ድለ

IRAQ-WOMEN/DEMINING IRAQ-WOMEN/DEMINING 

ር. ሊ. ጳ. ነቲ 'ንሰላማውያን ሰባትን ንቘልዑትን ብቐጻሊ ዝጥቅዕ ዘሎ' ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ኰኒኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ኦታዋ እተገብረ ውዕል እገዳ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ንምኽባር፣ ነቶም ግዳያት ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ዝዀኑ "ውግእ ድሕሪ ደው ምባሉ እኳ ዓመታት ጸኒሖም ንሰላማውያን ሰባት ግዳያት ይገብር ኣሎ" ብምባል ድንጋጸኦም ገሊጾም፣ ነቶም ኣብ ምውጻእ ናይዞም ነተጕቲ ዝሰርሑ እንዳ ሕንደሳ ድማ ኣመስገንዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሉ እቲ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ተቐቢሩሉ ዘሎ መሬት ንምጽራይ ከምኡውን ንግዳያት ነተጕቲ ንምሕጋዝ ዝዓዩ ዘለዉ ሰባት  ቃለ ምስጋና ኣቕረቡሎም፣ ዕዮኦም ከኣ "ነቲ ኣድማሳዊ ጻውዒት ገበርቲ ሰላም ብምዃን ቁም ነገር ዘለዎ ምላሽ" ዝሃቡ ምዃኖም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ኣብ እተኻየደ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 1 መጋቢት "እቲ ውግእ ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ ንሰላማውያን ሰባት ንንጹሃት ሰባት ብፍላይ ከኣ ንቘልዑ ብቐጻሊ ግዳያት ዝገብር ዝለኦ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ዝኽልክል ውዕል ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉ መበል 25 ዓመት ተዘኪሩ ክውዕል ኢዩ" ብምባል ንምእመና ኣዘኻኸርዎም ።

ምስቶም "ብዙሓት ግዳያት ናይዚ ሰላሕታዊ መሳርሒታት እዚ ዝዀኑ" ሰባት ዘለዎ ጥቡቕ ቅርበት እንክገልጹ "ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ጭካነ ውግእ የዘኻኽሩና፣ ከምኡ ውን ሰላማዊ ህዝቢ ክጾሮ ዝግደድ ዘሎ ዋጋ ውን ኢዩ" በሉ።

ኣኼባ ኣውራጃ

እዚ እንዝክሮ ዝሎና ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ምጥቃም ምእካብ ምፍራይ ከምኡውን ምትሕልላፍ ዚኽልክል  ኣህጉራዊ ስምምዕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ውዕል ኦታዋ ወይ ህንደሳ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ውዕል ብ1997 ተቐባልነት ረኺቡ ብ1 መጋቢት 1999 ኪዓዪ ጀመረ ኣህጉራዊ ውዕል ኢዩ ።

እቲ ውዕል ብ3 ታሕሳስ 1997 ኣብ ኦታዋ ካናዳ ንኽፍርም ምስ ተኸፍተ ናይ 122 ሃገራት ክታም ረኸበ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ውዕል 164 ጕጅለ መንግስታት ይሳተፍዎ ኣለዉ ። ሰላሳን ክልተን ሃገራት ነቲ ውዕል ገና ኣይፈረማኦን ዘለዋ ሓንቲ ሃገር ድማ ፈሪማ እኳ እንተ ዀነት ገና ኣየጽደቐቶን ዘላ። ክሳዕ ሕጂ 35 ሃገራት ነቲ ውዕል ኣይሰመራሉን ዘለዋ፣ ገለ ኻብዚኣቶም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፣ ሩስያ፣ ቻይና፣ ምያንማር፣ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ፣ ኲባ፣ ግብጺ፣ ህንዲ፣ እስራኤል፣ ኢራን፣ ኪጥቀሳ ይከኣል ።

ዝኽሪ ውዕል ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ምውጋድ
ዝኽሪ ውዕል ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ምውጋድ

ጸብጻብ ነተጕቲ

ብመሰረት እቲ ኣብ ሕዳር 2023 ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ ነተጕቲ ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ 49 ሃገራትን ኣብ ክልተ ኻልእ ቦታታትን 4,710 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን የመላኽት ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ካብቶም ብ2022 እተመዝገቡ 85 ሚእታዊት ዚዀኑ ግዳያት ነተጕቲ ፍርቆም ቈልዑ እዮም ።

ኣብ ሶርያን (834) ዩክረይንን (608) እቲ ዝለዓለ ዓመታዊ ግዳያት ከም እተመዝገበ ድማ ተገሊጹ።

ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እታ ሃገር ቍጽሪ ግዳያት ነተጕቲ ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ምስ ናይ 2021 ጸብጻባት ብምግንዛብ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻባት የመላኽት። ኣብ የመንን ምያንማርን ብ2022 ልዕሊ 500 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ውን ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ከም ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝኽሪ ውዕል ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ምውጋድ
ዝኽሪ ውዕል ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ምውጋድ
29 February 2024, 13:45