ር.ሊ.ጳ.፥ ጐይታ ንመራሕቲ ንሰላም ደው ክብሉን ክሽምግሉን ዓቕሚ ይሃቦም ር.ሊ.ጳ.፥ ጐይታ ንመራሕቲ ንሰላም ደው ክብሉን ክሽምግሉን ዓቕሚ ይሃቦም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ጐይታ ንመራሕቲ ንሰላም ደው ክብሉን ክሽምግሉን ዓቕሚ ይሃቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ነቲ ኣብ ዩክሬን፣ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዘተ ክፍታሕ ዝብል ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት የሐድሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ዘስምዕዎ መደረ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ደው ኢሎም ኩናት ብዝተ ክፍታሕ ክሽምግሉ፣ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ክመርጹን እዚ መገዲ ዘተ ኣብ ምዕዋት ጻዕሪ ክገብሩ ጸዊዖም፡ ምእመናን ምንቲ ሰላም ካብ ምጽላይ ከይቦኽሩ ዓዲሞም፥ “ፍትሓዊ፡ ነባሪ ሰላም፡ ብፍላይ ነታ ትሳቐያ ዘላ ዩክሬንን ንፍልስጤምን ንእስራኤልን” እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ደው ንምባል ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ዘይሕለል ጻውዒት ደጊሞም፡ ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምዝታይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝተዋፈሩ ሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ኢየሱስ ልቦም ከብርሃሎም ድማ፥

"መንፈስ ናይቲ ዝተንሲአ ጎይታ ንኹሎም ነቲ ወጥሪ ንምእላይ ዝሰርሑ ብርሃኑ ይጸግዎም ደው ቢሎም ከስተንትኑን ዘተ ከነቓቕሑን የኽእሎም . . . እግዚኣብሄር ንመራሕትን ፖለቲካዊ መራሕትን ደው ኢሎም ከስተውዕሉን፣ ክዝትዩን ድማ ክእለት ይሃቦም”

እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኩሉ ዝከኣል ኣጋጣሚ ሰላምን ምግታእ ኩናትን ሁከትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ውጥረትን ግጭትን ጅሆ ዝኾኑ ሚልዮናት ንጹሃት ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ክንጽልየሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ብፍላይ ድማ ዳርጋ መዓልታዊ ሰባት ክጽልዩ ብምዕዳም፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ካብ ዘበገሰትሉ ካብቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ሓማስ 1300 ንሞት ዝዳረገን ካልኦት 250 ድማ ጅሆ ዝሓዘሉ  ዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቓዕትን ስዒቡ ዝተበገሰ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ልዕሊ 33 ሺሕ ፍልስጥኤማውያን በቲ እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ከም ዝተቐትሉን ክዝከር እንከሎ እዚ ኵሉ ውጥረት እዚ መዕለቢ ክረክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ምንቲ ሰላም ከይተሓለና ንጸሊ መገዲ ሰላም ድማ ነለልይ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 April 2024, 16:57