ር. ሊ. ጳ. - 'ምቍራጽ መፍረን ንግዲን ዕጸፋርስ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ኢዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፦
"ብዛዕባ ውሉፋት ዕጸ-ፋርስ ስድራቤቶምን ዝገልጽ ብዙሕ ዘሕዝን ዛንታታት ስለ ዝፈልጥ ነዚ ሓደገኛ ንጥረ-ነገራት ምፍራይን ምሻጥን ምቍራጽ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ምዃኑ ዘተኣማምን ሓቂ ኢዩ።"
ቅዉም ሓሳብ ናይዛ ሎም ዓመት ተዘኪራ እትውዕል ዘላ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ምኽልካል መፍረን ንግድን ዕጸ-ፋርስ 'እቲ መርትዖ ንጹር ኢዩ፣ ኣብ ምክልኻሉ ገንዘብና ነዋፍር' ዝብል ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ዕጸ-ፋርስ ምውሳድ ንማሕበረሰብ ከም ዘዳኽሞ ከምኡ ውን ንነፍሲ ወከፍ ውሉፍ ፍሉይ ዛንታ እኳ እንተ ሓለዎ፣ ከም ውሉድ ኣምላኽ መጠን ውን ክብሪ እኳ እንተ ሃለዎ፣ ዕጸ-ፋርስ ምውሳድ ኣብ ኵሉ ደረጃ ሕብረተሰብ ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውርድ ብምግላጽ ኢዮም ንኣስተንትኖኦም ዝጀመርዎ።
'ግዲ ዘይብልካ ኣይትኹን'
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቲ እኩይ ሓሳባትን ተግባራትን ነጋዶ ዕጸ-ፋርስ ዕሽሽ ክንብሎ ኸም ዘይንኽእል ድማ ገለጹ፦ "ወልፊ ዕጸ-ፋርስ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ሃገራት እተሓስበ ወይ ድሮ ከም ዝተኣታተወ ዕጸ-ፋርስ ናጻ ምግብር ክጐድል ኣይክእል ኢዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ሓተቱ - "ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ወልፊ ዕጸ-ፋርስ ዘለዎም ብዘሕዝን ኵነታት ምስ ዘጋጥሞም ዘይግቡእ ምህርቲን ምሻጥን ዕጸ-ፋርስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ወድዎም ይርከብ ኣሎ” ድሕሪ ቢሎም “ንሕና ድማ ግዲ ዘይብሎም ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና” በሉ ።
በዚ መዳይ እዚ ስጕምቲ ክውሰድ ተማሕጸኑ፣ ነቲ ፍቕራዊ ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ እውን ከማኡ ክንገብር ንኽእል ኢና በሉ።
ብምውሳኽ ውን ከምዚ በሉ - "ንሕና ውን በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣብ ቅድሚ ተነቃፊ ዅነታትን ስቓይን ካልኦት ደው ክንብል ናይ ጽምዋን ጓህን ኣውያት ብኸመይ ከም እንሰምዕ ክንፈልጥ፣ ተንሲእና ነቶም ኣብ ባርነት ዕጸ-ፋርስ ዝወደቑ እንደገና ከነተንስኦምን ሓገዝ ክንገብረሎምን ጻውዒት ይቐርበልና ኣሎ " በሉ።
'ነጋዶ ሞት'
"ዝኸፈሉ ከፊሎም በቲ ምኽኒታዊ ኣተሓሳስባ ስልጣንን ገንዘብን ተደሪኾም ዝዓዩ ዘለዉ ክንደይ ነጋዶ ሞት ኢዮም ዘለዉ!" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ዓመጻ ዜፍርን መከራን ሞትን ዚዘርእን መቕዘፍቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝኸውን ዘሎ ክንዲ ዝኾነ፣ ካብ ሓፋሽ ሕዝቢ ትብዓት ዚሓትት እዩ" ብምባል ውን ተላበዉ።
ምህርቲ ዕጸ-ፋርስን ንግዲ ሓሽሽን እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ኣማዞን ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ብምጥቃስ ኣብ ኣከባቢ ኣዕናዊ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዘለዎ ገለጹ ።
ናይ ምክልኻልን ቅርበትን ጻዕርታት
ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዕጸ-ፋርስ ምውሳድን ብምኽልካልን ንግዱ "ብምቅዋምን" ምእመናን ክቃለስዎ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ እዚ ድማ "ዝያዳ ፍትሒ ብምትብባዕ ንመንእሰያት ብዛዕባ ብሕታውን ማሕበረሰብን ህይወት ዝሃንጽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብምምሃር ነቶም እተሸገሩ ጽን ብምባል ከምኡ ውን ንመጻኢ ተስፋ ብምሃብ ኢዩ ዝግበር" ብምባል ኣትሪሮም ኣመልከቱ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብወንጌል ተደሪኹ ንማሕበረሰብ ንምሕዳስ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ውን ዘከሩ "ንማሕበር ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕየት ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡ ውን ተራ ምእመናንን ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጽኑዕን ተስፋ ዘለዎ ምስክርነት" ክህቡሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
በዚ ተዘክሮ እዚ ኸኣ ከምዚ በሉ - "ብዛዕባ ኣተሓሕዛ እቶም ወልፊ ዕጸ-ፋርስ ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ሕግታትን ፖሊሲታትን ንምድንፋዕ ከምኡውን ነዚ መዓት እዚ ደው ንምባል ኣብ እተፈላለየ ጉባኤታ ናይ ኣብያተ ምኽሪ ጳጳሳት እተገብረ ጻዕርታት የጸናንዓኒ ኢዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ እዚ ንክርስትያን ንማሕበረሰብን ንቤተ-ክርስትያንን ብዛዕባ እዚ ዕላማ እዚ ኽጽልዩን መብጽዓኦም ከሐድሱን ብምምሕጻን ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።