ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎት ንግስተ ሰማይ፡ ትንሳኤ ጎይታ ዘይተኣደነ ሓጎስ የምጽእ፡ ንህይወትና ይቕይሮ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ዕለት 1 ሚያዝያ ሰኑይ ዘመልኣክ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝትረኽብሉ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ምስ ትንሳኤ ክርስቶስ ሕይወትና ንዘልኣለምን ምሉእ ብምሉእን ከምዝተቐየረን፣ ንሕና ድማ ሕጉሳት መሰኻኽሩ ክንከውን ንጽዋዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ትንሳኤ ኢየሱስ ዘደንቅ ሓበሬታ ወይ ሓጎስ ዝመልኦ ናይ ሓደ ዛንታ ፍጻሜ ጥራይ ዘይኮነስ ንህይወትና ምሉእ ብምሉእን ንዘልኣለምን ዝቕይር ሓቂ እዩ . . ." ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም ካብቲ ኣብ ባዶ መቓብር ምስ ህያው ኢየሱስ ዝተራኸባ ደቂ ኣንስትዮ ዝገልጽ ካብ ቅዱስ ማቴዎስ ዝተወስደ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተሞርኩይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ክኽውን እንከሎ፥ እቲ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ ዝገበረኦ ህያው ርክብ ዝተወልደ ሓጎስ ብርቱዕ ስምዒት ነቲ ቓል ክስፍሓን ነቲ ዝረኣየዎ ድማ ክበስራን ዝድርኸን ምዃኑ የመላኽቱ።

ሓጎስ ምክፋል

ሓጐስ ምክፋል ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና እንመሃሮ ዘደንቕ ተመክሮ ምዃኑ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፥

"ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ነጥቢ ዘምጸአ እሞ ንወለዱ ብሓጎስ ዝነግር መንእሰይ ወይ ኣብ ስፖርት ናይ መጀመርታ ኣሳልጦ ዝረኸበ ወይ ቈልዓ እተወልደላ ስድራቤት እሞ ንሕሰብ" ቢሎም ምእመናን ነቲ ኣዝዩ ዘሐጕስ ህሞት ንኹሉ ክንነግሮ እንደልዮ ዝነበረ ክዝክሩ ኣተሓሳሲቦም፥ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ንግሆ ፋሲካ ዘጋጠመን ሓጎስ፡ ኣዝዩ ዝዓበየን ሓያልን ተመክሮ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ትንሳኤ "ዘደንቕ ዜና ወይ ዘሐጎስ ናይ መወዳእታ ዛንታ" ጥራይ ዘይኮነስ "ንህይወትና ምሉእ ብምሉእን ንዘልኣለምን ዝቕይር ነገር" ስለ ዝኾነ እዩ።

“ትንሳኤ ንህይወትና ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ይቕይሮ!”

ምስ በሉ፡ ብዛዕባ ህላወ ጐይታ ንዝዀነ ይኹን ነገር ብብርሃን ናይ ምኹላዕ ዘለዎ ሓይሊ ክገልጹ እንከለዉ "ትንሳኤ ዓወት ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት እዩ" ከምኡ'ውን ናይ "ዓወት ተስፋ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ምቑራጽ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሕና እውን ምስቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ክንራኸብ ንኽእል ኢና

"ምስኡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ዘለኣለማዊ ጕዕዞ ሓደ ስጕምቲ ይኸውን ነፍሲ ወከፍ 'ሎሚ' 'ጽባሕ' ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ሓድሽ ጅማሮ ነፍሲ ወከፍ ቅጽበታዊ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክንዮ ደረት ናብ ዘለኣለማውነት የብል” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ሓጐስ ትንሳኤ ርሑቕ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ስለ እተጸገወና ቀረባን ናትናን እዩ። "ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንሕናውን ከምተን ኣንስቲ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ህያው ጎይታ ክንራኸብ ንኽእል ኢና፡ ንሱውን ከምቲ ንዓኣተን ዝበለን ኣይትፍርሁ ይብለና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ፋሲካ ሓጎስ ፈጺምና ኣይንዘንግዕ

"እቲ ንሓጢኣትን ንፍርህን ንሞትን ዝሰዓረ ኢየሱስ ኣይትፍርሁ ስለ ዝበለና፡ ኣብ ተስፋ ዜቝርጽ ህይወት ኣይንደቅስ ሓጐስ በዓል ትንሳኤ ኣይንዘንግዕ!

ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ከምቲ እተን ኣስንቲ ዝገበርኦ "ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ምንጪ ሓጐስ ብምርኻብ" ነቲ ኣብ ትንሳኤ ኢየሱስ ዘሎና ሓጐስ 'ከነጐሃህሮ' ይግባእ፥ ቢሎም፥ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ብቕዱስ ቍርባንን ኣብ ምሕረቱን ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ንድለዮ" እንክብሉ ተማሕጺኖም፥

"ከምቲ እተን ኣንስቲ ኸም ብሓድሽ ዜርኣያና ሓጐስ ኢየሱስ ኣብ ምምስካሩን ኣብ ምክፋሉን እዩ ዝዓቢ፥

ምስ በሉ "እታ ኣብ በዓል ትንሳኤ በቲ ዝተንስአ ወዳ እተሓጐሰት ድንግል ማርያም ሕጉሳት መሰኻኽር ክንከውን ትሓግዘና" እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 April 2024, 14:54