2024.02.17 Membri della "Junta Constructora de la Basilica de la Sagrada Familia" di Barcellona 2024.02.17 Membri della "Junta Constructora de la Basilica de la Sagrada Familia" di Barcellona   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ህንጻታት ኣብያተ-ክርስትያን ንኣምላኽ ክንውድስ ንልብና ዘለዓዕላ ክኾና ኣለወን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብላት ናይ ባርሴሎና ቦርድ ህንጸት ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ፣ ነጋድያን ናብታ ግርማዊት ቤተ-ክርስትያን ኪኣትዉ ኸለዉ ልባቶም ናብ ኣምላኽ ከም ዜልዕሉ ዝገብሮ ህንጻ ጌሮም ንኽሰርሑ ዓደምዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናይታ ኣብ ስጳኛ እትርከብ ከተማ ባርሴሎና ኣባላት ቦርድ ህንጸት ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ንዝኾኑ፣ ዝሓፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ነዚ ቃል ማዕዳን እዚ ኣቕረቡሎም፦"ከም ሰማይ ጠቀስ ህጻታትን ግምብታትን እቶም ነጋድያን መታን ከቋምትዎን ድምጾም ብምልዓል ድማ ምስ መላእኽቲ ኮይኖም 'ቅዱስ ህያው ዘይመውት ኣምላኽ' ኢሎም ንኽዝምሩ ዘኽእሎም ይኹን።"

ኣብዚ እዋን እዚ ቤተ-ክርስትያን ናብ ዓመተ ኢዮቤል 2025 አብ ዝሰናድወና ዓመተ ጸሎት ስለ እትርከብ ዘላ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ማዕዳን ብዛዕባ ጸሎት ብምስትንታን ቃለ ምዕዳን ኣካፈልዎም።

"ናይ ጸሎት ሃዋህው ኣብ ኣብያተ-መቕደስና ክጠፍእ የብሉን፣ እቶም ከምዚ ከማኻትኩም ዝኣመሰለ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት ከኣ ሓደ ኻብቲ ቐዳምነት ክህብዎ ዘለዎም ነገራት ንሱ ክኸውን ኣለዎ" በሉ።

ኣፍደገ እምነትን ተስፋን ፍቕርን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ነፍሲ ወከፍ ኣፍደገ እታ ቤተክርስቲያን በቲ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እተወስደ ጥቕስታትን ጸሎታትን እተሰርሑ ምዃኖም ብምግላጽ አገዳሲ ቁምነገር ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም፣ ብዛዕባ እቶም ንገጽ እታ ቤተ-ክርስትያን ዘቝሙ ሰለስተ ዓበይቲ ኣፈደጌታት ውን ኣስተንቲኖም ።

እታ ኣፍደገ እምነት - ንቅድስቲ ድንገል ማርያም እተወፈየት ኰይና ብየማናይ ሸነኽ ናይቲ ገበላ እትርከብ ኣፍደገ ኢያ፣ እንካብ ናይ ብዙሓት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ሥርዓተ አምልኾ ብዝተወሰደ “ጸሎተ ኪዳን” ተጻሒፍዋ ይርከብ ።

ብዘይካዚ ውን ኢየሱስ ነቶም ንመምህራን ሕጊ ኺሰብከሎም እከሎ ዘርኢ ቅርጻ ተሳኢልዎ ይርከብ፣ እዚ ድማ "እንሰብኮ እምነት ኵሉ ሳዕ ናብ ጸሎት ክልወጥ ከም ዘለዎ" ዜርኢ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም ።

እቲ ኣብ ጸጋማይ ወገን ዝርከብ ኣፍደገ ድም ንቅዱስ ዮሴፍ እተወፈየ ዀይኑ፣ ኣፍደገ ተስፋ ተባሂሉ ይጽዋዕ ። እቲ ማእከላይ ኣፍደገ ናይቲ ባዚሊካ ድማ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተወፈየ ዀይኑ ኣፍደገ ፍቕሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ ።

እዞም ኣፍደገታት እምበኣር ብሓባር ንቅድስቲ ስድራ ወኪሎም ንነጋድያን "ናብ ምስጢተረ ሥጋዌ" ገጽና ኽንጥምት ይዕድሙና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ኣብ ኣስተንትኖኦም ብዛዕባ እቲ ኣብ መስትያት እተሳእለ ስእሊ መቑጸርያን እቲ ብኮኾብ ናይ ዳዊት መቓን እተገብረሉ መስኮት ኣመልኪቶም “እንሆ ብርሃና!” ዝብል ዘሎ ከም ዝመስል ኣስተንተኑ።

"ከምቲ ልክዕ ኣብቲ ምስጢራት መቑጸርያ እነስተንትነሉ ጸሎት፣ ልክዕ ከምቲ መሳኹቲ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ናብቲ ብርሃን ገጽና እንኸፍተሉ ኩነት ምኹኑ ኢዮም ዘገንዝብና" በሉ።

ብዛዕባ ፒልግሪም ብጸሎት ምስትንታን

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንህንጸት ባዚሊካ ብሓላፍነት ዚከታተሉ ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ዜደንቕ ኣብነት ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ዝዀነ ኣንቶንዮ ጋውዲ ንኼስተንትኑ ተማሕጸንዎም ።

ናይዛ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ - ናይ መወዳእታ ሸቶ ከአ ጸሎት ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ ።

21 February 2024, 17:42