ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝርአ ደም ምፍሳስ ኮኒኖም ሰላም ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ እናትፈጸመ እንከሎን ከምኡ’ውን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንጎሆ ንጸሎት ኣብ ዝተኣከቡሉ መስጊድ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ብርቱዕ ሓዘን ከም ዘሕደረሎም ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝተኸተመ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም መልኽቲ ገሊጾም፡ “ጽልኢ መፍትሒ ግርጭታት ኣይኮነን” ዝብል ጽኑዕ እምነቶም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ብሩኪና ፋሶ ዞባ ርሑቕ ምስራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ኤሳካነ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓርገሉ ዝነበረ እዋን ብዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 15 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ከምኡ እዋን ኣብ ከተማ ናቲያቦኣኒ ኣብ ዝርክገብ መስግዲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ጸሎት ኣንከለዉ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝተሓበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሰኮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ላውረንት ዳቢረ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴሌግራም፥ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ምጥፋእ ህይወት ደቂ ሰባት ብዕምቆት ከም ዝሓዘኑን፡ ኣብ ሓዘን ናይቶም ስድራ ቤት ዝተቐትሉ ከም ዝሓብሩን ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት “ንምሕረት እግዚኣብሔር ሕድሪ ብምሃብ፡ ንዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ምሕዋይ” ተማሕጺኖም፡ ከምኡ እውን “ጽልኢ መፍትሒ ግርጭታት ከምዘይኮነ” ብምዝኽኻር፡ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ክኽበር፡ ክብርታት ሰላም ንምስፋሕን ኣንጻር ዓመጽ ምቅላስን የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንመላእ ዜጋታት ቡርኪና ፋሶ፡ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ነታ ሃገር መለኮታዊ ቡራኬ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።