ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊጡርጊያዊ ዓውደ ኣዋርሕ መሰረት ቤተ ክርስቲያን እቲ እዚዩ ዓቢይ ዝኾነ ሕመረት እምነት ክርስትና - በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ዕለት 31 መጋቢት ከም ዘብዓለትን ኣብታ ዓባይን ቅድስትን መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ምመናን ኣብ ዝተረኽብሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ከምቲ ካብ 1985 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝግበር ድማ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሆላንድ ብዝመጸ ዕምባባታት ዝተሰለመ ክም ዝነበረን ቅዱስነቶም ቅድሚ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዋዜና በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስብከት ከም ዝለገሱን ዘዘኻኽረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ፋሲካ ለይቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዘሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እተን ናብቲ ኢየሱስ እተቐብረሉ ስፍራ ዝኸዳ ኣንስቲ ዘደንጸወንን ዘገረመንን ዘጋጠመን መስተንክር ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ዜደንቕ ታሪኽ ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ብዕምቆም ከም ዘብርሁ የመላኽት።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 መጋቢት ሰንበት ዘዕረገዎ ናይ በዓለ ፋሲካ ቅዳሴ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዛዚሞም ኣብ ጎደና ደላ ኮንቺላዚዮነ ንዝተረኽቡ ምመናን እናተዘዋዋሩ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ማለት ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ኣዋጅ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ከም ዘካፈሉም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።