ር. ሊ. ጳ. ኣብ በዓል ትንሳኤ ንከተማ ሮማን ዓለምን - ክርስቶስ ተንሲኡ! ኵሉ ሓድሽ ይኸውን

ድሕሪ ናይ ዕለቱ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ምእንቲ ቅድስቲ መሬት፡ ዩክረይን፡ ምያንማር፡ ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ ኣፍሪቃን ከምኡውን ምእንቲ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቅሰባትን፣ ምእቲ ዘይተወልዱ ናጽላታትን ከምኡ ውን ምእንቲ ዅሎም ኣብ ጽንኩር እዋናት ዝርከቡ ዘለውን ብምጽላይ ነቲ ልሙድ ናይ በዓለ ትንሣኤ መልእኽቶምን ቡራኬኦምን ኣመሓላሊፎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ልሙድ ዓመት ዓመት ኣብ በዓለ ትንሣኤ ዘመሓለልፍዎ Urbi et Orbi ዝተሰምየ ንከተማ ሮማን ንዓለምን መልእኽትን ቡራኬን ካብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምዃን ኣመሓላሊፎም።

እቲ ቅዱስነቶም ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ከምኡውን " Urbi et Orbi " (ንከተማ ሮማን  ንዓለምን) እተሰምየ መልእኽትን ቡራኬን በዓለ ፋሲካ ኣብ መላእ ዓለም ብቐጥታ ብዝተፈላለዩ ናይ ተሌቪዥንን ረድዮን መደብራት ተመሓላሊፉ ኢዩ ።

ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ብቐጥታ ዝከታተሉ ዝነበሩን ከምኡ ውን ንኹሎም እቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ 60,000 ዝዀኑ ነገዳድያንን በጻሕትን "ብሩኽ በዓለ ትንሳኤ !" ብምባል መልእኽቶም ጀመሩ።

ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ቕድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ካብ የሩሳሌም እተኣወጀ "እቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ተንሲኡ ኢዩ!" ዚብል መልእኽቲ ጌና ይቃላሕ ከም ዘሎ ዘከሩ። (ሚካ 16፡ 6)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ነቲ እተን ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ወጋሕታ ናብቲ መቓብር ዝኸዳ ኣንስቲ ዝተገረማሉ ነገር ከም ዘስተንተኑ ገለጹ።

መለኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ትንሳኤ
መለኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ትንሳኤ

ቅዱስነቶም እቲ መቓብር ናይ ኢየሱስ ብዓብዪ እምኒ ተሓቲሙ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምዝካር ሎሚ እውን እንተ ዀነ "ከቢድ ኣእማን ንተስፋ ደቂ ሰብ ዚዓግት ኣእማን " ብፍላይ ከኣ "ኣእማን" ውግእ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ግፍዒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ገለ ኻብቲ ኻልእ ኣእማን ምዃኖም ብምዝካር ውን ጓሂኦም ገለጹ።

ካብቲ ጥርሑ ዝተረፈ መቓብር ኢየሱስ ኵሉ ነገር ከም ብሓድሽ ይጅምር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ልክዕ ከምተን ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዝነበራ ኣንስቲ "'ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ መቓብር መን ክግልብጠልና እዩ?' ኢልና ንሓድሕድና ንተሓታተት ኢና። ኣብታ ንግሆ በዓለ ትንሳኤ እቲ ዓብዪ እምኒ ከም እተገልበጠ ዚገልጽ ዜደንቕ ተኣምራት ንሱ ምንባሩ ድማ ኣመልከቱ። ስለዚ "እቲ ነተን ኣንስቲ ዘደነቐን ነገር ንዓና  እውን የደንቕና ኣሎ" በሉ።

