2024.02.25 Angelus 2024.02.25 Angelus  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናይ ሎሚ ዕላዊ መደባቶም ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገማት ሰረዝዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ቀጻልን ልኡምን ዝኾነ ሕማም ሰኣል ዝኣመሰለ ምልክታት ስለ እተሰምዖም ንሎሚ ሰኑይ ከም መደብ ሒዞሞ ዝጸንሑ መደባት ከም ዝሰረዝዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም "ከም ናይ ሰዓል ዝኣመሰል ፍኹስ ዝበለ ምልክታት ይስምዖም ኣሎ። ረስኒ ግን የብሎምን ። ይኹን እምበር ንጥንቃቐ ብምባል ሎሚ ንግሆ ከካየድዎ ኣብ መደብ ሒዞሞ ዝጸንሑ መርሓ ግብርታት ከም ዝቃረጽዎ ናይ ቅዱስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወላ እኳ ነቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝነበሮም መደባት ብሰንኪ ክስምዖም ዝጸንሐ ምልክታት ፍኹስ ዝበለ ሕማም ሰዓል እንተ ሰረዝዎ፣ ቅዱስ አቦና ትማሊ ሰንበት ዕለት 25 ለካቲት ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝንበሩ ምእመናን ነቲ ልሙድ ናይ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ ኣካፊሎም ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝስዕብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም ዝሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም ክብል ዜና ቫቲካን የመላኽት።

26 February 2024, 18:09