ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣብ መንጎ ፈተናታትን 'ህቦብላንፋስን' ናብ ክርስቶስ እቀርብ ድየ?'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ምእመናን ኣብ መንጎ ስግኣትን ፍርህን እሙናት ኰይኖም ናብቲ ወትሩ ነቲ ህቦብላ ዘህድእ ክርስቶስ ከይፈርሁ ክቐርቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ንምእመናን ዘጸናንዕ መልእኽቲ እንክልግሱ፦ ኣብ እዋን ሁከትን ጭንቀትን እውን ከይተረፈ ወትሩ ኣብኡ ብምውካል ንገዛዕርእስና ናብ ንጐይታ ክንውፈ ኣሎና በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድያንን መፈሳውያን በጽሕትን እንከስተምህሩ ብመሰረት እቲ ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስን ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቀላይ ጢብርያዶስ ብጃልባ ክሳገሩ እንከለው እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝደቀሰሉ እዋን ብሃንደበት ብርቱዕን ህቦብላ ምስ ተላዕሎም ክናወጹን ዝፈርሁሉ ክፈርሁን ከም ዝጀሩ እዚ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ይነገረና ክብሉ ኣስተንትኖኦም ቀጹል። ከምኡ ውን እታ ጃልባ ክሳብ ምጥሓል በጽሐት።

ኣብ መንጎ ማዕበመላት ኣብ ጐይታ ምውካል

ኣብ መወዳእታ ጐይታ ንብምሉኡ እቲ ዅነታት ተቘጻጸሮ ቢሎም ብምስትንታን፣ ኣብኡ ምውካል ክሳብ ክንደይ ዘተኣማምን ኩነት ምኹኑ ብምስትንታን ኣስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም "ኢየሱስ ንዓታቶምን ንእምነቶምን ኪፍትኖም ከም ዝደለየ" እኳ እንተ መሰሎም፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና ካብዚ ተመክሮ እዚ ብዛዕባ ሓይሊ ኢየሱስን ኣብ ማእከሎም ህላወኡን  ዝያዳ ኸም ዚፈልጡ ገብሮም በሉ።

ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ እቲ ዘፍርህ ፍጻመ ንኻልእ ዕንቅፋታትን ጸገማትን እንተላይ ወንጌል ንምስባኽ ከይስጕሙ ኣብ ዘለዎም ፍርሂ ዝያዳ ድልዱላትን ድሉዋትን ዝገብሮም ኩነታት ኢዩ ዝነብረ በሉ ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ጐይታ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ሕቶ ብምቕራብ ድማ፣ እቲ ፍጻመ ንእምነቶም ከም ዘደልደሎን ዝያዳ ተባዓት ክኾኑ ከም ዝገብሮምን ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነዚ ፈተና እዚ ምስኡ ምስ ሰገርዎ ንዅሎም ህዝብታት ወንጌል ምእንቲ ከብጽሑሎም ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት አረ ምስ መስቀልን ንሰማእትነትን እውን ከይተረፈ ብኸመይ ከም ዝቃለሱ ተረዲኦም እዮም" በሉ።

ኣባናውን ልክዕ ከማኡ ኢዩ

ቅዱስ ኣቦና እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባና ውን ከማኡ ከም ዝገብር ሓሳብ ኣቕረቡ ።

"ብፍላይ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክርስቶስ ኣብ ዙርያኡ ይእክበና ቃሉ የስምዓና ብስጋኡን ብደሙን ድማ ይምግበና" በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም በዚ ተመክሮ እዚ ኣቢሎም ምስ ጐይታ "ብመርከብ ክንጐዓዝ ዝሰማዕናዮ ዘበለ ዅሉ ኸነመሓላልፍ ነቲ እተቐበልናዮ ድማ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንዅሎም ከነካፍሎም ከምኡ ውን ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ከማኡ ክንገብር ይዕድመና ኢዩ" በሉ።

ጐይታ ንጽንኩር እዋን ካብ ጕዕዞና ይኣልዮ ዘይኮነስ የግዳስ ከይሓደገና ንኽንዋጽኣሉ ኸም ዝሕግዘና ኣስተንተኑ ።

ስለዚ ንሕናውን ብሓገዝ ኣምላኽ ኽንዋጽኣሉ እንኽእል ካብኡ ኽንመሃር ከምኡ ውን ኣብቲ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ኣብ ሓይሉ ኽንውከል ሓሳብ ኣስተምሃሩ።

ብተወሳኺውን ኣብ ኢየሱስ ምውካል 'ንስግኣትን ድንጋጸታትን ንኽንሰግሮ' ከምኡ ውን "ብትብዓትን ምልኣት ልብን” ከኣ ንዅሎም ደቂሰባት “መንግስተ ሰማያት ኣብዚ ኸም ዘላ፣ ምስ ኢየሱስ ኣብ ጐድንና እናተጓዓዝና ኽንዓቢ ኸም እንኽእል" ንኽንነግር ከም ዘኽእለና ሓሳብ ኣቕረቡ።

ኣብ መንጎ ዝዀነ ይኹን ማዕበል ዘየቋርጽ ሓገዝ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ምእመናን ንርእሶም ገለ ሕቶታት ክሓቱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"ኣብ ግዜ ፈተና ነቲ ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክዎ ህላወን ሓገዝን ጐይታ ኽዝክሮ እኽእል ድየ?" ክብሉ ድማ ሓሳብ ኣቕረቡሎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ህቦብላ ምስ መጸ ብታህዋኽ እዕብለል ድየ? ወይስ ብህድኣትን ብሰላምን ብጸሎትን ብስቕታን ቃል ንምስማዕ ንውዳሰ እምነትን ንምክፋል ናባ ጉይታ እለግብ ድየ?" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ እታ ንፍቓድ ኣምላኽ ብትሕትናን ብትብዓትን እተቐበለት ድንግል ማርያም ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ኣብ ኣምላኽ ህድኣት ንኽህልወና ተማልደልና ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

24 June 2024, 18:12