ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኣርእስትታት ቀዳማይ ክፋል ሲኖዶስ ዳህሳስ ዘካይዱ ጕጅለ መጽናዕቲ መስሪቶም
ኣባ አተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝሓለፈ ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይቲ ስዒቡ ዝካየድ ካልዓይ ክፋል መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ካብ ረቡዕ 2 ጥቅምቲ ኽሳዕ ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2024 ክካይድ ከም ከም ዝወሰኑ ኣፈሊጦም።
እዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ “ሲኖዳውነት” ዝብል ኣርእስቲ ብምቕጻል "ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ፡ ሓድነት፣ ተሳትፎ ከምኡውን ተልእኾ" ንዝብሉ ቅዉም ሓሳት ብምልዓል ዕዮኡ ክቕጽል ኢዩ።
ቅድሚ እቲ ስሩዕ መደብ ናይ ሲዶስ ተሳተፍቲ ንኽልተ መዓልቲ አብ ሱባኤ ክኣትዉ ኢዮም ፣ እዚ ኸኣ ካብ 30 መስከረም ክሳዕ 1 ጥቅምቲ ኪኸውን ከሎ፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ድማ ብዕለት 29 መስከረም ናብ ሮማ ኺመጹ ምዃኖም ተፈሊጡ ።
ከምኡ ውን ዝሓለፈ ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንገለ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ንዝተዘተየሎም ኣርእስትታት ንምድህሳስ ጕጅለታት መጽናዕቲ ኸም ዚቘሙ ዚገልጽ ብኢዶም እተጻሕፈ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣውጺኦም ።
እዘን ጕጅለታት መጽናዕቲ ካብ መንጎ እተን ብቕዓት ዘለወን ኣካላት ካብ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር (ሮማን ኩርያ) ዝተዋጽኡ እንክኾኑ፣ ብኣዋሃሃድነት ናይ ብጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስን ድማ ብምትሕብባር ክዓዩ ኢዮም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኖዶስን ንዘሎ ምትሕብባር እንክገልጹ፣ አብቲ ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ሰነድ እቶም ላዕለዎት አካላት ቅድስቲ መንበር ማለት ሮማን ኩርያ ኣብቲ “ሑሩ ወመሃሩ” እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ተገሊጹ ከም ዘሎ "ህይወት ሕብረትን ሓድነትን ንቤተ-ክርስትያን ሲኖዶዊት ይገብራ" ብምባል ገሊጾሞ ይርከቡ ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘውጽእዎ ሰነድ ከም ዝገለጽዎ እቲ ብቐጥታ ኣብ ሥልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምርኰስ ከምኡውን "ነቲ በብግዚኡ ዝካየድ መስርሕ ሲኖዶስ ዝድግፍን ዘሰንን" ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘለዎ ግዴታ፣ ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ጳጳሳትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያንን ንዘሎ ርክብ ብሲኖዶሳዊ መንፈስ ንምትብባዕን ከምኡ ውን ምስ ጳጳስ ናይ ሮማ ሓድነትን ውህደትን ንምስልሳል ዘጠቓልል ኢዩ።
ኣብ መደምደታ እታ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና "ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብመሰረት እቲ ዘለዎም ፍሉይ ተልእኾን ሥልጣንን ኣብ ንጥፈታት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ብምትሕብባር ነቲ ስሩዕ ሜላ ሲኖዶስ ብምኽታል ንገለ ኻብቲ እተላዕለ ኣርእስትታት ዓሚቝ መጽናዕቲ ብምግባር ጕጅለታት መጽናዕቲ የቝሙ" ብምባል ደምደሙ።
"እዘን ጕጅለታት መጽናዕቲ እዚኣተን ብመንጎይናነ ናይ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሮማ ኩርያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ብሕድሪ እተዋህበሉ ሓባራዊ ስምምዕ ክምስረታ ኢየን" ብምባል እቲ ሰነድ የመላኽት ።
