ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ በዓለ ትንሳኤ ውህበት ሰላም ናብታ ብውግእ ዝቘሰለት ዓለም ኪመጽእ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ በዓለ ትንሳኤ ውህበት ሰላም ናብታ ብውግእ ዝቘሰለት ዓለም ኪመጽእ ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ በዓለ ትንሳኤ ውህበት ሰላም ናብታ ብውግእ ዝቘሰለት ዓለም ኪመጽእ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ዕለት 1 ሚያዝያ ሰኑይ ዘመልኣክ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያንነጋዶ ጸሎተ ግንስተ ሰማይ ብሓባር መሪሖም ምስ ደገሙ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ብኲናትን ዓመጽን እትሳቐ ዓለም ክትልወጥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንሰላመ ክርስቶስ ክጽልዩ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ በዓለ ፋሲካ፡ ዕለት 1 ሚያዝያ ሰኑይ ዘመልኣክ ኣብ ዘኽበረትሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ቀጻሊ ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ይሕድሱ፥

ውህበት ናይ ጎይታ ሰላም “ኣብቲ ኣዝዩ ዘድልየሉ ቦታታት፡ ብፍላይ ከኣ ብውግእን ብጥሜትን ብዅሉ ዓይነት ዓመጽን ዝደኸሙ ህዝብታት ክበጽሕ” ቅዱስነቶም ጸልዮም፥ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ናይ ርሑስ በዓለ ፋሲካ መግለጺ መልኽቲ ንዘመሓላለፉሎም ኩሎም ድማ ኣመስጊኖም፥ "ንኹሉ ናይ በዓለ ፋሲካ ሰላምታ ደጊሞም ብምቕራብ፡ “ንኹሎም እቶም ናይ ቅርበትን ጸሎትን መልእኽቲ ንዘመሓላለፉለይ ድማ ካብ ልቢ አመስግን" ምስ በሉ “ናይቲ ዝተንስአ ጎይታ ህያብ ሰላም ንኹሎም ኣህዛብን ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ይብጻሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፋሲካ ንሰላም ይጽውዕ

ዕለት 31 መጋቢት ሰንበት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንኸተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ኣዋጅ ምሉእ ስርየተ ሓጢት ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ንዓለምና ዘሳቕይ ዘሎ ብዙሕ ግርጭታት ብሰፉሕ ከም ዘስተንተኑን መጀመርያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሞትን ዕንወትን ዘስዓበ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዘኪሮም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክበጽሕን ሓማስ ነቶም ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጅሆ ዝሓዞም ልዕሊ 100 ዝኾኑ እስራኤላውያን ናጻ ክለቆምን ከም ዝጸለዩን፡ ኣስዒቦም እውን ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ራዕዲ ኲናት ሩስያ ብምዝካር ሓፈሻዊ ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ከምኡ እውን በቲ ኣብ ዓለም ብዝካየድ ዘሎ ዝተፈላለየ ኩናት ፍሽኽታኦም ዝተመንዝዑ ሕጻናት እውን ብምዝካር፥

 ‘ስለምንታይ? ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ሞት? ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ዕንወት?’ ቢሎም፥ “ኲናት ኩሉ ግዜ ዕሽነት እዩ። ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ!” እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

02 April 2024, 15:00