ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ድቁና ምትሕብባርን ተወፋይነትን ኣብ ሕመረት ኣገልግሎት ክህነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ድቁና ምትሕብባርን ተወፋይነትን ኣብ ሕመረት ኣገልግሎት ክህነት  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ድቁና ምትሕብባርን ተወፋይነትን ኣብ ሕመረት ኣገልግሎት ክህነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሮማ ንክህነት ዝዳለዉ ንዘለዉ ዲያቆናት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እሙን ምትሕብባር፡ ኣገልግሎት ንህዝቢ እግዚኣብሔር፡ ከምኡ’ውን መምርሒ መንፈስ ቅዱስ ከም ቀንዲ መዳያት ኣገልግሎት ክህነት ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሰ ሰበኻ ሮማ ንማዕርገ ክህንት ዝሰናደዉ ንዘለዉ ዲያቆናት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ስርዓተ ቅብኣት ጎሊሑ ዝረኣዩ ሰለስተ መዳያት ኣገልግሎት ክህነት ኣስተንቲኖም፡ ምስ ጳጳስ እሙን ምትሕብባር፡ ኣገልግሎት ንህዝቢ እግዚኣብሔር፡ ከምኡ’ውን መርሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝንበሮ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱን ነዚ ነቶም ዲያቆናት ተቐቢሎም ብኣካል ከምስዕዎ ዝነበሮም መደረ ብዘጋጠሞም ሕማም ጉንፋዕ እቲ ርክብ ዝተሰጋገረ እውን እንተኾነ፥ ብቤት ጽሕፈት ማሕተምን ዜናን ቅድስቲ መንበር ንንባብ ከም ዝበቐዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እሙናት ተሓባበርቲ

ቅዱስነቶም ብቐዳምነት ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ክኾኑ ዘይኮነስ ምስ ጳጳሳት ተሓባበርቲ ክኾኑ ከም እትሓትቶም ኣዘኻኺሮም፥ ካህናት፡ ብፍላይ ድማ ብሕውነትን ብተኣማንነትን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነቶ “ምስጢር ሕብረት” መሰኻኽር ክኾኑ ዝተጸውዖ ምዃኖም ኣብሪሆም፥ ብሓጺሩ ካህናት ኣባላት ማሕበር መዘምራን እምበር “በይነ ዘማሪ” ከም ዘይኮኑን ብምስጢረ ክህነት ኣሕዋትን ካህናት ኹሉን እምበር ናይ ሓደ ጉጅለ ካህናት ከም ዘይኮኑ የመላኽቱ።

ንህዝቢ ኣምላኽ ምግልጋል

ካልኣይ መዳይ ኣገልግሎት ክህነት ንህዝቢ እግዚኣብሔር ውፉይ ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ክህነት ኣብ ዲያቆናውነት ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ኣገልግሎት ወይ ድቁና እዚ ድማ ድሕሪ ማዕርገ ክህነት ዘየቋርጽ ይኸውን። ካህናት፡ ነቲ “ከገልግል እምበር፡ ኪግልገል ዘይመጸ” ኢየሱስ ኪመስሉ ዝተጸውዑ እያቶም ቢሎም፥ እዚ ኣገልግሎት እዚ ረቒቕን ሓሳብን ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ እንታይ ደኣ ጭቡጥ ክኸውን ኣለዎ፡ “ምግልጋል ማለት ምህላው ህልው ምዃን ማለት እዩ፡ ብመሰረት ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝክረ ነገር ምንባር ምኽሓድ ዝሓትት፡ ንኣግራሞት ኣምላኽ ድሉው ምዃን . . . ቀጻሊ ናይ ተቐባልነት፡ ርህራሄ፡ . ከምኡውን ለውሃት” ዝንበሮ ናይ ኣገልግሎት ጸዋዕታ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብመንፈስ ቅዱስ መምራሕ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካህናት ነቲ ናባኦም ዚወርደ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ "ቀዳማይ ቦታ" ኺህብዎ ኸም ዘለዎም ኣትሪሮም ምስ ገለጹ፥ "ከምዚ እንተዳኣ ኮይኑ ህይወትኩም . . . ናብ ጐይታ ምስሩቕን ንጎይታን ክኸውን እዩ። ብሓቂ እውን 'ናይ እግዚኣብሔር ሰብ' ክትኰኑ ኢኹም።" እዚ ብናይ ኢየሱስ “መዓልታዊ ቅብኣት” ዝመጽእ “ኣብ ቅድሚኡ ደው ክንብል ከለና፡ ምስ እነምልኾ፡ ምስ ቃሉ ክንቀራረብ ከለና ዝኸውን እዩ።” እዚ ውን ብግዲኡ "ነቶም በብመዓልቱ እንረኽቦም ሰባት ምእንቲ ቅዱስ ህዝበ እግዚኣብሔርን ደቅሰብን ኣብ ቅድሚኡ ንኸነማልድ የኽእለና" ቢሎም፥ ነቶም ዲያቆናት ሮማ ንእግዚኣብሔር ንምግልጋል “እወ” ብምባሎም ኣመስጊኖም፣ መዓልታዊ ሓደራ ምንታይ ጸልዩ እንክብሉ ሓቲቶም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

24 February 2024, 16:58