ካልእ ወገን ድማ ብ11 ታሕሳስ 2023 ብጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተሓትመ "ናብ ጥቅምቲ 2024" ዘርእስቱ ሰነድ፣ እቲ ዚቕጽል ክፍለ-ግዜ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ዝበለ ተሳትፎን ምትሕብባርን ከም ከም ዝካየድ የጕልሕ።
እዚ ሓድሽ ሰነድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ፣ ገለ ኻብቲ ንኣብያተ-ክርስትያን ብምስማዕ ዝተኣኻከበ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስትታት ሥነ-መለኮታውን፡ ቀኖናውን፡ ከምኡውን ጉስነታውን ኣስተንትኖታት ብዙሕ ግዜ ኸም ዝሓትት የነጽር።
ደድሕሪ እቲ ኣቐዲሙ ዝተኻይደ ሲኖዶስ ክካየድ ብመደብ ተታሒዙ ዝለኦ መጽናዕቲ ነዚ ኣርእስትታት እዚ ብመሰረት እተዋህቦም ተልእኾ ካብ ኵሉ ኽፍለ-ዓለምን፣ ካብ እተፈላለየ ክፍልያት ናይ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስቲ መንበርን ሮማን ኩርያ ዝመጹ ክኢላታት ዝሳተፍዎ ክኸውን ኢዩ።
ይኹን እምበር እዚ ሰነድ ቅዱስነትም ነየኖት ጕጅለታት መጽናዕቲ ኸም ዜቝሙ ኣየናይ ፍረ ነገር ከም ዝድህስሱ ግን ኣይገልጽን እዩ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እተዛዘመ ሲኖዶስ ብድምጺ ተሳተፍቲ ዝጸደቖ ናይ ጽማሬ ጸብጻብ እተወሰነ ቐኖናዊ ሕግታት ሕዳሴ ከም ዘድልዮን፣ ሥነ መዕበያ ካህናት፡ ኣብ መንጎ ጳጳስትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዘሎ ርክባትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣገልግሎት ድያቆናት ሥነ መለኮታውን ጉስነታውን ዳህሳስ ክግበረሎም ከም ዘድሊ የመላኽት።
ጕጅለታት መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ እተሓትመ ሰነድን ኸምኡውን ነቲ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኢድ ጽሑፍ ዝወጸ መምርሒታት ከም መሳርሒ ተጠቂሞም ነታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት መጽናዕትን ዳሕሳስን ብምግባር ከገልግሉ ኢዮም።
ይኹን እምበር ኣብቲ ብዛዕባ ሲዶዳውነት ቤተ-ክርስትያን ዘተኾረ ሲኖዶስ ንናይ ዝቕጽል ዛዕባታት ጉባኤ ሲኖዶስ ንዝካየድ መደባት ክመያየጡሉ ዝኽእሉ ጽሑፍ ብቐጥታ ዘሰናድዉ ኣይኮኑን ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ብብጹዕ ብካርዲናል ማሪዮ ግሪኽ ዚምራሕ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ንዕዮ ጕጅለታት መጽናዕቲ ኣብ መንጎ እቶም ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምዃን ኬተሓባብር እዩ። ከም ሓደ ሕጋዊ ኣካል ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣካል ወይ ክፍሊ ናይ ሮማን ኩርያ እኳ እንተ ዘይኮነ ብቐጥታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ጸብጻባቱ ዘረክብ ኣካል ኢዩ ።
ምርጫ ሓደስቲ ኣማኸርቲ
ከምኡ ውን ዝሓልፈ ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሲ እቶም ዓሰርተ ከም መማኽቲ ቤትጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኮይኖም ዝዓዩ ዘለዉ ካልኦት 6 ሓደስቲ መማኽርቲ መዚዞም ።
እዞም ሓደስቲ ኣማኸርቲ እዚኣቶም - የኔታ ኣልፎንስ ቦራስ ኤጲስጶሳዊ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሊዥ (በልጅዩም) ፣ ኣብ መንበረ ጥበብ ላቫል (ካናዳ) ፕሮፌሰር ሥነ መልኮት ጊለስ ሩተር፣ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጠበብ ኣውስትራልያ ተራዳኢ ፕሮፌሰር ሥነ መለኮት ኦርሞንድ ሩሽ ፣ ኣብ ጳጳሳዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፔሩ ፕሮፌሰር ሥነ መለኮት እናቴ ቢሪጅት ዋይለር ፣ ሕሩይ አቦ መንበር ማሕበር መጽናዕቲ ማሕበረሰብኣውነት ሃይማኖት ፕሮፌሰር ትሪስያ ብሩስ፣ ከምኡ ውን ማሪያ ክላራ ሉቸቲ ቢንገመር ኣብ ጳጳሳዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ፕሮፌሰር ሥነ መለኮታ እያቶም ።