ር. ሊ. ጳ. ፦ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ድኽመትና ኢዩ ፍጹም ዝኸውን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታቶም ብምቕጻል ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ከአ ካብ ኣመላውያን ሓጢኣት ኣብ ቅንኣትን ውዳሴ ከንቱ ብምትኳር ንነፍሲ ወከፎም ፈውሲ ከም ዘለዎም ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅንእን ውዳሴ ከንቱን ሓደገይና ዝኾኑ ኣመላት ኢያቶም፣ ይኹን እምበር ንነፍሲ ወከፍ ኣመላት ክንቃለሰሉ ዘሎና ፈውሲ ግን ኣሎ፣ እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ፣ ኣብ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ እምህርትታቶም ብምቕጻል ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ብዛዕባ ቅንእን ውዳሴ ከንቱን ብምስትንታን ኣስተምሃሩ።

ቅዱስነቶም ኣብዚኡ ቀረባ እዋን ከም ናይ ጉንፋዕ ዝኣመስል ምልክታት ስለዝተራእዮም፣ ኩነታት ጥዕናኦም ኣብ ግምት ብምእታው ፣ ከምቲ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ውን ዝገብርዎ ኣብ ክንዲ ቅዱስነቶም ብምዃን ክቡር የኔታ ፍሊፖ ቺያምፓነሊ በዓል መዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ከንብቡሎም መረጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈለማ ብዛዕባ ቕንኢ እንከስተንትኑ፣ እዚ ሓጢኣት እዚ ካብቲ ኣብ ዛንታ ቃኤልን ኣቤልን ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ፣ ብቅንኣት አብ ልዕሊ ብኻልኦት ዘለዓዕልናን ናብ ቀታሊ ጽልኢ ዚመርሓናን ኣዕናዊ ሓይሊ ምዃኑ ዘከሩ።  በዚ ኸምዚ እምበኣር ቅንኢ ነዚ ኢዩ ዝመስል ዝነበረ፣

"ቅንኢ ኣብ ክርስትያናዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣቓልቦ ፈላስፋታትን ኣብ ኵሉ ካልኦት ባህልታት ዚርከቡ ጥበበኛታትን እውን ከይተረፈ ዝሰሓበ እከይ እዩ" በሉ።

'ቀመር' ኣምላኽ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ

ቅዱስ አቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ኣብ ዕምቆት ቅንኢ፣ ዝምድናታት ናይ ጽልእን ፍቕርን ከም ዘሎ ኣመልከቱ ። "እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክፉእ ይምነየሉ፣ ብውሽጡ ግና ከምኡ ኪኸውን ኢዩ ዝብህግ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እቲ ንሱ ዝረኸቦ ጽቡቕ ዕድል ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ። ብርግጽ ድማ ብልብና እቲ ናቱ ዓወታትን ጽቡቕ ዕድልን ብዝበለጸ ንዓና ከም ዝግባእ ኢና እንሓስብ።

ኣብ ኣስተምህሮም ከም ዝመልከትዎ ቅዱስ ኣቦና ሱር እዚ ኣመላት እዚ "ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይቅኑዕ ምስሊ ምህላውና" ከም ምዃኑ ገለጹ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ኣምላኽ ካብ ናትና እተፈልየ ናይ ገዛእ ርእሱ 'ቀመር' ከም ዘለዎ ኣይንቕበሎን ኢና።" ድማ በሉ ።

ናይ ቕንእን ውዳሴ ከንቱን ፈውሲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንቕንኢ ዚኸውን ፈውሲ ኣብቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ "ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ኣሕዋት ተፋቐሩ፣ ንሓድሕድኩም ንምክብባር ተቐዳደሙ" ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እተመርኰሰ ምዃኑ ድማ ሓሳብ ኣቕረቡ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ከሎ ውዳሴ ኸንቱ ድማ ብናይ ሓሶት ርእሰ ምትእምናን ኢዩ ዝብገስ "ወትሩ ናእዳ ናይ ምርካብ ባህጊ፣ ብተደጋጋሚ ድማ ንኻልኦት ሰባት ንጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምጥቃም ዝንባለ " ከም ዘለዎ ድማ ኣመልከቱ ።

ቕዱስ ኣቦና ከም ዝሓበርዎ እዚ ሓጢኣት እዚ ምስቶም "ኣጋንንቲ" ናይ ቅንኢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ፣ ክልቲኡ ኣመላት ድማ መለለዪ ናይ ሓደ "ማእከል ናይ ዓለም ኪኸውን ዚምነ" ሰብ ምዃኖም ገለጹ።

ሓይሊ ኣምላኽ ብድኻም ፍጹም ገበሮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ዕቡይ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ኢዩ ዝጭነቕ።

ነዞም ኣመላት እዚኣቶም ንምቅላስ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሓደገልና ኣብነት ብምስዓብ ብዓወታቱ ዘይኰነስ ብድኽመቱ ኽምካሕ ከም እተረኽበ እዚ ድማ "ንውዳሴ ከንቱ ንምስናፍ ውጽኢታዊ መገዲ ከም ዝኸፍተልና" ኣዘኻኸሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ድኽምናትና ፍጹም ስለ ዝኸውን ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ምእምናን ብምዃን፣ ንዓና ጸጋ ኣምላኽ እኹል ምዃኑ ክንፈልጥ ተማሕጸኑ ።

ቅዱስ አቦና ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም ንድኽመታትና ዝያዳ ብእተቐበልናሉን እተመካሕናሉን መጠን ሓይሊ ክርስቶስ ንኻልኦት ዝያዳ ለጋሳት ንኽንከውን ሓራ ኸም ዚገብረና ብምምዓድ ስብከቶም ዛዘሙ ።

28 February 2024, 13:47