወኪሱ ይሕብር።

Photogallery

ህንዲ፡ ቤተክርስትያን ኣብ እዋን ልደት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ትውድብ
18 December 2024, 15:25