2024.04.05 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ክርስትያን ነቲ ኣብ ሰብኣውነት ዘሎ ቁስሊ ክርስቶስ ክከናኸኑ የተባብዑ 2024.04.05 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ክርስትያን ነቲ ኣብ ሰብኣውነት ዘሎ ቁስሊ ክርስቶስ ክከናኸኑ የተባብዑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ክርስትያን ነቲ ኣብ ሰብኣውነት ዘሎ ቁስሊ ክርስቶስ ክከናኸኑ የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ መበል 800 ዓመት ቅንዋት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብምዝካር፣ ንእኡሳን ኣሃው ፍራንቸስካውያን ንኹሎም ብስጋን ብመንፈስን ዝሳቐዩ ንዘለዉ ይቕሬታን ምሕረትን እግዚኣብሔር ከቕርቡ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ይቕረ ዝበሃሉ ተሸከምቲ ይቕሬታ፡ ዝሓወዩ ተሸከምቲ ፈውሲ፡ ብሕውነት ገርሀይናታትን ኩኑ፡ ኩልኹም በቲ ካብ ጎድኒ ክርስቶስ ዝውሕዝን ምስኡ ኣብ ውልቃዊ ርክብኩም እትዕብዩ ሓይሊ ፍቕሪ ኩኑ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነዚ ምትብባዕ እዚ ዕለት 5 ሚያዝያ ንፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ቫቲካን ምስቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዞባ ቶስካናን ንኡስ ዞባ ላ ቨርናን ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው ተራኺቦም፥ እቶም ኣሃው ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ትሩፋት ሒዞም ብምርኻቦም እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘመስገንዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣብዛ ጸልማት ዝዓብለላ ዓለም ምቕራብ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ክርስትያን ምስ ምስሊ "ድኻን እተሰቕለን ክርስቶስ" ተሰማሚዖምን ብምምሳልን ክመላለሱ ተማሕጺኖም። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ዝተቐበሎ ቅንዋት ምልክት ናይቲ ክርስቶስ ንድሕነትና ዘሕለፎ ስቓይን ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወትን ምዃኑ ገሊጾም፥ "ምሕረት እቲ መስቀልን ትንሳኤን ክርስቶስ ልክዕ ብኣቝሳሉ ኣቢሉ እዩ ናባና ዚውሕዝ" ቢሎም፥ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንዅሎም እቶም "ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ወይ ሕሉፍ ጌጋታትን" ዝጾሩ፡ "ናይ እዋንና ቅኑዋት" ሰባት ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፥ "ብሕብረት ምስ ፍቕሪ ቤተ-ክርስትያን ነፍሲ ወከፍና መንነትና እንደገና ንረክብ - ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ጸጋ ንምምስካርን ኢደ ጥበበይና ማሕበረሰብ ንምዃንን እተላኣኽና እተባረኽና ከምኡ እውን እተዓረቑ ውላድ ኢና፥ ምስ በሉ . . ኣስዕብ ኣቢሎም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ መገድና ነቲ ዜጨንቕ ጸገማትን ፍርህን ንኽንሰግሮ ዝሕግዘና ኣብ ጉዕዞ ዘሰንየና እዩ፡ እቲ ዝነበሮ ትብዓት ንጐይታን ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ክፉት ከም ዝኸውንን ወትሩ ኣብ ፍቕሪ ኣቦ ከም ዝውከልን ገይርዎ ኢዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ይቕረታ ኣምላኽ ምቕራብ

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ፍራንቸስካውያን ዘሎ ምስሊ ቅንዉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣስተብሂሎም፥ ፍራንቸስካውያን ኣብ መንጎኦም ክጥርነፉን ኩሉ ግዜ ይቕረ ክብሉን ከም ኣካል ናይቲ ንቤተ ክርስቲያን ናይ ምጽጋን ተልእኾ ዝተቐብሉ ምዃኖም ዝነግር ከም ዝኾነ ድማ ኣብሪሆም፥

“ንፉዓት ኣበ ኑዛዜ ኢኹም” . . . “ፍራንቸስካውያን በዚ ኣገልግሎት እዚ ፍሉጣት እዮም፡ ንኹሉ ይቕረ በሉ፡ ኩሉ ግዜ ይቕረ በሉ። እግዚኣብሔር ይቕረ ኣብ ምባል ፈጺሙ ኣይደክምን እዩ: ንሕና ኢና ይቕሬታ ኣብ ምሕታት እንደክም።” ምስ በሉ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳጳናኦም መጸውዕ ስም ናይ ዝገበርዎ ፍራንቸስኮ ቅንዋት “ኣገዳሲ ማሕተም” ዝውክል ምዃኑን፡ እዚ ድማ ማእከልነት ክርስቶስ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘመልክት ከም ዝኾነ ኣብሪሆም ብተወሳኺ ንኡሳን ፍራንቸስካውያን ኣሃው “ቁሩብ ካብቲ ንኢየሱስ ኣብ መስቀል ምእንታና ክመውት ዝደፍኦ ዘይተኣደነ ፍቕሪ” ናብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ከምጽኡ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸጋታት ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ኣብ ዓዶም ኣርጀንቲና ሓደ ልሙድ ዝኾነ ተራ ነገር ማለት ብዙሓት ሰባት ካህን ምስ ዝርዩ፥ “ሕማቕ ዕድል ዘምጽእ ቢሎም ስለ ዝሓስቡ ሓጺን ከም ዝትንክፉ ገሊጾም፥ ንሓደ ፍራንቸስካውያን ክርእዩ እንከለዉ ግን ነዚ ኣጉል ተግባር እዚ ዝፍጽም ሰብ ከም ዘየለ ይረአ፥ “ንምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ መን ይፈልጥ” እንክብሉ ድማ ተገሪሞም፥ “ግን፡ እቲ ከም ፍራንቸስካውያን መለለይኹም ዝኾነ ልብሲ ምንኩስናኹም ንሰባት ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ዝተቐበሎ ጸጋታትን ንኽሓስቡ ስለ ዝገብሮ እዩ ቢለ እግምት” ከምዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ጸሎት ናብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ኣማላድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝምሕጸን ባዕሎም ዝደረስዎ ጸሎት ብሕባር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 April 2024, 17:18