"መቓብር ኢየሱስ ተኸፊቱ ጥርሑ ድማ እዩ! ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ኵሉ ነገር ከም ብሓድሽ ይጅምር" በሉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ሓድሽ መገዲ ናብቲ ጥራዩ ዝነበረ መቓብር ከም ዝመርሕ ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ እዚ ኸኣ "ኣምላኽ በይኑ እንተ ዘይኰነስ ዋላ ሓደ ኻባና ክከፍቶ ዘይክእል መገዲ" እዩ። ጐይታ ኣብ መንጎ ሞት፡ ኣብ መንጎ ውግእን ሰላምን፡ ኣብ መንጎ ጽልኢ ምትዕራቕ ከምኡውን ኣብ መንጎ ጽልኢን ሕውነትን ዘሎ መገዲ ህይወት ከም ዝኸፈተ ገለጹ።

ኡርቢ ኤት ኦርቢ - ንከተማ ሮማን ዓለምን
ኡርቢ ኤት ኦርቢ - ንከተማ ሮማን ዓለምን

ኢየሱስ መገዲ ዕርቅን ሰላምን

"ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ተንሲኡ ኢዩ!" ድማ በሉ፣ ነቲ ናብ ህይወት ዝወስድ መገዲ ንዝዓግት ኣእማን ክግልብጥ ዚኽእል ንሱ በይኑ ጥራይ ምዃኑ ድማ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝግለጽዎ ብዘይ ሕድገት ሓጢኣት ነቲ ወትሩ ዕንቅፋት ዝኾነና፣ ኩሉ ጊዜ ንሕና ቅኑዓት ካልኦት ግና ሰብ ጌጋ ኸም ዝዀኑ እንሓስበሉ ቅድመ ኹነታዊ ፍርዲ እንህበሉ፣  ከምኡውን ንኻልኦት ናይ ምፍራድ ዕንቅፋታት ክንሰግሮ ኸም ዘይንኽእል ገለጹ ። "እቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ሕድገት ሓጢኣትና ብምሃብ ነታ እተሓደሰት ዓለም መገዲ ዚኸፍተላ" ድማ በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ኢየሱስ በይኑ ጥራይ እዩ ነቲ ብውግእ ኣብ መላእ ዓለም ተዓጽዩ ዘሎ መዓጹ ህይወት ኣብ ቅድሜና ዝኸፍቶ" ብምባል ኣረጋገጹ። ከምዚ ድማ ክብሉ ገለጹ - "ቅድም ቀዳድም ናብታ ምስጢር ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ዝረኣናላ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ክንጥምት፣ ንዅሎም እቶም ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን እውን ክንዝክር።"

ቅድስቲ መሬትን ሃገር ዩክረይንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ነቶም ግዳያት ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ግጭታትን ብፍላይ ድማ ናይቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ከምኡውን ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ግጭታት ግዳያት ንዝዀኑ ሰባት ወትሩ ከም ዝዝክርዎም ብምግላጽ ጀመሩ ።   "እቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ነቶም ብውግእ ዝዓነዉ ህዝብታት እዘን ዞባታት እዚኣተን መገዲ ሰላም ይኽፈተሎም" ድማ በሉ።

ቀጺሎም ድማ "ንመሰረታዊ ስርዓታት ኣህጉራዊ ሕጊ ኣኽብሮት ክህሉ እጽውዕ ኣሎኹ ዅሎም እሱራት ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ሓፈሻዊ ምልውዋጥ ክግበረሎም ተስፋ እገብር፣ እዚ ዅሉ ድማ ምእንቲ ዅሎም ደቅሰባት ክብሉ ኢለ ኢዩ" በሉ።

ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ቃዛ፣ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ከአ ሓራ ምውጻእ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣተኵሮኦም ናብ ቃዛ ብምምላስ፦

"ናብ ቃዛ ናይ ግብረ-ሰናይ ሰባኣዊ ረድኤት ምእታው ክረጋግጽ ከም ብሓድሽ ምሕጽንታ የቕርብ ኣሎኹ፣ እቶም ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ ጆሆ እተታሕዙ ሰባት ውን ብቕልጡፍ ናጻ ንኽወጹን ኣብታ ሃገር ብህጹጽ ውግእ ደው ንኸብሉን ድማ እንደገና ጻውዒት አቕርብ ኣለኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ሕጻናትን ዝወርድ ዘሎ ኸቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ህሉው ውግእ መወዳእታ ኽግበረሉ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

