ር.ሊ.ጳ. ንዳያኑ ኢየሱስ መሰላት ንምሕላው ዝግበር ጻዕርታት ክመርሕ ፍቓደይና ክኾኑ ይምዕዱ ር.ሊ.ጳ. ንዳያኑ ኢየሱስ መሰላት ንምሕላው ዝግበር ጻዕርታት ክመርሕ ፍቓደይና ክኾኑ ይምዕዱ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንዳያኑ ኢየሱስ መሰላት ንምሕላው ዝግበር ጻዕርታት ክመርሕ ፍቓደይና ክኾኑ ይምዕዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣርጀንቲና ንዝርከቡ ኣባላት መላእ - ኣሜሪካዊ ሽማግለ ዳያኑ ማሕበራዊ መሰላትን ፍራንቸስካዊ ጠመቓዊ ትምህርትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ መሰረታዊ ኣገዳስነት ናይቶም ኣብ ልዕልና ሕጊ ፍትሒ ዝሕልዉ ኣዘኻኺሮም ሕጋውነት ስልጣን እውን ካብ ኣሰራርሓኡ ዝምንጩ ስለዝኾነ ካብ ህንጸት ፍትሓውያንን ክቡራትን ሕብረተሰባት ክፍለ ከምዘይክእል ኣስሚሮም "ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣሰራርሓ ፍርዳዊ ስርዓት ብሩህ መንገዲ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብ እዋን ዓሚቕ በደል ኢና እንነብር ዘለና: ውሑዳት ሃብታማት ሓይሊ እናርጎዱ ዝኸድሉ: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድኻታት ድማ ዝንጸግሉ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት እቶም ዘሕልኹ ዝጉሕፍዎ ጥራይ ኣብ ዝበልዑላ ዓለም፡ መጻኢ የለን፡ ምዕባለ የለን፡ ፍትሒ የለን፡ ዲሞክራሲ'ውን የለን” ከም ዝበሉ እዚ ናይቲ ቅዱሰንቶም ጽኑዕ መዘኻኸሪ እዚ ሕመረት ናይቲ ዕለት 28 ለካቲት ናብ መላእ - ኣመሪካ ሽማግለ ደያኑ ማሕበራዊ መሰላትን ፍራንቸስካዊ ጠመቓዊ ትምህርትን ናይ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ እዩ።

ታሪኽ ናይ መላእ - ኣመሪካ ሽማግለ ደያኑ ንማሕበራዊ መሰላትን ፍራንቸስካዊ ጠመቓዊ ትምህርትን

ኣብ 2017 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣርጀንቲና ቡኤኖስ ኣይረስ ዝተመስረተ ሽማግለ ዳያኑ ንማሕበራዊ ፍትሕን ፍራንቸስካዊ ጠመቓዊ ትምህርትን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝርከብ ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ 120 ደያኑ ተቐቢሎም እቲ ማሕበር ደያኑ ንመላእ ላቲን ኣመሪካ ዝሓቁፍ ክኸውን እንክብሉ ብዘቕረብዎ ሓሳብን ማዕዳንን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ መላእ ኣመሪካ ሽማግለ ደያኑ ማሕበራዊ መሰላትን ፍራንቸስካዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኮይኑ ብወግዒ ከም ዝቖመን፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ሽማግለ ደያኑ፡ ነቶም ዝተነጸሉ ማሕበራዊ ጽላታት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ፡ ማሕበራዊ መሰላት ንምሕላውን ምድንፋዕን ዝዓለመ ፍርያም ስራሕ የካይድ ምህላዉን ኣብ ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኮሎምብያ፡ ፔሩ፡ ብራዚል፡ ሜክሲኮ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፓራጓይን ሃገራዊ ጨናፍር ብምቛም እናሰፍሐት ይኸይድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ወሳኒ ተራ ዳያኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ሓድሽ ዋና ቤት ጽሕፈትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ቀዳማይ ጨንፈር ሓው ባርቶሎሜ ደ ላስ ካሳስ ንምኽፋት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ናብቲ ትካል ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ጠበቓታት፡ ዳያኑ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ህዝብን ተኸላኸልትን ሓዊሱ ኣብ ፍትሒ ዝተዋፈሩ ኩሎም ተልእኾኦም "መሰረታውን ወሳኒን" ቢሎም ብፍላይ ኣብ ምሕላው መሰላትን ምሕላው ማሕበራዊ ስኒትን ዝዋፈሩ እያቶም እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡

ማሕበራዊ መሰላትን ፍትሕን

"ማሕበራዊ መሰላት ናጻ ኣይኮኑን" ዝድግፎ ሃብቲ ኣሎ "ብቑዕን ርትዓውን ፖለቲካዊ ውሳነታት ይጠልብ። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ጋግ መነባብሮ ዘወግድ ንምዕሩይ ተመቓርሖን ንማሕበራዊ ፍትሕን ዝውፈይ መንግስቲ ኣገዳሲ እዩ፡” ደያኑ ኣብ ምትግባርን ምድንፋዕን ሕግታት ዘለዎም መተካእታ ዘይብሉ ተራ ኣስሚሮም፣ ንውልቀ ሰባት ዝጎድኡ ክውንነታት ከይህሉ ከም ዘተሓሳሰቡን፥ "እቲ 'ጣዖት ዕዳጋን ጣዖት መኽሰብን፡ "ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እያቶም፡” እዚ ድማ፡ ታሪኽ ከም ዝገልጾ፡ "ናብ ሰብኣውነት ምጉዳልን ምጥፋእ እንነብረላ መሬትን ይመርሓና" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዑረት የዕንይቲ ከይህሉ

"ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተመስረተሉ ቃል ኢየሱስ" ኣብ ሕጊ ብግቡእ ንምውፋር "ውሑስን ብሩህን መንገዲ እዩ" ዝበሉ ቅዱሰንቶም፥ ንደያኑ ስነ-ምግባራውን ግብረ ገባውን ሓላፍነቶም ብምዝኽኻር፡ "በጃኹም፡ መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ መስትያት፡ ገዛእ ርእስኹምን ካልኦትን ድማ ኣብ ሕቶ ኣእትዉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቅድሚ ሰብኣውነት ምጉዳል ጽንዓትን ወሳንነትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዳያኑ ንፍትሓውያን ክቡራትን ሕብረተሰባት ሕንጸት ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፣ ሓደ ሰብ ንመከራ ካልእ ዓይኑ እንተዓሚቱ ብቑዕ ዳይና ክኸውን ከምዘይክእል ሓሳብ ኣቕሪቦም። "ሰብኣውነት ዝጎደሎምን ዓመጽቲን ቅጥዕታት" ኣብ ዝገጥሞም እዋን ጽንዓትን ቆራጽነትን ከርእዩ ጻውዒት ብምቕራብ ከምኡ'ውን መዓልታዊ ናብ ሰላም ዝወስድ ጻዕሪ ከተባብዑ ተላብዮም፥

ሰላም ዕለታዊ ህንጸት እዩ፣ ንስኻትኩም ድማ ሰራሕቲ ሰላም ኢኹም”

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 February 2024, 16:17