ድለ

2024.03.28  Hermandad de Jesús Nazareno de Sonsonate, El Salvador. 2024.03.28 Hermandad de Jesús Nazareno de Sonsonate, El Salvador.   (Hermana de Jesús Nazareno de Sonsonate)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ፦ “ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ገጹ ኣርእዩና”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብታ ኣብ ሶንሶኔት ኤል ሳልቫዶር ናብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ነቶም ኣገልገልቲ ኣብቲ ምርኡይ ኣይቆና ጐይታትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ብዓል ናዝሬት ገጽ ኣምላኽ ኬስተንትኑ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም መበል 420 ዓመት ዝኽሪ እቲ ምርኡይ ኣይቆና ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ዘኽብሩ ምእመና ሶንሶኔት ኤል ሳልቫዶር መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ኣብቲ ናብ ጳጳሳ ናይታ ሰበካ ብፁዕ ኣቡነ ኮንስታንቲኖ ባሬራን ከምኡውን ናብ ኵሎም መኽበርቲ ናይቲ ኣይቆና እተላእከት መልእኽቲ "ተሳታፊ ናይዚ ዝኽሪ ስለ ዝገበርኩምንን" ከምኡውን "ኣብዚ ክቡር መዓልቲ እዚ ኣብ በዓልኩም ክካፈል ስለ ዝፈቐድኩምለይን" እንክብሉ ኣመስገንዎም ።

እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኤልሳልቫዶር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሉዊጂ ሮበርቶ ኮና ነቲ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተላእከ መልእኽቲ ኣብቲ ኣብ ሶንሶኔት ዚርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ስላሴ ኣንበቡሎም፣ ኣብኡ ድማ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ምእመናን ነቲ ትውፊታዊ ዓጀባ ናይቲ ምስሊ መንፈሳዊ ዑደት ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ንምክያድ ተኣኪቦም ነበሩ።

ዑደት ምስሊ ኢየሱስ ኣብ ኤልሳልቫዶር
ዑደት ምስሊ ኢየሱስ ኣብ ኤልሳልቫዶር

ኣገዳስነት እቲ ምስሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሎሚ እውን እንተ ዀነ ልክዕ ከምቶም ቅድሚ 400 ዓመት ዝነበሩ ኣቦሓጎታትና ኣይቆና ኢየሱስ ናዝራዊ ኪርአ ንጽበ ኣለና" ክብሉ ጸሓፉሎም።
"ግናኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ እንደሊ? ጽቡቕ ሓወልቲ ድዩ? ወይስ ክቡር ስነ-ጥበባዊ ዕዮ? ድሙቅ ሃዋህውን ምንቅስቃሳት ናይ ሰባት ኢና ክንርኢ ንደሊ?" ክብሉ ድማ ይሓትዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ እንክብልሱ እዚ ኣይኮነን ዘድልየና ዘሎ ክብሉ ይገልጹ ። ኣብ ክንዳኡስ "ኣብ ኣፍ ደገ ኣባይትና ደው እንተ በልና ኢየሱስ ኪመጽእ እንከሎ ንኽንሪኦ ኢና" ድማ በሉ ።

ገጽ ንገጽ ምስ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኢየሱስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከም ሙሴ "ከምቲ ሰብ ንፈታዊኡ ዚዛረቦ ገጽ ንገጽ ምስኡ ተዘራረቡ" ክብሉ ድማ መዓድዎም ።

ይኹን እምበር ሙሴ ዓብዪ እምነትን ምስ ጐይታ ጥቡቕ ርክብን እኳ እንተ ነበሮ እቲ ነብዪ ቅድሚ ግዜ ኢየሱስ ይነብር ስለ ዝነበረ "ገጹ ኺርኢ ዕድል ኣይረከበን ። "

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብዛዕባ ገጽ ኣምላኽ ከነስተንትንን ኣእጋሩ ኣብ ጥቓና ኪኸይድ ከሎ ኺስምዓናን ይኽእል እዩ። እቲ በዓል ናዝሬት ጐረቤትና ምእንቲ ክኸውን ናባና ገጹ ይስጉም፣ ብጐደናና ውን ይሓልፍ ኣብ ኣፍ ደገ ኣባይትና ውን ደው ንምባልን  ኢዩ ኣምላኽ እዚ መብጽዓ እዚ ዝኣተወልና"

ደድሕሪ ኢየሱስ ምስዓብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ናብቲ ዝቀራረብ ዘሎ በዓለ ትንሳኤ ኣዕሚቖም ክኣትዉ ብምዕዳም

ከምዚ በሉ - "ልብና ነቲ ናይ ምፍላጡ ምቕራቡ ሃንቀውታ ከይተረድአ ጥራይ ሓደ ምርኢት ከም ዝርኢ ዘሎ ልክዕ ከም ጴጥሮስ ነቲ ነዓ ሰዓበኒ ዝብል መጸዋዕታ ከይሰማዕና፣ ነቲ ኽንስዕቦ ዘቕረቦ ዕድመ ከይተቐበልና፣ ብዘይ ዝኾነ ንቕሓት ምርኢት ምርኣይ ጥራይ ኮይኑ እንተ ተተሪፉ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን ምዀነ! ምስ መስቀል ኢየሱስ ጠቢቕና ብምምልላስ ክንስዕቦ ከም እንኽእል እንተ ዘይተረድኣና ዕረፍቲ  ምእንቲ ኽንረክብውን ነዚ ኣርዑት እዚ ዝጾሮ ንሱ ምዃኑ እንተ ዘይተረድኣናስ ኣየ ኽሳዕ ዘሕዝን እዩ።" እንክብሉ መለኽቶም ዛዘሙ

ሊቀ ጳጳሳት ሉጂ ሮበርቶ ኮና ኣብ ኤልሳልቫዶር
ሊቀ ጳጳሳት ሉጂ ሮበርቶ ኮና ኣብ ኤልሳልቫዶር
29 March 2024, 17:49