ካርዲናል ሆለሪኽ፥ ግብረ ገን ሰላም ምምላስ ካርዲናል ሆለሪኽ፥ ግብረ ገን ሰላም ምምላስ  (AFP or licensors)

ካርዲናል ሆለሪኽ፥ ግብረ ገን ሰላም ምምላስ

ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳትን ኣቦ መንበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ነበርን ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ነቲ "መብዛሕቲኡ ኣብ መራሕቲ ዓለም ዝሰፍሐ ዝመስል ምንቁልቋል ግብረ ገባዊ ንቕሓት፣" ብመንጽር እቲ ዝርአ ዘሎ ፍግረት "ንኲናት ሕርሚ ዝብል ኣመለኻኽታን ንውድድር ኣጽዋር ዝግበር ዘሎ ውዕዉዕ ድፍኢትን ሰፊሕ ኣስተንትኖ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክ ሊቀ ጳጳሳት ሉሰምበርግን ኣባል ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንቑሕ ተዓዛቢ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኤውሮጳን ንዓመታት ኣቦ መንበር ኤጴስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ኮይኖም ዘገልገሉን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ  ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉን፣ ናይ ሰላም ግብረ ገብ ምምላስ ኣዚዩ ህጹጽ ምዃኑ የስተብህሉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብመራሕቲ ኤውሮጳ ዝጸደቐ መደብ 'ዳግማይ ምዕጣቕ ንኤውሮጳ' ገምጋምኩም እንታይ እዩ?

"መጀመርታ ክብሎ ዝደሊ፣ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ጥራይ ዘይኮነ ብዓለም ደረጃ ዝርአ ዘሎ ዝሓየለ ውድድር ኣጽዋር፣ ብግልጺ ዘሰክፍ እንተዘይኮይኑ፣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ግን እዩ። ቅድሚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓሳብ ምቕራብና፣ ንመራሕቲ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ዝሰዓረ ዝመስል ዘሎ ምንቁልቋል ግብረ ገባዊ ንቕሓት ከነስተንትነሉ ይግባእ። እቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት ዝጸለወ ሕርሚ ንኲናት ዝብል ኣመለኻኽታ፣ ኣዚዩ የንቆልቁል ምህላዉ ዘረጋግጽ ብዙሕ ተርዮታት ኣሎ፣ ስለዚ "ነቲ ሞራላዊ ንቕሓት ክምለስ ከይገበርካ ዝኾነ ስነ ሜላዊ ፖለቲካ ውጽኢታዊ ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ፣ እዚ ኣካይዳ እዚ ንዓለም ናብ ሓደገይና መንገዲ ከተብል ይድርኽ ኣሎ . . .

እዚ ብርግጽ ግብረ ገባዊ ጉዳይ እዩ፡ ግን ብዓቢ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝተጸልዎ ክመስል ይኽእል እዩ . . .

"ብፍጹም! ካብዞም ለውጥታት እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ ዝርአ ዘሎ፣ ብዙሕነታውነት ናይ ምግዳፍ ዝንባለ እዩ ምበልኩ። ሎሚ ብግልጺ ዝረአ ዘሎ ናይ ቀደም ኣምር ልዕለ ሓያላን ሃገራት፣ ናይ ገዛእ ርእሰን ቁጠባውን ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራውን ረብሓታት ቀዳምነት ብምሃብ ዝግበር ተሓድሶ እዩ። ይኹን እምበር ዓለምና ሰላም ዳግማይ ክትረክብ እትኽእል ኣብ ውሽጢ መቓን ብዝሓ - ጐናውነት ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ኣብ ብዝሓ - ጐናውነት ዝቖመ ምትእስሳር ክሁሉ የተሓሳስቡ፤ ብሓቂ ክርአ እንከሎ እዚ ንናይ ቅድስቲ መንበር ፖለቲካዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ እምነ ማእዝን እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤውሮጳ እውን ዳግማይ ትዕጠቕ ኣላ፣ እዚ 800 ቢልዮን ኤውሮ ዝሓትት መደብ እውን ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ፣ ንስኹም ኤውሮጳ ናይ ብሓቂ ስነ ስልታዊ ሓደጋታት ከምዘጋጥማ ትኣምኑ ዶ?

