ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ 'ኣጽዋርካ ምርጋፍ ስነ ምግባራዊ ግዴታ እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብዙሕ ግጭታት ንወተሃደራዊ መሳርሒታት ዀነ ንኣጽዋር ዝወጽእ ወጻኢታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 3 መጋቢት ንዅሎም ኣባላት "ዓብዪ ስድራ ሃገራት" ተባዓትን ንናይ ውግእ ኣጽዋራቶም ዘራግፉን ክዀኑ ተማሕጸኖም።
ብ5 መጋቢት እታ ኻልአይቲ ኣህጉራዊት መዓልቲ ምጕዳል ኣጽዋርን ዘይምብዛሕን ተዘኪሩ ከም ዝውዕል ዝዝከር ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ትማሊ ሰንብት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘቕረብዎ ምሕጽንታ "ብሰንኪ እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክንደይ ዚኣክል ሃብቲ እዩ ዚባኽን ዘሎ! " ክብሉ ዘለዎም ስክፍታ ኣካፈሉ።
ስነ- ምግባራዊ ግዴታ
"ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምጕዳል ኣጽዋር ልዕሊ ዅሉ ግዴታ ምዃኑ ክርድኦ ተስፋ እገብር - ምጕዳል ኣጽዋር ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ኢዩ።" እንክብሉ ውን ኣባታዊ ምሕጽንታኦም ኣቓረቡ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ እዚ ጕዳይ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጕላሕ "ነዚ ኣብ ኣእምሮና ምቕራጽ" ከም ዘድልየና ኣጕልሑ።
ወሲኾም ድማ "እዚ ስጉምቲ እዚ ካብ ኵሎም ኣባላት እቲ ዓብዪ ስድራ ሃገራት ትብዓት ዝሓትት እዩ ፣ እዚ ኸኣ ካብ ፍርሂ ናብ ሚዛናዊ ምትእምማን ክቕየር አሎእዎ " ክብሉ ምሕጽንታኦም ኣካፈሉ ።