BRITAIN-UKRAINE-RUSSIA-ANNIVERSARY-WAR BRITAIN-UKRAINE-RUSSIA-ANNIVERSARY-WAR  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽርከብ ጸለዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዩክረይን መጠነ-ሰፊሕ ውግእ ዝጀመረሉ ዕለት ብምዝካር፣ "ሓቅን ነባርን ሰላም" ንምርካብ ዝዓለመ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክካየድ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ሩስያን ዩክረይን ውግእ ዝጀመራሉ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ዘጋጠመ ሞት ጕድኣት ዕንወት ዘሳቅዮም ዘሎ ጓህን ሓዘንን ምዃኑ ገሊጾም ። ከምዚ ድማ ብሉ “እዚ ኩነታት እዚ ኣስጋኢ እናኾነ ይመጽእ አሎ፣ ነዊ ግዜ ምውሳዱ ጥራይ ከይኣክል መወዳእታኡ ክንርእየሉ ኣብ ዘይንኽእል ጀረጃ በጺሑ አሎ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ "ንክፍለ ዓለም ኣውሮጳ ኣዕናዊ ጥራይ ዘይኰነስ ዓለምለኻዊ ማዕበል ፍርህን ጽልእን እውን የለዓዕል ኣሎ፣" ብምባል ኣጠንቀቑ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ "ስቓይ ዝበዝሖ ህዝቢ ዩክረይን" ዘለዎም "ህያው ድንጋጽን ጸሎትን" ብምሕዳስ "ንፍትሑን ነባርን ሰላም ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንኽህሉ ዘኽእል ሒደት ሰብኣውነት ንኸርእዩ" ልመናኦም ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ኩሎም ምእመናን ምእንቲ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ምጽላይ  ከይርስዑን ነቶም በቲ ውግእ እተበታተኑ ብዙሓት ሰባት፣ ከኣ ነቶም ዝሳቐዩ ብፍላይ ከኣ ነቶም "ዝቆሰሉን ንጹሃት ህጻናትን" ጭቡጥ ሓገዝ ክግበረሎም ተማሕጸኑ።

ኣብ ኣፍሪቃ እተገብረ ግጭታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ምስ ጳጳሳት እታ ሃገር ሓቢሮም ሰላም ንኽረኽቡ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝጽልዩን ብምግላጽ፣ ነቲ ግጭት መወዳእታ ኽግበረሉ ከምኡውን "ልባውን ሃናጽን ዘተታት" ክግበር ተስፋ ከም ዘለዎ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓሳባቶም ናብ ናይጀርያ ምልስ ብምባል ድማ  ነቲ ብተደጋጋሚ ዚፍጸም ዘሎ ጭውያ "ዜሻቕለና ነገር ኢዩ" ክብሉ ኣጕልሑ ። ንህዝቢ ናይጀርያ ዘለዎ ምቅርራብን ጸሎትን ገለጹ "ነዚ ፍጻመታት እዚ መፍትሒ ንምርካብ ብዝተኻእለ መጠን ጻዕሪ ኽግበር የድሊ" ድማ በሉ።

ለውጢ ዅነታት ኣየር፦ ዓለምለኻዊ ማሕበራዊ ጸገም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጠመተኦም ናብ ክፍለ ዓለም እስያ ምልስ ብምባል ዘለዎም ድንጋጼ ገለጹ ብፍላይ ምስቶም ብርቱዕ ቍሪ ዚሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ሞንጎልያ ኣብ ጐኖም ደው ከም ዝብሉን ብምግላጽ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒብሎም ከም ዘሎ ገሊጾም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ሕሉፍ ተርእዮ እዚ ምልክት ምዝባዕ ዅነታት ኣየርን ሳዕቤናቱን እዩ" ድማ በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "እዚ ቕልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዓለምለኻዊ ማሕበራዊ ጸገም ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንህይወት ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ንሽግር እተቓልዑ ኣጸቢቑ ይጸልዎ ኢዩ ዘሎ " ክብሉ መስከሩ ። ወሲኾም ድማ "ንፍጥረት ኣብ ምክንኻን ኣበርክቶ ንምግባር ጥበበይናታትን ትብዓት ዝመልኦምን ሰባት ብምዃን ስጉምትታት ክንገብር ንጸሊ" ክብሉ ተማሕጸኑ ።

26 February 2024, 17:20