ር. ሊ. ጳ. ፦ ድምጺ ኣምላኽ እናሰማዕና ጉዕዞ ዘመነ ጾም ንፈጽም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቐዳመይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ጾም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድረ-በዳ ከም እተፈተነ ዚገልጽ እንካብ ወንጌል ማርቆስ (ማር 1፡ 12-15) እተወስደ ናይ ዕለቱ ምንባብ ብምጥቃስ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ለጊሶም ።
ኣብቲ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምሳልያዊ ትርጕም ናይ ምድረ በዳ ብምስትንታን ንክርስትያን ምእመናን "ኣብ መንፈሳዊ ምድረ-በዳ ኺኣትዉ፣ እዚ ማለት ጽሞናን ስቕቃን፣ ውሳጣዊ ዓለም፣ ንልብኻ ጽን ምባል፣ ምስ ሓቂ ምርኻብ ማለት ኢዪ፣" ክብሉ ተማሕጸንዎም።
ኣብ ምድረ በዳ ይብሉ ቅዱስነቶም ክርስቶስ "ምስቶም ኣራዊት በረኻን ነበረ፣ መላእኽቲ ውን የገልግልዎ ነብሩ ። ስለዚ ኣራዊትን መላእኽትን ድማ ምሳኡ ነበሩ።"
ከማኡ ውን ብምሳልያዊ መንገዲ "ንሳቶም እውን ምሳና ኣለዉ፣ ናብ ውሳጣዊ ምድረ-ብዳ ምስ እንኣቱ ኣብኡ ኣራዊትን መላእኽትን ኬጋጥሙና ይከእል ኢዩ" በሉ።
ናይ ነፍሲ ኣራዊት
"ኣብ መንፈሳዊ ህይወት [ኣራዊት] እንብሎም እቶም ንልብና ዚኸፋፍሉን ኪቆጻጸርዎ ዚጽዕሩን ሥርዓት ኣልቦ ዝኾኑ ስምዒታት ከም ዝዀኑ ጌርና ክንግዘቦም ዝከኣል ኢዩ ።"
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም 'ከም ዜስድዑናን ዝጥብሩናን' ብምጥንቃቕ ከምዚ በሉ “እንተ ደአ ዘይተጠንቂቕና ኣብ ሓደጋ ከም እንወድቕን ከም ዝጐድኡናን ዝተረጋገጸ ነገር ኢዩ።"
ነዞም ናይ ነፍሲ "ኣራዊት" እዚኣቶም ስም ብምሃብ ከኣ "ህርፋን ሃብቲ እቲ ናብ ዘይሕጋውን ዘይሞራላውን ተግባራት ዘእትወናን ከም ዘይንዐግብ ዝገብረናን፣ ህርፋን ንከንቱነት ተድላ እቲ ናብ ቅሳነት ኣልባን ተነጽሎን ዘእትወናን፣ ከምኡ ውን ህርፋን ዝና እዚ ድማ ውሕስነት ዘይብሎምን ቀጸሊ ናይ ካልኦት ኣፍልጦን ምድማቕን ተጸበይቲ ዝገብረናን ኢያቶም" ብምባል ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦ ኣብ ኣስተንትኖኦም እዞም ኣራዊት እዚኣቶም ኪግዝኡን ክሰዓሩን ኣለዎም፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን ክውሕጡናን ንሓርነትና ከሕድጉና ኢዮም ዝርከቡ።
"ህላወኦም ምእንቲ ኽንፈልጥን ክንገጥሞምን ናብ መንፈሳዊ ምድረ በዳ ክንከይድ ኣሎና" ድማ በሉ።
ልኡኻት ኣምላኽ
ኣስዒቦም ድማ ብዛዕባ ህላዌ መላእኽቲ ኣብ ምድረ በዳ ብምትኳር ቅዱስነቶም፣ መላእኽቲ "እቶም ዚሕግዙናን ዚጠቕሙናን ልኡኻት ኣምላኽ እዮም ፣ እወ ብመሰረት ቅዱስ ወንጌል እቲ መለለዪኦም ኣገልግሎት እዩ" በሉ።
ነዚ ምስሊ እዚ መለለዪ ናይ መላእኽቲ ምስቲ ሥርዓት አቦ ዝኾነ ጨቋኒ ስምዒታት ብምንጽጻር "ብልክዕ ኣንጻር ናይ ስምዒታትና ኢያቶም፣" ክብሉ ኣስተምሃሩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ለዋጢ ዝኾነ ባህሪ ናይ መለኮታዊ ግልጸት ብምጥቃስ ብምጕላሕ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣስተንቲኖም - "እቶም ፈተናታት ክበታትኑና እንከለዉ፣ እቲ ሰናይ ዝኾነ መለኮታዊ ግልጸት ውህደትን ስኒትን ከም ዝህልወና ኢዩ ዝገብር - ንልብና የርውዮ ጣዕሙ ክርስቶስ ከም ዝሰርጸና ውን ይገብር፣ 'መቐረት ሰማይ' ውን የጥዕመና።"
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዮም ቅዱስነቶም "ዘመነ ጾም ነዚ ንምግባር ዝወሃበና ጊዜ ኢዩ፣" ብምባል ነቲ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘነቓቕሖ ሓሳባትን ስምዒታትን ንምርዳእ ጽሞናን ጸሎትን ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጹ።
ክልተ ሕቶታት
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብኽልተ ወሳንቲ ዝኾኑ ሕቶታት ኣስተንትኖኦም ተዛዘመ -
"እቶም ኣብ ልበይ ዚናወጹ ዘለዉ ሥርዓት ኣልባ ዝኾኑ ሕሱማት 'ኣራዊት' እንታይ እንታይ እዮም?"
"ድምጺ ኣምላኽ ንልበይ ኪዛረቦን ብሰናይ ኪዕቅቦንሲ ናብ ምድረ-በዳ ቝሩብ ግልል ብምባል ክንሳሕብዶ እሓስብ እየ ? ነዚ ዝኸውን ግዜ ኣሎኒ ዶ ?"
"እታ ነቲ ቅዱስ ቃል ዝዓቀበቶን፣ በቲ ፈተና ናይቲ እኩይ ዘይተተንከፈትን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም ትሓግዘና" ክብሉ ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ ።