ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊጡርጊያ ዓርቢ ስቕለት ሰሪዖም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓርቢ ስቕለት ድሕሪ ቀትሪ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይን ሞትን ዘማእከለ ሊጡርጊያ ከም ዝሰርዑን ድሕሪ ምእዋጅ ስቓይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ “ንወዲ ሰብ ምስ ኣልዓልካዮ ሽዑ መን ምዃነይ ክፈጡ ኢዮም” ኣብ ዝብል ቃለ ወንጌል ዝለገስዎ ስብከት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም።
'ኣነ እየ'
ካርዲናል ካንታላሜሳ፥ ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምስ ተቓወምቱ ዝነበረ ውዑይ ክርክር፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ብጐይታ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 'ኣነ እየ' ምስ ዝገለጾ ግልጸት ክነጻጸር ከሎ፡ እናዓበየ ዝኸይድ ናይ ግልጸት ተግባር ነስተውዕል።
“ድሕሪ ደጊም ‘ኣነ እየ’ እዚ ወይ እቲ: እንጌራ ህይወት: ብርሃን ዓለም: ትንሳኤን ህይወትን ወዘተ ኣይኮነን ዝብል፡ ብዘይ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ 'ኣነ እየ' ጥራይ ብዝብል ፍጹም ብዝኾነ ሸነኽ ሰገር ህላወነት" ማዕቅን ገዛእ ርእሱ ይገልጽ።
እዚ ድማ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ዘጸኣት 3፡14ን ኢሳይያስ 43፡10-12ን ‘ኣነ እየ’ እቲ መለኮት እንክብል ምስ ዝኣወጆ መንነቱ ዝጋጠም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ዘሰንብድ ሓድሽ ነገር ድማ ኢየሱስ ነዚ መንነቱ እዚ ምርግጋጹ እዩ፡ 'ንወዲ ሰብ ምስ ኣልዓልክምዎ' ንዝብል ቃል ፍሉይ ኣቓልቦ ምስ እንህብ፡ ሽዑ እዩ ንሱ መን ምዃኑ እንፈልጥ፡ መን ምዃኑን - ስለዚ ድማ ኣምላኽ መን ምዃኑ! - ኣብ መስቀል ጥራይ እዩ ዝፍለጥ"
ስለዚ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ከም ዝብሎ፥ "ምስ ኣልዓልኩምዎ" ዝብል ቃል ፍጻመ ጐይታ ኣብ መስቀል ምዃኑ ይምልከት።
"ነቲ ደቂ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ንዝነበሮም ኣተሓሳስባ ንምልዋጥ ብኸፊሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ክንቅይሮ ኣሎና። ኦየሱስ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ሓሳብ ኬመሓይሾን ብሉጽ ክገብሮን ኣይኰነን መጺኡ፣ የግዳስ "ነቲ ቅድም ክብል ሰባት ዝነበሮም ርድኢት ዛዕባ ኣምላኽ ከፍርሶን ናይ ሓቂ ወጅሂ ኣምላኽ ኪገልጽ እዩ መጺኡ" ነዚ ንመጀመርታ ግዜ እተረድኦ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ምዃኑ ካርዲናል ካንታላመሳ የብርሁ።
ኵላዊ ትርጉም ቃል ክርስቶስ
በዚ ብርሃን እዚ "ቃል ክርስቶስ ነቶም ዘንብብዎ ዝብድህ ኵላዊ ትርጉም ይሕዝ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመንን ኩነታትን፡ እንኮላይ ኣብ ናትና ዘመን” ከይተረፈ፡ ትማልን ሎምን መጻእን ዝሓቁፍ ቃል!
ኣብቲ ብዘይ - ምስትውዓል፡ ነዚ ኢየሱስ ክቕይሮ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ መንነት ከም ዘሎና ገሊጾም፥
"ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ግን እንታይ ዓይነት ሓይሊ እዩ?" ዝብል ሕቶ ድማ ኣቕሪቦም፡ “ኣምላኽ ምስ ሰብኣውያን ፍጡራት ስለ ዚራኸብ ብዘይ ሓደ ጸቕጢ ኪኖ እውን መከላኸሊ ዘይብሉ ኮይኑ እዩ ዝመጸ። ነቲ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ምርጫ ብእተወሰነ ደረጃ የኽብሮ እውን።”
ኵሉ ዝኽእል ወልደ - እግዚኣብሔር
"ከምኡ ድማ ኣቦ፡ ነቲ ሓቀይና ወጅሂ ናይቲ ኣብ ወዱ ዘሎ ኩሉ ዝኽእል ምዃንነቱ ይገልጽ" . . . "ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድ ሓይሊ ብርታዔ ይሓትት፤ ገዛእ ርእስኻ ንጎኒ ገዲፍካ ክትሓብእ ብዙሕ ሓይሊ እዩ ዝሓትት . . . "እግዚኣብሄር እዚ ደረት ኣልቦ ሓይሊ ርእሰ-ምሕባእ እዩ! ንርእስኻ ባዶ ምግባር - ዘትሕት።"
“ንናይ ስልጣን ድሌትና” እግዚኣብሔር በቲ ብፍቓዱ ዝገብሮ ሓይሊ ኣልቦነት ኣቢሉ ይቃወሞ" እዚ ነቶም ሓላያት እዛ ምድሪ ኢና ዝብሉ ዓቢይ ትምህርቲ እዩ!”
