ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ንቤትና ምስ ኣምላኽ ኮይና ክንሃንጽ' የተባብዑና

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ እዚ ኣብ ዘመነ ዓቢይ ጾም እንገብሮ ዘሎና ጕዕዞ ብጸሎትን ብምትእምማንን ብጥቡቕ መንፈሳውነትን ከምኡውን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምሕዝነትን ሕውነትን ብምምስራት ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምድልዳል ከም ዘኽእለና ገለጹ ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር እተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን  ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ነጋዶ ኻብ ቤተ መቕደስ  እንክሰጎም ዝነበረ ወንጌላዊ ፍጻሜ ዝገልጽ ናይ ዕለተ ሰንበት ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ ብምልጋስ "ንቤት ኣቦይ ዕዳጋ ኣይትግበርዎ" ብምባል ኣስተምሃሩ ።

ናይ ዕዳጋን ናይ ቤትን ኣረዳድኣ

ድሕርዚ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ናብ ጐይታ እንቐርበሉ አገባብ ካብቲ ብዛዕባ ዕዳጋ ወይ ቤት ኣቦና ዘሎና ኣረዳድኣና ብኸመይ ከም ዝፈላለ ኣስተንተኑ ። እቲ ኣብ ናይ ኣምልኾ ቤተ መቕደስ ዝካየድ ዝነበረ ዕዳጋ፣ በጊዕ ዓዲግካ ኣብ መሰውኢ ብምሕራር መሥዋዕቲ ንምቕራብ ዘድሊ ከም ዝነበረ ድማ ኣመልከቱ ።

እምተ ኾነ ግን ነታ ቤተ መቕደስ ከም ቤት [ኣቦ] ጌርካ ክርድኦ ዝብል ሓሳብ ብኣንጻሩ እዩ ዜመልክት ፣ ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኺራኸብ ናብኡ ይኸይድ ፣ ናብ ጐይታ ብምቕራብ ድማ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሓጐስን ሓዘንን ሕብረት ዘለዎ ስድራቤት ኰይኑ ይቐርብ ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ ናይ ዕዳጋ ኣቀራርባ ቀመር ዋጋ እዳጋ ብምግባር ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓታት ምስ ምድላይ ዝተሓሓዝ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን እቲ ናይ ስድራቤት ኣቀራርባ፣ ዋጋ ዘይክፈሎን ብዋጋ ዘይትመንን ኣብ ፍቕርን ሓድነትን ብሓባራዊ ረብሓ ዝረአን ብናጻ ዝወሃብ ኢዩ ።

እታ ቤተ መቕደስ ከም ቤትና ትኹን

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከም ዘርአዮ ቕንኣት ዝመልኦ ስጕምቲ ኢዩ ወሲዱ፣ ጐይታ ነታ ኣብ ክንዲ እታ "ቤት ኣቦ ዝኾነት ቤት መቕደስ" በቲ "ዕዳጋ ቦታ ሸቐጥ" ተተኪኣ ምስ ረኣያ ብኸመይ ከም ዘይተቐበሎ ዘርኢ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እቲ ናይ ዕዳጋ ኣገባባት ምስ ኣምላኽ ምስቲ ናይቲ ስድራቤታዊ ዝኾነ ዝምድናን ትውክልትን ከም ዘይሳነ ውን ኣስፊሖም ገለጹ ። ጐይታ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓድነትን ርክብን ክፈጥረና ከም ዝመጸ ድማ ኣጕልሑ ።

"ክርስቶስሲ ሕብረትን ምሕረትን ርክብን ክፈጥረልና ኢዩ ዝመጸ።"

ንቤትና ምስ ኣምላኽ ብምዃን ንህነጽ

አብዚ ዘመነ ጾም እንገብሮ ዘሎና ጕዕዞ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ዝያዳ ስድራቤታዊ ስምዒት ንኸነሕድር ኢዩ ዝጽውዓና እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ቅድም ብጸሎት ምስ ኣምላኽ ንሕበር" በሉ። ልክዕ ከምቶም ከይደኸሙ ብምትእምማን ኣብ ኣፍ ደገ ኣቦኦም ዝዅሕኵሑ ውሉድ ኮይና ንረኸብ" ድማ በሉ። ድሕርዚ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓድነት ምምስራት "ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ" ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

ጸሎትን ምምጻእን

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብ ኣስተንትኖኦም ኣብ መዓልታዊ ህይወትና መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ጽምዋ ኸም ዜጋጥመና ወይ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጽልኢ ዝመልኦ ሃዋሁ ከም ዝጸንሓና ትዕዝብቶም ኣመልከቱ። ንኩነታት ናይቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ክንምርምሮ ኸምኡውን ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ባዶነት ንምፍራስ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኽንወስድ ድማ ሓሳብ ኣቕረቡልና ። ንጸሎትና ከም ሓደ ግዴታ ጌርና ኽንርእዮ ወይ ኣብ ጐይታ ኽንጥንጠነሉ ዘሎና እዋን ጌርና ኽንርእዮ እውን ተማሕጸኑ ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም "ማርያም ምስ ኣምላኽን ኣብ ጐረባብትናን ኣብ ከባቢናን ስድራቤታዊ ርክብ ክንሓንጽ ትሓግዘና!" ቢሎም ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

04 March 2024, 22:21