"ኣብ ገለ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ወይ ኣባል ንኽኾና ኣብ ዝደልያ ሃገራት፣ ዝጭበጥ ናይ ሓደጋ ስምዒትን ርኡይ ስክፍታን ኣሎ። ብዛዕባ ልኡላውነት ዝምልከት ምስ ሩሲያ ቀጻሊ ምስሕሓብ ዘለወን ምስ ሩስያን ሞልዶቫን ዝዳወባ ሃገራት ባልቲክ እየ ዝሓስብ ዘለኹ። እቲ ዝተኣወጀ ቀስ ብቐስ ዝርአ ዘሎ ምዝላቕ ወተሃድራዊ ምትእትታው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዘን ሃገራት የሻቕለን። ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሕብረት ኤውሮጳ ምሕያል ከምዘድሊ እኳ እንተኣመንኩ፣ እዚ ግን ብጥብቂ ብባህሪኡ ኣብ ናይ ምክልኻል ኣምር ዝጸንዐ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ኣብ ሜላ ኣመሓድራ ኣመሪካ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ ነዚ ኣብ ምክልኻል ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ኣካይዳ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ድዩ . . .

"ትርእይዎ ኣለኹም፣ ንኤውሮጳ፣ ብዝሓ ጎናውነት እቲ ወሳንን ሓባራዊ ፖለቲካዊ ምርጫ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ስግር ኣትላንቲክ ግን እዚ ኣረኣእያ ዝሃሰሰ እዩ ዝመስል። ኤውሮጳ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ንነብሳ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምምዕባላ፣ ብመጠኑ ዝነከየ ድልዱል ፖለቲካዊ መንነት እውን ዳግማይ ክትረክብ እንተትኽእል - እዚ ድማ ብጭቡጥ ብዝሓ ጎናውነታዊ ተራ ብምድልዳል ንርእሳ ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ዓለም እውን ኣብ መዳይ ብዝሓ ጐናውነት ብጭቡጥ መገልገለት ዝብል እምነት ኣሎኒ፣" ኤውሮጳ ኣብ ወተሃደራዊ ምህርቲ ዝያዳ ርእሰ - ምሕደራ ክትረክብ ክትጽዕር ኣለዋ፣ ምኽንያቱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዝያ ጽግዕተይና ስለ ዝኾነት፣ ከምዚ ዓይነት ጽግዕተይናነት ድማ ተቓላዕነት ይፈጥር።"

ሜላ ኣመሓድራ ማሕበራዊ ድሕነት ኤውሮጳ ኣብ ውጥረት እናሃለወ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ወተሃደራዊ ወፍሪ ይግበር ምህላዉ ዘገርም ኣይምኾነን? ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣብ ቅልውላው እናሀለወ 800 ቢልዮን ዩሮ ኣብ ኣጽዋር ይውዕል ኣሎ ዝብል ብዙሕ ነቐፈታን ተቓውሞን ይረአ . . .  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዝበለጸ ርትዓዊ መፍትሒ ኸም ዘቕረቡ እኣምን ኢየ - ኵሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ኣጽዋር ካብ ምፍራይ ዝርከብ መኽሰብ ኣብ ግድነታዊ ማሕበራዊ ተበግሶታት ዳግማይ ክውፈ ኣለዎ። ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ኣጽዋር ዝኸስብ ክኸውን የብሉን፣ ኣብ ክንድኡስ እዚ መኽሰብ እዚ ኣባይቲ ሕክምናን ኣብያተ - ትምህርትን ንምህናጽ ክውዕል ኣለዎ። እዚ ድማ ዝከኣል እዩ፣ ኣብ ዚመጽእ መዓልትታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝራኸበሉ ዓውደ ኣኼባ ነዚ ሓሳብ እዚ ከቕርብ መደብ ኣሎኒ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

12 Mar 2025, 17:02