ዝተፈላለየ ዓይነት ዓወት
ሓደ ሰብ ክርስቶስ ኣብ ትንሳኤኡ ዓወት ከም ዝረኸበ ገይሩ ብምሕሳብ ነቲ ገዛእ ርእሱ ባዶ ብምግባር ዘፍርሶ ዘይስዓር ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝብል መንነቱ ይመልሶ፡ እዚ ድማ "ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ እንሓስቦ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ" እንክብሉ ድማ የብርሁ።
"ካብቲ ሃጸይ ካብቲ ዕዉት ወፈራታት ምስ ተመልሰ ኣብ ጐድኒ እቲ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ካብቲ ኣብ ሮማ 'ኣብ ጎደና ዓወት” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝተፈጸመ 'ዓወት' ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ"፡ ኣብ ክንዳኡስ ትንሳኤ ብዘይ መሰኻኽር ብምስጢር እዩ ዝፍጸም። ብዙሓት ሰባት ንሞት ጐይታ ርእዮምዎ ኢዮም ዝለዓlu ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ሰበ - ስልጣን እውን ነይሮም ኢዮም፡ እንተዀነ ግን ምስ ተንስአ ንሒደት ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ ኢዩ ዝተራእዮም። ከምዚ ዓይነት መከራ ምስ ዘጋጥም ከም ምድራዊ ኽብሪ ዝኣመሰለ ደጋውን ዝርአን ዓወት ክንጽበ ከም ዘይብልና ክነግረና ስለ ዝደለየ እዩ ድማ።"
ኣብነት ሰማእታት
"እቲ ዓወት ኣብ ዘይርአ ህዋሁ እዩ ዝወሃብ፣ ኢታእላው ስርዓት ድማ እዩ፣ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ከም ዝኾነ "እቶም ናይ ትማልን ናይ ሎምን ሰማእታት ኣብነት ኢዮም።"
እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ብግልጸታት ትንሳኤኡ ኣቢሉ "ነቶም ካብ መጀመርታ እቲሒዞም ንእምነት ኣይፋል ዝበሉ ኣዝዩ ጽኑዕ መሰረት እምነት ንምሃብ እኹል እዩ" እንክብሉ ካርዲናል ካትንታላመሳ የዘካኽሩ።
ክርስቶስ ዝምስከሮ ፍቕሪ
ትንሳኤኡ “ግን ንተቓወምቱ ሕሰምን ናይ ሕነ ምፍዳይ ተግባር ኣይኮነን” . . . ጌጋ ምዃኖም ከረጋግጽ ወይ ነቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ቁጥዐኦም ከባጭው ቢሉ ኣይኮነ ኣብ ማእከሎም ዝቐርብ። . . . ሕነ ምፍዳይ ምስቲ ክርስቶስ ኣብ ስቓዩ ክምስክረሉ ዝደለየ ፍቕሪ ዘይቃዶ እዩ።”
ክርስቶስ ንሕማማቱ ኺምስክር ደለየ" ኣብ ቀራንዮ ገዛእ ርእሱ ብምቕንጣጥ' ክብሪ ትንሳኤኡ ብትሕትና ኣርኣየ!”
እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ዘተሓሳስቦ ንጸላእቱ ምድንጋር ዘይኮነስ፡ ነቶም ዝሰንበዱን ዝፈርሑን ደቀ መዛሙርቱ፡ ከምኡ’ውን ቅድሚኦም ነተን ኣብኡ ምእማን ፈጺመን ዘየቋረጻ ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋእ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ካንታላመሳ የብርሁ።
‘ጾር ዝኸበድኩም ናባይ ንዑ’
ቀጺሎም ነቲ ጐይታ ንመእመናን ዝሃቦ ዘረጋግእ ቃላት ኣስተብሂሎም፥ "ነቲ ኢየሱስ ካብ መስቀሉ ንዓለም ዘቕረቦ ዕድመ፥ 'ኣቱም ኩላትኩም ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ” ዝብል ሓንጎፋይ ቢልና ንቀበሎ።
እዚ ምዕዶ ዳርጋ "ከም ጌጋን ላግጽን" ክሕሰብ ይኽእል ይኸውን፡ "ባዕሉ ርእሱ ዘዕርፈሉ እምኒ ዘይነበሮ፡ ብህዝቡ ዝተነጽገ፡ ንሞት ዝተፈርደ፡ ሓደ ሰብ ከይርእዮ ገጹ ዝተሸፈነ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ኣብ ኩሉ ቦታን 'ናባይ ንዑ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ!' ክብል ይደፍር።
ኢየሱስ "ኣቱም ኣረገውትን ሕሙማንን ዝተሓረግኩምን ኣቱም ብድኽነትን ብጥሜትን ብዓመጽን እትቕተሉን ናባይ ንዑ፣ እቱም ብእምነትኩም ምኽንያት እትስደዱን ወይ ምእንቲ ሓርነት እትቃለሱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለኹም ኣደዳ ዓመጻ ዝዀንኩም ናባይ ንዑ ይብል።”
እግዚኣብሄር ዕረፍትን ምጽንናዕን ይህበና
ዕድመ ጎይታ ንማንም ዘየግልል ምዃኑ ካርዲናል ካንታላመሳ ገሊጾም፥ መረጋገጺ ድማ "'ናባይ ንዑ፣ ኣነ ድማ ዕረፍቲ ክህበኩም እየ! . . . ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ . . . ዝብላ ቃላቱ እያተን ቢሎም፥ በቲ ጐይታ ዝህበና ንምእማኑ ዘጸግም ምጽንናዕን ዕረፍትን ብምድናቕ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።