"ኣብ ኣዒንቶም ክሳብ ክንደይ ከቢድ ዝኾነ ስቅያቶም ኢና እንርኢ!  ኣብዘን የዒንቲ እዚኣተን ' ስለምንታይ ግን? '  እዚ ዅሉ ሞት ዝኸውን ዘሎ ስለምንታይ እዩ ?  እዚ ዅሉ ጥፍኣት ዝኸውን ዘሎ ስለምንታይ እዩ ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውግእ ወትሩ "ስዕረት" ከም ዃኑን ከምኡ ውን "ትርጕም ኣልቦ" ምዃኑ ገለጹ።

ቡራኬን መልእኽትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ በዓለ ትንሳኤ 2024
ቡራኬን መልእኽትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ በዓለ ትንሳኤ 2024

"ሰላም ብኣእዳውን ብኽፉት ልብን ደኣ እምበር ብኣጽዋር ኣይኰነን ዝርከብ" ብምባል "ነቲ ኣመክንዮ ናይ ኣጽዋርን ንግድታቱን ኣይንስመሮ" ድማ በሉ።

ሶርያን ሊባኖስን

ቅዱስ ኣቦና ነታ ንዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ብሰንኪ "ነዊሕን ኣዕናውን" ውግእ እተሳቐ ዘላ ሶርያ ውን ዘከርዋ ።

"ብዙሕ ሞትን ምጥፋእን ብዙሕ ድኽነትን ዕንወትን ስለዘሎ ካብ ኵሉ ሰብን ከምኡውን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ መልሲ ኽወሃቦም ጻውዒት አቕርብ አሎኹ" ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ድሕርዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሊባኖስ ገጾም ብምኻድ እታ ሃገር ንእተወሰነ እዋን በቲ ኣብ ዶብ እስራኤል እተገብረ ውግእ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መንግስታዊ ህውከትን እናዓመቘ ዝኸይድ ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላውን ከም ዘጋጠማ ዘሎ ኣዘኻኸሩ።

"እቲ ዝተንስአ ጐይታ ነቶም ፍቑራት ህዝቢ ሊባኖስ የጸናንዓዮም፣ ንብምልእታ እታ ሃገር ድማ በቲ ዘለዋ ጸዋዕታ ቦታ ምርኻብን ናይ ሕብረት መንበሪትን ሕብረ ብዙሓውነት ዝረኣየላ ሃገር ክትከውን የጸናንዓያ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዞባ ምዕራባውያን ሃገራት ባልካን እውን ዘኪሮም፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ ድማ ኣተባቢዖም - "ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝርርብ ክገብሩ ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ክሕግዝዎም ንቦታታት ኣምልኾን እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ውርሻታትን ከኽብሩ ከምኡውን ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ኣብ ውዕል ሰላም ክበጽሑ ተማሕጸንዎም ። "

"እቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ንዅሎም እቶም ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ብዓመጻ፡ ግጭት፡ ሻቕሎትን ስእንት መግቢን ከምኡውን ሳዕቤን ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት መገዲ ተስፋ ይኸፍተሎም" ክብሉ ድማ ተማህለሉ።

ቅዱስነቶም ኣብ ማእከላይ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ
ቅዱስነቶም ኣብ ማእከላይ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሃይቲ፡ ምያንማር፡ ኣፍሪቃ

ኣብቲ ብዛዕባ ሃይቲ ዘቕረብዎ ናይ ቀረባ ግዜ ጻውዒት "ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻን ዕንወትን ከምኡውን ምፍሳስ ደም ኣብ ሓጺር እዋን መወዳእታ ምእንቲ ኽግበረሉ ከምኡውን ናብ ዲሞክራስን ሓድነትን ኣብ ዝመርሕ መገዲ ምእንቲ ኽግስግሱ" እቲ ዝተንስአ ጐይታ ንህዝቢ ሀይቲ ክሕግዝ ድማ ጸለዮም።

