Palestinians mourn their dead following recent Israeli airstrikes in Rafah Palestinians mourn their dead following recent Israeli airstrikes in Rafah  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኩልና 'ይኣክል!' ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚግበር ውግእ ደው ኣብልዎ ንበል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናጻ ምእንቲ ኽወጹን ህዝቢ ፍልስጥኤም ብህጹጽ ዘድሊ ረድኤት ምእንቲ ኽረኽቡን ኣብ ቃዛ ብህጹጽ ውግእ ደው ንኽብልን ልባዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ቃል ኣብ ቃዛ ዝግበር ዘሎ ውግእ ደው ንኽብል ልባዊ ምሕጽንታ ኣብ ዘቕረቡሉ ከምዚ በሉ - "ብሰንኪ እቲ ቐጺሉ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መዓልታዊ ስቓይን መከራን ናይቶም ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ ልበይ ኢየ ዝስምዓኒ።” ክብሉ መስከሩ።

ነቶም "ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ዘለዉ ሰባትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ነቶም መጻኢኦም ከም እተቖጽየ ኮይኑ ዝስምዖም ዝለዉ ቆልዑ ዀኑ ውሕስነት ዘይብሎም ሰባት ስቓይን መከራን ዘስዕቦ ዘሎ ዓብዪ ዕንወት" ድማ ክሳብ ክንደይ ከም ዘሕዝኖም ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵሎም እቶም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ሰላም ንምርካብ ድምጾም ከስምዑ ጻውዒት ዓቕረቡሎም ።

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ቃል ምሕጽንታ አብ ዘስምዑሉ - "ብሓቂዶ በዚ መገዲ እዚ ዝሓሸት ዓለም እንሃንጽ ከም ዘሎና ዶ ይመስለና?" እንክብሉ ሕቶ ኣቕረቡ።

"በጃኹም ይኣክል ። ኵልና እስከ በጅኹም ‘ይኣክል!’ ንበል” ደጊሞም ድማ “ነዚ ውግእ ደው ኣብልዎ!” በሉ።

ብኡንብኡ ነቲ ውግእ ደው ኣበለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ድማ እቲ ኣብ ቃዛን ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብህጹጽ ደው ንምባል ዝግበር ውዕላት ክቕጽል ጻውዒት ብምቕራብ - "እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ወጺኦም ናብቶም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎም ዘለዉ ዘፍቅርዎም ሰባት ምእንቲ ኽምለሱ ከምኡውን ሰላማዊ ህዝቢ ኣድላዪን ህጹጽን ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ብቅልጡፍ ምእንቲ ኽረኽቡን ንስራሕ ። " እንክብሉ ተማሕጸኑ።

ኣብ መደምደምታ - "ነታ መዓልታዊ ብዙሓት ሰባት ዝሞቱላ ዘለዉ ዩክረይን ኣይንረስዓያ። ዓብዪ ጓሂ ዘለዎ ቦታ እዩ፣" እንክብሉ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ እተገብረ ውግእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮ ኣብዛ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ካብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ 2023 ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዞም ድምጾም ብምስማዕ ካብ ዘቕረብዎ ሓያሎ ጻውዒት እዚ እቲ እዋናዊ እዩ ዝነበረ ።

ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኢድ ሓማስ 130 ዝኾኑ እስራኤላውያን ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ፣ ልዕሊ 30 ኻባታቶም መይቶም ከይኮኑ ዝብል ስግኣታት ውን አሎ ።

በቲ እስራኤላውያን ኣብ ገማግም ቃዛ ብዘውርድዎ ዘለው መጥቃዕትታት ቍጽሪ ናይ ዝሞቱ ፍልስጥኤማውያን ልዕሊ 30,000 በጺሑ ኣሎ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ኢዩ ዝንገር ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ ። እቲ ዘሕዝን ድማ ካብዚኣቶም ክልተ ሲሶ ዝኾኑ ኣንስትን ቈልዑን ምዃኖም ኢዩ ።

ኣብ ሰ ሜናዊ ቃዛ ዓጸቦ ከይጋጥም ዘሎ ስግኣታት

ሓላፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ሃገረ ኖርወይ ኣብ ቃዛ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምብጻሕ ዘካየደ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ሰሜን ቃዛ ዘለዉ ህዝቢ ኣብዚ እዋን እዚ ከቢድ ጥሜት ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ።

ያን ኤገርሉንድ ንኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ አብ ዝሃቦ መግለጺ ሓደ ዜስካሕክሕ ነገር ክርኢ ከም ዝኽእል ተዳልዩ ከም ዝኸደ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ኣባኡ ዝረኣዮ ግን ዝገደደ እዩ ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ኸባቢ ረድኤት ንምሃብ ዶብ ሰጊሮም ንኸይሓልፉ እስራኤል ንዅሉ ብምዕጻዋ ምዃኑ ገለጸ። ከምኡ ውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጀርመንን ብሪጣንያን ናብ እስራኤል ኣጽዋር ብምሻጦም  ኰነኖም ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጆርዳንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓባር ኰይነን ንቃዛ ረድኤት ከም ዝሓባ ዝፍለጥ ኢዩ ። ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሰለስተ ነፈርቲ ኣስታት 38,000 ዝኸውን ምግቢ ዝሓዘ 66 ፓኮታት ከም ዝለኣኻ ውን ገለጸ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ግጭት ጋዛ ከም መንጐይና ኮይኖም ዘለዉ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ክግበር ዝሕለን ዘሎ ግዝያዊ ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ስምምዕ ንምዝታይ ኣብ ካይሮ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍንዉ ኣትሒዛ እስራኤል ኣብ ቃዛ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተካይድ አላ ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ብሰንኪ እዚ ውግእ 30,320 ፍልስጥኤማውያን ቀቲሎም ኣለዉ፣ ከምኡ ውን 71,533 ብኸቢድ ቆሲሎም ኣለዉ ።

04 March 2024, 22:26