ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. ወርሒ መጋቢት፦ ምእንቲ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰማእታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰማእታት ክንጽሊ ጻውዒት ብምቕራብ ከምኡውን ብሓደ መበለት ሰዓቢ እምነት ምስልምና ዘዘንተወሎም ፍጻሜ ብምዝካር በዓልቲ-ቤቱ ክርስቲያን ክንሳ ንኣሸበርቲ ብምቅዋማ ሰማዕትነት ከም እተቀበለት ብምዝካር ኣብቲ ንወርሒ መጋቢት ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ምእንቲ ሰማዕታት ናይ ዘመና ክኸውን ወሲኖም አለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ምእንቲ እቶም ናይ ዘመና ሰማእታት መሰኻኽር ክርስቶስ!" እንክብሉ ቅዱስ አቦና  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ጳጳስ ቪድዮ ዘርእስታ ሓዳስ መልእኽቶም፣ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሓደስቲ ሰማእታት "ንቤተ-ክርስትያን ብትብዓቶምን ብወንጌላዊ ተልእኾኦምን ተወፋይነቶምን ምእንቲ ኺመልእዋ" ጸሎት ኪግበረሎም ጻውኢት ኣቕሪቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘቕርብዎ ሓሳብ ጸሎት እንከካፍሉ "ታሪኾም ነጸብራቕ ናይዛቅ ሎሚ ዘላ ቤተ-ክርስትያን እዩ" ኸምኡውን "ዛንታታቶም ሓደ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይረኸበ ምስክርነት ናይ እምነት ኢዩ" ዚብል ዛንታ ኼካፍሉ ወሰኑ ።

ብዛዕባ ሓደ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ዝረኸብዎ መበለት ዚገልጽ ዛንታ ይዝክሩ ። እቲ ሰዓቢ እምነት ምስልምና ዝኾነ ሰብኣይ ብዛዕባ እታ ክርስትያን ዝኾነት በዓልቲ-ቤቱ ገለ ግብረ-ሽበራውያን ሰባት መስቀላ ክትድርቢ ከም ዝገደድዋ እሞ ብኸመይ ከም ዝነጸገቶም ዝገልጽ ዘስካሕክሕ ዛንታ ኣዘንተወሎም ። ኣስዒቡ እቲ ሰብኣይ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሎም "ንሳ ከምቲ ዝበልዋ ኣይገበረትን፣ ኣብ ቅድመይ ድማ ክሳዳ ቆረጽዋ" ክብል መስከረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ቀጺሎም ከምዚ በሉ እዚ ሰብኣይ እዚ "ቂም ኣይሓዘን" ኣብ ክንዳኡስ "ኣብ ኣብነት ፍቕሪ ሰበይቱ ኣብቲ ንክርስቶስ ክትቅበሎ ዝደረኻ ፍቕሪን ከምኡውን ክሳዕ ሞት እምንቲ ንኽትከውን ዝገበራ" ከም ዘተኰረ ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ኣብ መንጎና ወትሩ ሰማእታት ከም ዘለዉን ከምኡውን ተባዓትን መሰኻኽርን ሰማእታትን ከም ምዃኖም መጠን "እዚ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ከም ዘለና ዝሕብር ምልክት ኢዩ፣ ከምኡ ውን ንኹልና ንበረኸት ኢዮም ዝኾኑና" ብምባል ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ሎሚ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ክርስትና ዝነበሩ ንላዕሊ ሰማእታት ከም ዘለዉ ተነጊሩኒ አሎ " በሉ ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኩሎም ምእመናን ምእንቲ እቶም ምእንቲ ወንጌል ክብሉ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ እሙናት ሰባት ክንጽልዩሎም ጻውዒት የቕርቡልና ኣለዉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ "ንቤተ-ክርስትያን ብትብዓቶምን ብወንጌላዊ ተልእኾኦምን ክምስጥዋ ንሰማእትነት ድማ ቅሩባት ንኽንከውን ትብዓት ይኾኑና ኢዮም፣" በሉ።

ኣብ ስቕታ ዘለዉ ሰማእታት

እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ዘዳለውዎ ናይ ወርሒ መጋቢት ሓሳብ ጸሎት ዝሓዘ ናይ ምስማእ ርእየት መልእኽቲ፣ ምስ ጳጳሳዊ ውድብ ንሓገዝ እታ ምስኪን ቤተክርስቲያን ዝኾነ ማሕበር Church In Need ብንትሕብባር ዝካየድ ኮይኑ፣ ተልእኾኡ ነታ ረድኤት ዘድልያ ዘሎ ቤተክርስቲያን ኣብ ምሕጋዝ ዝዓለመ ማሕበር ኢዩ፣ እዚ ድማ ምእመናን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ኣብቲ ዝስደዱሉን ዝጋፍዑሉን ዘለዉ ኩነቶም ብጸሎትን ብሓበሬታን ብተግባርን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብታ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም ብዛዕባ እታ መስቀላ ምድርባይ ዝኣበየት ክርስትያን ዚገልጽ ዛንታ ምስ ካልእ ብዛዕባ ኣብ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት ዝርአ ዘሎ ተመሳሳሊ ዛንታታ ዚሰማማዕ እዩ ፣ ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ቕድሚ 20 ዓመት ብ2015 ኣብ ላሆር ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ - ሽበራውያን መጥቃዕቲ ንምውጋድ ዝሞተ ኻብ ፓኪስታን ዝመጸ ኣካሽ ባሺር ዚበሃል ናይ መጀመርታ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዚገልጽ ኣብነታትን ትብዓትን ውን ጠቒሶም ኣለዉ ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ኣብቲ ምስ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ሓሳብ ጸሎት ብምትሕሓዝ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ ብ2023 ጥራይ ኣብ 40 ሃገራት ብምኽንያት እምነቶም እተቐትሉ ወይ እተጨውዩ ሰባት ጸብጻብ ከም እተቐበሉ ገሊጾም ። ናይጀርያ ዝለዓለ ቝጽሪ ቕትለታት እተፈጸመላ ሃገር ኰይና ኣላ ፣ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሰበኻ ፋይሳልኣባድ ኣብያተ-ክርስትያንን ኣባይቲ ስድራቤት ናይቶም እቶም ኣብ ጃራንዋላ ዝነበሩ ክርስትያን ምእመናን መጥቃዕቲ ወሪድዎም እዩ፣ ኣብ ቡርኪኖፋሶ ኸኣ ኣብ ዴቤ ዚነብሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ብምኽንያት እምነቶም ጥራይ ካብ ቍሸቶምን ደምቤኦምን ተጒጎም ኢዮም ክብሉ ቅዱስነቶም ይምስክሩ ።

27 February 2024, 18:21