ናብ ክፍለ ዓለም እስያ ምልስ ብምባል ከኣ ኣብ ምያንማር "ኵሉ ኣመክንዮ ናይ ዓመጻ ምሉእ ብምሉእ ክሕደግ ይግባእ" እንክብሉ ጸለዩ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ንሓያሎ ዓመታት "ብውሽጣዊ ግጭታት ተበታቲና" ከም ዘላ ድማ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እውን "ብፍላይ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኣብ ብምሉኡ ዞባ ሳሕልን ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ኣብ ዞባ ኪቩ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ከምኡውን ኣብታ ኣብ ሞዛምቢክ እትርከብ ኣውራጃ ካፖ ደልጋዶ" ከምኡ ውን "ነቲ ሰፊሕ ቦታታት ዝትንክፍን ጥሜትን ዓጸቦን ዘለዓዕልን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ድርቂ ጐይታ መወዳእታ ክገብረሉ" ጸልዮም።

ክቡር ውህበት ህይወትን ዘይተወልዱ ሕጻናትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስደተኛታትን ንዅሎም እቶም ኣብ እዋን ጸገም ዝርከቡ ዘለዉ ሰባትን እውን ኣብ ጸሎቶም ዘኪሮም ፣ ጐይታ ኣብታ ዝሽገሩላ ዘለዉ ህሞት ምጽንናዕን ተስፋን ኪህቦም ውን ጸልዮም።  "ክርስቶስ ነቲ ዝሓሸ ህይወትን ሓጐስን ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣብተን ዝደኸያ ስድራቤታት ዘጋጥም ብድሆታት ንምፍታሕ ንዅሎም ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ሓድነት ንምምስራት ይመርሓዮም" ድማ በሉ።

"ኣብዛ ብትንሳኤ ኢየሱስ እተዋህበና ህይወት እነብዕላ መዓልቲ እዚኣ ነታ ንነፍሲ ወከፍና ዘላትና መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ማለት ንዅሉ ደረት ኰነ ድኽመት እትሰግር ፍቕሪ ንዘክራ" በሉ።

"እቲ ኽቡር ውህበት ህይወትሲ ኽንደይ ኰን እዩ ዚንዓቕ ዘሎ!  ክንደይ ቈልዑ እዮም ኪውለዱ ዘይተኻእለ?  ክንደይ ዚኣኽሉ ብጥሜት ይሞቱ ኣድላዪ ኽንክን ድማ ይግበረሎም የልቦን ወይ ግዳያት ህስያን ዓመጻን ዝዀኑ ክንደይ ኢዮም?  በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ከ ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት እዮም ዚሽየጡ ዘለዉ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ በዓለ ፋሲካ መልእኽቲ እንከመሓላልፉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ በዓለ ፋሲካ መልእኽቲ እንከመሓላልፉ

ምሕጽንታ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ከይነዓቕ

ኣብዛ "ክርስቶስ ካብ ባርነት ሞት ሓራ ዘውጽኣና መዓልቲ " ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ምስዚ "መዓት" ዝኾነ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምቅላስ "ንመርበብ ምዝመዛ ንምብታን ከምኡውን ነቶም ግዳያቶ ዝኾኑ ዘለዉ ሰባት ሓርነት ንምምጻእ ደኺመ ኸይበሉ ንኽሰርሑ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"ጐይታ ንስድራቤቶም ልዕሊ ዅሉ ድማ እቶም ደሃይ ዜፍቅርዎም ሰባት ብሃንቀውታ ዚጽበዩ ዘለው የጸናንዓዮም ምጽንናዕን ተስፋን ድማ የረጋግጸሎም" በሉ። ብርሃን ትንሳኤ "ንኣእምሮና የብርህ ልባትና ድማ ይቕይሮ ዋጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓንጐፋይ ኢልና፣ ኽንቅበሎ ዘሎና ሰብኣዊ ህይወት ድማ ይግለጸልና" በሉ።  ዕቝባን ፍቕርን የብዝሓልና።"

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ተቐማጦ ከተማ ሮማን ንዓለምን ብሩኽ በዓለ ትንሳኤ ብምምናይ መልእኽቶም ዛዘሙ።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ትንሳኤ 2024
01 April 2024, 10:51