ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተቓላዕነትካ ምሕቋፍ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተቓላዕነትካ ምሕቋፍ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተቓላዕነትካ ምሕቋፍ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 27 ለካቲት - 1 መጋቢት ኣብ ከባቢ ሮማ ከተማ ሳክሮፋኖ ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ዛዕባ “ተቓላዕነትን ማሕበረሰብን” ተግባእያን ዕለት 1 መጋቢት ተቐቢሎም፥ ነፍሲ ወከፍ ተኣፋፍነቱ ብምቕባል ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ክቕበሉ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መዕረፊ መንበር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” ብዝብል እርስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ዕለት 1 መጋቢት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “እቲ ጉባኤ ተቓላዕነትን ማሕበረሰብን እንግዶትን ሓቋፍነትን ዝብል ዘንበሮ መርሓ ግብሪ “ሃብታምን መሳጥን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ማእከል እቲ ጉባኤ፡ ተቓላዕነት “ብኹሉ መልክዑ ዝድህሰስ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ንቕድሚት ንምስጓም ዝድርኽ እውን ብምዃኑ ዝድነቕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተቓላዕነትን ተቕባልን ብክርስቶስ

እቲ ቐዳማይ "ንተኣፋፍያን ኣሕዋትን ኣሓትን ሓንጐፋይ ኢለ ንምቕባል ተኣፋፊ ኣብ ምዃነይ ክርስቶስ ሓንጎፋይ ቢሉ ከም እተቐበለኒ ካብ ዘሎኒ ምስትውዓልን እምነት ዝነቕል እዩ፡ ከመይሲ "ከም ጨናፍር ተኽሊ ወይኒ ኣብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ሃሊና ኣብዚ ሰፊሕ ዓውዲ ምቕባል እውን ከይተረፈ ሰናይ ፍረ ከነፍሪ ኢና።” ዝበሉ ቅዱስነቶ ኣስዒቦም፥ ኢየሱስ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎቱ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገሊላ ምስ ድኻታትን ህሙማንን ብምርኻብ የሕልፎ ከም ዝነበረን፥ "እዚ ኸኣ ንዓና ተኣፋፊ ምዃን 'ከየቐይም ዝብል ፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዕ' ጕዳይ ወይ ጽቡቕ ይኹን ብዘየገድስ ተግባራት ምውዳብ ጥራይ ክኸውን ከም ዘይካኣል ኢዩ ዝነግረና።"

ኣብ ወንጌል ምልሑቕ ምዃን

ፍራንቸስኮ ነቶም ተጋባእያን “ኣብ ወንጌል ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቱ ንሕሙማትን ድኻታትን ክሓልዩ ኢየሱስ ዝሃቦም ዕማም” ከመልሕቑ ዓዲሞም፡ በዚ መንገዲ እዚ እዩ መንፈስ ቅዱስ ቅዱሳን ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝፈጥር ኣንክብሉ ኣብሪሆም፡ ንሳቶም ከም ኢየሱስ ነቶም ተቓላዕቲ ሰባት ዘፍቀሩ እያቶም፡ ድኻታት፡ ተቓላዕቲ፡ ቁጽሪ ወይ ግኡዛን ነገራት ኣይኮኑን፡ ምስ ኢየሱስ ብሓባር ኣብ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዮም እንክብሉ ነዚ ሓቂ እዚ ምስታ "ብሸውዓተ ኣጋንንቲ እተሳቐየት ደሓር ቀዳመይቲ መስካሪት እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ዝኾነት ማርያም መግደላዊት” ብምትሕሓዝ የተሓሳስቡ።

ብተልእኾ ምኻድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መደረኦም፡ ነቶም ተቓላዕቲ “ብጸጋን ቀጥዕን ክርስቶስ ዝቕበሉን ቀረባ ዝኾኑን ሰባት፡ ኣብ ኣመንቲ ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ወንጌላዊ ህላወ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ” ኣስተብሂሎም ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ወትሩ ኣዴና ቅድስቲ ድንልግ ማርያም ከተሰንዮም ኣብ ተልእኾኦም ንቕድሚት ክኸዱ ዓዲሞም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 March 2024, 16:55