ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ፡ ወተሃደራዊ ሕጊ ነቲ ብጻዕሪ ዝተረኽበ ደሞክራሲ ከዳኽም ዝኽእል ሓደጋ ኣለዎ ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ፡ ወተሃደራዊ ሕጊ ነቲ ብጻዕሪ ዝተረኽበ ደሞክራሲ ከዳኽም ዝኽእል ሓደጋ ኣለዎ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ፡ ወተሃደራዊ ሕጊ ነቲ ብጻዕሪ ዝተረኽበ ደሞክራሲ ከዳኽም ዝኽእል ሓደጋ ኣለዎ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ብሔር ዩን ሱክ ዮል ዘውጽኦ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ሕጊ ብምንቃፍ፡ ናይቲ ዘይሕጋውነት ኣገባብ ቢሉ ናይ ዝጸውዖ ኩነታት ሓላፍነት ክስከም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኒካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉባኤ ጳጳሳት ኮርያ ዕለት 4 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸእዎ መግለጺ ኣገዳስነት ምሕላው ስረዓት ደሞክራሲ ኣስሚሮም፡ ብዛዕባ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ሕጊ ርእሰ ብሔር ዩን ሱክ ዮል መብርሂ ክወሃበሉን ይቕሬ ክሓትትን ጸዊዖም፥

"ህጹጽ ኵነታት ንብዙሓት ኮርያውያን ንቑሓት ከም ዝገበሮምን ብህጹጽ ኣድላዪ እንተ ዘይኰይኑ ናይ መንግስትን መንግስታዊ ምምሕዳርን ኣሰራርሓታት ንቡር ብዝዀነ መገዲ ክፍጸምን ዜጋታት ክፈልጥዎን ኣለዎም" ከም ዝበሉ ኢካስ ኣገልግሎት ዜና ተወኪሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ፥ እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስጉምቲ ርእሰ ብሔር ዩን ብቐጥታ ኣብ ተለቪዥን ዕለት 3 ታሕሳስ “ንሰሜን ኮርያ ዝድግፉ ሓይልታት ምውጋድን ደሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምሕላውን” ከምዘድሊ ብምጥቃስ በዚ ምኽንያት ወተሃደራዊ ሕጊ ንእውጅ ከም ዝበለን፡ ይኹን እምበር እቲ ኣዋጅ ቅልጡፍ ተቓውሞ ስለ ዘጋጠሞ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ድምጺ ንኽህብ ከይእከብ ወተሃደራዊ ዕንቅፋት እኳ እንተ ተገብረ ብዘካየዶ ጉባኤ ካብ ጠቕላላ 300 ኣባላት በቶም 190 ጥራሕ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከም እተወሃበሉን እቶም ጳጳሳት ብዛዕባ ምኽንያቱን ህጹጽነትን ናይቲ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ሕጊ ስክፍታታት ኣልዒሎም፡ ዝርአ ግዳማዊ ይኹን ኣብ ግዜ ኲናት ዘስግእ ሓደጋታት ከምዘየለ ክገልጹ እንከለዉ፥ “ጠበቓታት ቅዋም ሃገር፡ ርእሰ ብሔር ዩን ህጹጽ እዋን ምእዋጁ፡ ብዙሕ ጸገማት ኣገባባዊ ሕጋውነት ከምዘልዕል ይሰማምዑ። ዋላ’ኳ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ድምጺ ባይቶ እንተተላዕለ፡ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓታት ጥራይ ዝተልዓለ ከምዚ ዓይነት ኣዋጅ ንምምኽናይ ዝኣክል ዕቱብን ህጹጽን ምንባሩ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መግለጺ ከም ዝሃበ ኒካስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ግንቦት 1980 ዓ.ም. ኣብ ግዋንግጁ ዝተፈጸመ ቅትለት ጓንግጁ ሓዊሱ መሪር ታሪኽ ደቡብ ኮርያ ብምውካስ እቶም ጳጳሳት ነቲ ብጻዕሪ ዝተረኽበ ስርዓት ደሞክራሲ እታ ሃገር ከዳኽም ዝኽእል ተግባራት ከይፍጸም ኣጠንቂቖም . . . ደሞክራሲና ብዓቢ መስዋእቲ ዝተሃንጸ እዩ . . . ኣብ ኮርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንደሞክራስያዊ ስርዓትና ንምሕላው ምስ ህዝቢ ኮርያ ብንጥፈት ትድግፍን ብሓባር ደው ትብልን” ቢሎም፥ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ብናይ ኮርያ ​​ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ሱዋንን ጳጳስ ማትያስ ኢዮንግ - ሁን ዝተኸተመ መግለጺ ርእሰ ብሔር ዩን፥ “ብውልቁ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ከረድእ፣ ካብ ልቢ ንህዝቢ ይቕሬታ ​​ክሓትት፣ ንመስርሕ ምጽዓንን ምእዋጅን ወተሃደራዊ ሕጊ ሓላፍነት ክወስድ ግድን እዩ . . . ተሓታትነትን ዘተን ክግበር ጸዊዖም፣ ርእሰ ብሔርን መንግስትን “ንሕቶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኮርያን ህዝቢ ኮርያን ቅኑዕ መልሲ ክህቡ” ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

05 December 2024, 16:25