ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ለይቲ በዓለ ትንሳኤ 'ምስ ኢየሱስ፣ ንሓጐስ ናይ ሕይወት መቓብር ክዓብጦ ኣይክእል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅዱስ ለይቲ በዓል ትንሳኤ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ናብቲ ኣምላኽ ናይ ህይወት ዝዀነ ኢየሱስ "ቍሊሕ ኢልና" ኽንጥምት ይዕድሙና፣ ንዕኡ እንተ ተቐቢልናዮ ተስፋ ከቑርጸና ዝኽእል ውድቀት ከም ዘየለ ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ቀዳም ለይቲ ኣብቲ ቕዱስ ለይቲ ናይ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ባዚካ ቅዱስ  ጴጥሮስ ንዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎት ዋዜማን መሪሖም ። እቲ ሥርዓተ ጸሎት ኣብ ኣፍ ደገ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቡራኬ ናይ ሓዊ ኢዩ ተጀሚሩ፣ ስዒቡ ድማ “ክርቶስ ብርሃና!’ ዝብል መዝሙር እና ተዘመረ ሽምዓ ናይ ምብራህ ሥርዓት ምስ ተፈጸመ መብራትታት ናይቲ ባዚሊካ ብድምቀት ተወሊዖም። ኣብቲ በዓል እቲ ከአ ካብ ኢጣልያ (4)፣ ካብ ደቡብ ኮርያ (2)፡ ካብ ጃፓን (1)፡  ካብ ኣልባንያ (1) ዝመጹ ንኡሰ ክርስቲያን ተጠሚቖምን ስርዓተ ምስጢረ ሜሮን ውን ተቐቢሎም።

"ነቲ እምኒ ካብ ኣፍ መቓብር መን ክግልብጠልና እዩ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እተን ኣብቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ኢየሱስ ዝበጽሓ ኣንስቲ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ኣስተንቲኖም፣ ኣብ ኣስተንትኖኦም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክልተ ኣብቲ ፍጻሜ ዘጋተሙ ወሰንቲ ህሞታት ኣተኵሮ ብምግባር ኣስተምህሩ።

ኣብ ፈለማ እተን ሓዚነን ዝነበራ ኣንስቲ "ነቲ እምኒ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ክግልብጠልና እዩ?" ብዝል ሕቶ ይሻቐላ ነበራ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "እቲ እምኒ እቲ ዓብዪ ዕንቅፋት ዝኾነን እዩ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ ነቲ እተን ኣንስቲ ኣብ ልበን ዝስምዓን ዝነበረ ስምዒት ኢዩ ዘምልክተልና ።  እዚ ድማ ተስፋኦም ከም ዘብቅዐ ዘመልክት ውን ኢዩ ነይሩ ። ሕጂ እምበር በቲ ንሕልምታቶም ዘበርዓነ ጸልማትን ዘሕዝንን ምስጢር ተዳሂሎም ይርከቡ ።"

ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ኣእማን መቓብር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ገለ ገለ እዋናት ኣብ ህይወትና ብጓህን ተስፋ ቍርጸትን ተዋሒጥና ኸምዚ ዝበለ ስምዒት ይስምዓና ኢዩ - "እዚ ዓይነት ኣእማን መቓብር እዚ ብሞት እነፍቅሮም ሰባትን፣ ነቲ ኽንገብሮ እንደሊ ሰናይ ካብ ምፍጻም ዝዓግተና ፍሽለትን ፍርህንን ውን ባዶነት ኮይኑ የጋጥመና ኢዩ።"  ኣብቲ ጭካነ ዝመልኦ ጽልእን ጭካነ ናይ ውግእን ዝዓነወ ሰላም ንምርካብ ኣብ ዘሎና ባህግን፣ ከምኡ ውን ዝያዳ ጽኑዓትን ሰብኣውያንን ከተማታትን ሕብረተሰባትን ንኽንሃንጽ ዕንቅፋት ዚዀነና ስስዐን ዘይምግዳስን ከም ዕንቅፋት ኮይኑ ኢዩ ዝገጥመና።"

ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወት

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም ከም ዝገለጽዎ እተን ነዚ ጸልማት እዚ ኣብ ልበን ዝጾራ ኣንስቲ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር እየን ዝነግራና፣ እዚ ኸኣ ኣዒንተን ኣልዒለን ምስ ጠመታ እቲ ኸቢድ እምኒ ድሮ ተገልቢጡ ስለ ዝረኣያ ሓይሊ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ ርኣየን፣ እዚ ኸኣ "ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ከም ዝዕወት፣ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት ከም ዝዕወት ዝገልጽን፣ ተስፋ ኣብ ዑናታት ውድቀት ከም ዘሎና" ዘገንዝበናን እዩ።

ናብቲ ፋሲካና ዝዀነ ኢየሱስ ንጠምት

በዚ ኸምዚ እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣባኡ ንእተረኽቡ ምእመናን ናብ ኢየሱስ "ጠምቱ" ብምባል ጻውዒት ኣቕረበሎም - "ኢየሱስ ብኢዱ ኺወስደና እንተ ፈቒድናሉ፣ ዋላ እውን ዜሳቒ ይኹን ብዘየገድስ ፍሽለት ወይ ጓሂ ብዛዕባ ትርጕምን ጽሕፍቶን ህይወትና ብዘየገስ ናይ መወዳእታ ቓል ኣይኪህሉን እዩ።

"በቲ ዝተንስአ ጐይታ ኽንትንስእ እንተ ፈቒድና ዕንቅፋት ኰነ መከራ ኣይኪህሉን እዩ፣ ናብ ምልኣት ህይወት እንገብሮ ዕቤት ኪዓግተና ዚኽእል ሞት የልቦን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ምእመናን ነቲ "ኣምላኽ ህይወት " ዝዀነ ኢየሱስ ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባልን "ሕራይ" ብምባልን እንተ ደኣ ቀሪብናዮ፣ "እምኒ  መቓብር ንልብና መገዲ ኣይኪዓግቶን መቓብር ውን ንሓጐስ ናይ ህይወት ኣይኪዓብጦን እዩ፣ ተስፋ ቍርጸት እውን ኣይኬጥፍኣናን እዩ" ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

"ኣዒንትና ናብኡ ናብቲ ዝተንስአ ጐይታ ኣቢልና ነልዕል፣ ንሱ ኣብቲ ዝፈሸለ ተስፋናን ሞትናን እቲ ክህበና ዝመጸ ዘለኣለማዊ ህይወት ሕጂውን ኣብ ማእከልና ኸም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንቕድሚት ንገስግስ" እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ለይቲ በዓለ ትንሣኤ
31 March 2024, 16:35