ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ "ምስ ኣምላኽ መከራ መወዳእታ ቃል ኣይኮነን" ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ውግዓዊ ዝኾነ ናይ ዓርቢ ስቕለት ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ዕለት 29 መጋቢት ቢቢ ዓመቱ ከም ዝግበር ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ኣብ ዝተኻየደ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ከም እተነበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ምስ ኢየሱስ ዝግበር ዝርርብ ገጽ ንገጽ ዝቐርብ ኮይኑ ብሕቶታት፡ ርእስኻ ንኽትምርምርን ንንስሓን ዝዕድም እዩ።

መከራ ኢየሱስ ኣብ መንገዲ ጎልጎታ፡ ፍቕራዊ ኣጠማምታ ማርያም፡ እተን ሓገዘን ዘቕርባ ኣንስቲ፡ ቄረናዊ ስምኦን  ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያን: ኩሎም እዚኣቶም ንሕልና መርመራ ዘለዓዕሉን ሕቶታት ድማ የቕርቡ።

ስቕታ ኢየሱስ

ጉዕዞ ኢየሱስ ኣብ ፍኖተ መስቀል፡ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፡ ብዛዕባ ጸሎትን ርህራሄን ይቕሬታን ዓሚቝ ትምህርቲ የቕርብ።

ኣብታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ፡ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ዘይፍትሓዊ ውግዘት ስቕታ ጸሎትን ለውሃትን ይቕሬታን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ነቲ ከም ህያብ ዝቐርብ መከራ ዝቕይር ሓይሊ ዘርኢ እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብጫውጫውን ጽዑቕ ስራሕን ዝተጸምደ ዘመናዊ ሰብኣውነት ባዕዳዊ ዝኾነ ስቕታ፡ ንልብታት ብጸሎት ምስማዕ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሕ።

ክብደት መስቀል (ካልኣይ ምዕራፍ) ኢየሱስ መስቀል ከም ዝኸበዶ፥ እዚ ልሙድ ተመኩሮታት ቃንዛ፡ ተስፋ ምቑራጽን ውድቀትን ኣብ ኣእምሮኻ የመጽእ። ዋላ እኳ ጾር እንተሃለወና ኢየሱስ ኣብኡ ምጽንናዕ ክንረክብ ይዕድመና፣ ፍቕሪ ንቕድሚት ከም ዝድርኸና፣ ዋላ ድሕሪ ምውዳቕና ክንትንስእ ከም ዘኽእለና የረድኣና።

ማርያም፡ ህያብ ንደቂ ሰባት

ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስ (ራብዓይ ምዕራፍ) ዝተገብረ ርክብ ንደቂ ሰባት ዝተዓደለት ህያብ ምዃና እዩ ዘርኢ። ጸጋን ምዝካር ተኣምራት ኣምላኽን ምስጋናን እተንጸባርቕ ኮይና፡ ንኽንጸናናዕን መገድና ኣንፈት ክሕዝን ናብኣ ክንምለስ ትላበወና። ስምኦን ብዓል ቀራንዮ ናይ ኢየሱስ መስቀል ዝተሰከመ (ሓሙሻይ ምዕራፍ) ዘቕርቦ ሓገዝ፡ ኣብ መንጎ ብድሆታት ህይወት ሓገዝ ምድላይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣስተንቲኖም፡ ኣገዳስነት ትሕትናን ኣብ ካልኦት ምጽጋዕን ዘጉልሕ ምዃኑ የብርሁ።

ትብዓት ርህራሄ

ኣብ ማእከል ውግዘትን ላግጽን ናይቲ ህዝቢ (ሻድሻይ ምዕራፍ)፡ እታ ንገጽ ኢየሱስ ዝደረዘት ቨሮኒካ ርህራሄ ዝመልኦ ተግባር፡ ንፍቕሪ ብግብሪ ዘርኢ እዩ። ዋላ እኳ ክብደት ውርደትን ስዕረትን እንተሃለወ፡ ኢየሱስ ድሕሪ ምውዳቑ ኣብ ምትንሳእ ዘለዎ ጽንዓት (ሻብዓይ ጣብያ) ምስ ናይ ሕይወት ጸቕጥታት ናይ ገዛእ ርእስና ቃልስን ብይቕሬታ ኣምላኽ ናይ ምብጃው ዓቕምናን ዘንጸባርቕ እዩ።

ዕብየት ደቂ ኣንስትዮ

ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኢየሩሳሌም (ሻሙናይ ምዕራፍ) ዝግበር ርክብ፡ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃል ዕብየት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓሚቝ ርህራሄን ሓልዮትን ዘርእያ ኣፍልጦ ንኽወሃቦ ይድርኽ። ንኢየሱስ ክዳውንቱ ተገፊፉ ከም እተቐንጠንጠ ምሕሳብ (ታሽዓይ ምዕራፍ) መለኮታውነት ኣብ መከራ ክንርኢ ይዕድመና፣ ምስሉይነትን ጥምዓውነትን ክንቅንጥጥ ተቓላዕነት ክንሓቁፍን ይላበወና።

እቲ ዝጸልመተ ሰዓት

ኣብቲ ዝጸልመተ ሰዓት ምሕዳግ (መበል ዓሰርተ ሓደ ምዕራፍ) ኣውያት ኢየሱስ ኣብ ማእከል ህቦብላታት ህይወት ንኣምላኽ ጭንቀት ምግላጽ ዋጋ ከምዘለዎ ይምህር። ዝደሓነ ፈያቲ (መበል ዓሰርተው ክልተ ምዕራፍ) መስቀል ናብ ምልክት ፍቕሪ ይቕይሮ፣ ኣብ ሞት እውን እንተኾነ ተስፋ የቕርብ። ማርያም ንዝሞተ ወዳ ኢየሱስ ትሓቁፍ (መበል ዓሰርተ ሰለስተ ምዕራፍ) ኣብቲ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ፍቕሪ ምቕባልን እምነትን ዘመልክት እዩ።

ኣብ መወዳእታ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያ ንኢየሱስ ብኽብሪ ከም ዝቐበሮ (መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ምዕራፍ) ንሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ፍቕሪ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንኣምላኽ ዝቐርብ ተግባር ብዙሕ ዓስቢ ከም ዝረክብ ዘመልክት እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዕለት 29 መጋቢት ምሸት ብህየንተ ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ኣንጀሎ ደዶናቲስ ተመሪሑ ኣብ ሮማ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ቅዱስነቶም ኣብ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኮይኖም ከም ዝሓበሩን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 25 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን እውን ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዕለት 29 መጋቢት 224 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ሮማ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል
30 March 2024, 17:09