2025.03.11 Caritas Internationalis launches Weavers of Hope Award in Rome 2025.03.11 Caritas Internationalis launches Weavers of Hope Award in Rome 

ካሪታስ፦ ብሽልማት "ኣለምቲ ተስፋ" ኣቢልካ ንደቂ ኣንስትዮ ምሕያል

ካሪታስ ኢንተርናሽናልስ እተሰምየ ዝተፈላለየ ማሕበራት ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝጥርንፍ ማሕበር፣ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስድራ ቤተንን ማሕበረሰበንን ምንጪ ተስፋ ንኪዀና ዜኽእለን ሓይሊ ንምሃብ ሽልማት ኣለምቲ ተስፋ ዝብል ተበግሶ ኣቖመ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ  ሽልማት ኣለምቲ ተስፋ (Weavers of Hope) ዝስመ ተበግሶ ኣበገሰ፣ እዚ ሽልማት እዚ ኸኣ "ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሰረታዊ ባይታ ሕብረተሰብ ዘለወን ናይ ምቕያር ዕዮ ዘተኰረ ዘነቓቕሕ ህያባት" ዘመክት ክኸውን ኢዩ።

ሽልማት ሃነጽቲ ተስፋ

ሽልማት ኣለምቲ ተስፋ ንዝኾና ይኹና መሳኪን ደቂ ኣንስትዮ ሓይሊ ንዝህብ ዝዀነ ይኹን ውድባትን ውጥናትን ንምኽፉት ብምዃኑ ብኸፊሉ ብዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ተደሪኹ ዘካይዶ ዘሎ ኢዩ። ኣብ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ዘለዎ ስተፋኒ ማክጊሊቭረይ ከም ዘመልከቶ ሸቶ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን  ብኸመይ ተስፋ ኸም ዝሃንጻ ንምሕሳብ" ኢዩ ይብል።

ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ትምህርትን ዕድላትን ኣይረኽባን እየን፣ ከም ምርዓ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እውን የጋጥመን እዩ። ነዚ "ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ዘሎ ቀጻሊ ዕንቅፋታት" ኣብ ግምት ብምእታው ማክጊሊቭረይ ብዘይ ገንዛባዊ ሓገዛት ዝዀነ ይኹን ምምሕያሽ ክርከብ ስለ ዘይከኣል ኣብ ስልጣኔ ደቂ ኣንስትዮ ምውፋር ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሐ።

ሽልማት ኣለምቲ ተስፋ "ሓድሽ ውጥናት ንምጅማር በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ከአ ነቲ ድሮ ዝተጀመረ ውጥናት ንምቕጻል" ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ። ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካሪታስ እንተርናሽናሊስ ዘሕተማ መጽሓፍ ማዕርነትን፣ ርክባትን ተሓድሶን ዝረስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ብምኽታል፣ እዚ ማሕበር እዚ ኣብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ስልጣን ንምሃብ ዚገብርዎ ምስክርነትን ጽቡቕ ልምምዳትን ትኵረት ንምሃብ ኢዩ ። ስለዚ እዚ ሽልማት እዚ ኣብ ደረጃ ታሕተዎት ኣካላት ሕብረተሰብ "ካብ ሓደ ምንጪ ንእተወሰነ ኽልሰ-ሓሳባዊ ሓሳባት ናብ ግብራዊ ፍጻሜታት" ዝጕዓዘሉ መገዲ ክኸውን ኢዩ።

ሓድሽ ነገር ዘይኰነስ ነቲ ጥንታዊ ንምዝካር ኢዩ

እዚ ሽልማት እዚ ነቲ ድሮ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት እንጽምብለሉ መገዲ ኢዩ። ኣርባዕተ ውድባት ወይ ውትናት ኣብ መወዳእታ 2025 ናይ ሓደ ዓመት ረድኤት ክወሃበን ኢዩ። ማክጊሊቭረይ ኣስዒቡ ከምዚ ብምባል ይገልጽ - "እዚ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ረድኤት መደብ ጥራይ እኳ እንተዀነ፣ ሓድሓደ ግዜ ግን ሒደት ገንዘብ ንምውጻእ ወይ ጥሪት ምፍራይ ኢዩ ዘድልየካ፣ በዚ ከምዚ ኸኣ ብሓቂ ሓደ ነገር ክጅምር ይኽእል ኢዩ።"

እዚ ተልእኾ እዚ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኰነ ውን ኣጕልሐ - ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት ከምኡውን ማሕበራት፣ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለወን ግደ ከርእዩን ሓይሊ ኽህቡን ተስፋ ክፈጥሩለንን ይጽዕሩ ኣለዉ ። እንተዀነ ግን ማክጊሊቭረይ ብምትሕብባር ነቶም ከም ናትና ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑን ሓባራዊ ሸቶታት ዘለወንን ካልኦት ማሕበራት ብምድጋፍን ጥራይ ምዃኑ ኣጕልሐ፣ ስለዚ በዚ ጥራይ ኢና ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ኽንገብር እንኽእል " ውን ይብል።

13 Mar 2025, 10:50