ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎተ ሓሙስ፦ 'ጐይታ ይቕረ ካብ ምባል ፈጺሙ ኣይደኽሞን እዩ'

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትይ ረቢብያ ንዝኽሪ መወዳእታ ድራር ጐይታና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ሥርዓተ ሕጽበተ እግርን፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጐይታ ይቕረታ ኻብ ምሕታትን ከምኡ ውን ከብቲ ንሱ ዘርኣየና ኣገልግሎት ካብ ምምሃርን ፈጺምና ክንደክም ከም ዘይብልና ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዓመት መጸ ዘካይድዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ ድራር ጐይታ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርትታት ናይ ምዕራግ ልማዶም ብምቕጻል ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ በዓለ ጸሎተ ሓሙና ናብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ረቢብያ በጺሖም ።

ኣባኡ ድማ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ቤተ ማእሰርቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ምስ  ብዙሓት እሱራትን ኣኽበርቲ ጸጥታን ካህናትን ከምኡ ውን ምስ ኣመሓደርቲ ሰበ - ስልጣንን ተራኾቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣሕጽር ኣቢሎም ብዘይ ዝኾነ ኣቐዲሙ ዝተቐረበ ጽሑፍ ከይሓዙ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ክልተ ፍጻሜታት ሕማማት ጐታናን ኣብ መወዳእት ድራር እተፈጸመን ኣተዂሮም ኣስተንተኑ።

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ናብ ቤትማእሰርቲ ረቢያ
ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ናብ ቤትማእሰርቲ ረቢያ

መገዲ ኣገልግሎት

ኣብ እዋን ድራር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ንምሕጻብ ርእሱ ኣትሓት ኣበለ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ከምዚ ብምግባሩ "'ከገልግል ደኣ እምበር ክግልገል ኣይኰንኩን ዝመጻእኩ' ንዝበሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ከረድኣና እዩ ዝነበረ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እዚ ትሕትና ዝመልኦ ተግባር እዚ "መገዲ ኣገልግሎት ይምህረና" ድማ ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

ጐይታና ኢየሱስ ወትሩ ይቕረ ይብለልና

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብስስዐን ርእሰ ፍትወትን ተደሪኹ ብዛዕባ ይሁዳ ዝገበሮ ጥልመት ተዛረቡ ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ታሪኽ ይሁዳ ከም ዘረድኣና ጐይታ ወትሩ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸም ዚብለልናን "ይቕሬታ ክንሓቶ ጥራይ እዩ ድማ ዚልምነና" በሉ።

እወ "ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ይቕረ ንምባልና ከቶ ኣይደክምን እዩ፣ ንሕና ኢና ይቕረታ ንምሕታቱ እንደክም " ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ ።

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ
ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ

"ኵላትና ንኣሽቱ ወይ ዓበይቲ ጌጋታት ኣለዉና - ኵሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኣለዎ ። ጐይታ ግና ኵሉ ሳዕ እዩ ዚጽበየና፣ ወትሩ ኣእዳዉ ምስ ዘርግሐ እዩ፣ ይቕረ ንምባልና ድማ ፈጺሙ ኣይደክምን እዩ።"

ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ነቶም ምእመናን ይቕረታኡ ንምሕታት ከይደኽሙን ከምኡውን ኣብቲ ንኸነገልግል እተዋህበና ጸዋዕታ ኣገልግሎት ንኽንዓቢ ንጐይታ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ ክብሉ ኣተባብዕዎም።

ኣእጋር ዓሰርተው ክልተ እሱራት ምሕጻብ

ድሕሪ ስብከት ቃል ኣምላኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣእጋር ናይ እተን እተፈላለየ ዜግነት ዘለወን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዋ ዓሰርተ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሓጺቦም ።

ድሕሪ መሥስዋዕተ ቅዳሴ ምስቶም እሱራትን ሰራሕተኛታትን እቲ ቤት ማእሰርትን ተራኺቦም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝዳሎ ፍርያት ሕርሻ ከም ገጸ በረኸት ኣቕረቡሎም፣ ከምኡ ዝተፈላልለዩ ፍርያት ኢደጥበብ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኾኑ ህያባት ውን ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዳይረክተርን ኣባል ቤት ማእሰርቲ ረቢብያን ሓደ ኣቐዲሞም ከም ህያብ ዝተቐበልዎ ስእለ እግዚእትነ ማርያም ከም ህያብ ኣወፈዩሉ ።

ናይ መጀምርያ ምብጻሕ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብ2015 ናብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2013 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዝዀኑ ኣትሒዞም ኣብ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ናብ ቤት ማእሰርትታትን፡ መዓስከራት ኽንክንን ወይ ናብ ማእከል ስደተይናታትን ብምኻድ መሥዋዕተ መስዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግ ከም ልማድ ሒዞሞ ይርከቡ፣ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ጳጳሳት ግን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ወይ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ተረኺቦም ኣእጋር ካህናት ኢዮም ዝሓጽቡ ዝነበሩ ።

ሎም ዓመት ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ረቢብያ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝገበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ ንካልኣይ ግዜ ምኳኑ ውን ዝፍለጥ ኢዩ ። ንመጀመርታ ግዜ ብ2015 ምስ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እሱራት ተራኺቦም ኣእጋር 12 እሱራትን ከም ዝሓጸቡ ውን ዝዝከር ኢዩ ።

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ
29 March 2024, 17:43