2024.06.24 Papa Francesco dona una terza ambulanza a un ospedale in Ucraina 2024.06.24 Papa Francesco dona una terza ambulanza a un ospedale in Ucraina 

ር. ሊ. ጳ. ሳልሳይ ኣምቡላንስ ንቤተ ሕክምና ዩክረይን ወፍዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ተግባራት ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ንሻምናይ ግዜ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለው ሕዝቢ ንምሕጋዝ ሳልሳይ ህያብ ኣምቡላንስን መድሃኒታን ብምስናይ ናብ ዩክረይን ለኣኽዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስታ ትሳቐ ዘላ ዩክረይን ዘለዎም ቅርበት ንምምልካት ኣብዚ ቐረባ እዋን ውን ንሳልሳይ ግዜ ኣምቡላንስ ንቤተ ሕክምና ዩክረይን ብምውፋይ ብጭቡጥ መገዲ የርእዩ ኣለዉ።

ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ እቶም ናይ ጳጳሳዊ ሓልዩት ኣመሓዳርን ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ግብረ - ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ነታ ቅዱስነቶም ናብ ዩክረይን ዝለኣኽዋ ሳልሰይቲ ኣምቡላንስ ሒዞም እንደገና ናይ ናብ ዩክረይን ናይ ምብጻሕ መደብ ከካይዱ ኢዮም ።

ብፁዕ ካርዲናል ክራየቭስኪ ንሻምናይ ግዜ ናብታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ዞቦሪቭ እትበሃል ክፍለሃገር ተርኖፒል 2,000 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ነታ ኣብቲ ከባቢ ተስፋ ኮይና ዘላ ቤተ ህክምና ከብጹሑላ ኢዩም ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካርዲናል ክራየቭስኪ ካብ ፋርማሲ ቫቲካን ከምኡውን ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ብዙሕ ኣድላዪን ንህይወት ኣድሕን ዘገልግል መድሃኒታት ይልእኹ ኣዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ዩክረይን ዘለዎም ጥቡቕ ቅርበት

ኣብ ዞባ ተርኖፒል ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዝቘሰሉ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ሒዞን በብመዓልቱ ብዙሓት ናይ ጽዕነት መካይን ይመጻ ኣለዋ።

ስለዚ እዛ ኣምቡላንስ ነቶም ዝቘሰሉ ንምድሓን እትሕግዝ ጠቓሚት መሳርሒት ክትከውን እያ ።

ብፁዕ ካርዲናል ክራየቭስኪ ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ነቲ ኣብ ቪኒትስያ ኣብ ናይ ላቲናዊ ካቶሊካዊ ሰበኻ ካሚያኔትስ-ፖዲልስኪ እተሃንጸ ማእከል ተሓድሶ 'ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ' ነቶም በሰላ ውግእ ዘጋጠሞም ሰባት ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምሕዳስ ብምልጋስ ክሕግዞም ተባሂሉ ዝተሓንጸ ማከል ክምርቑ ኢዮም።

እዚ ማእከል እዚ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ንዓኡ ዝመስሉ ማእከላት ብረድኤት ካብቶም ከም በዓል Church in Need ከምኡ ውን ካልኦት ጳጳሳውያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝኣመሰላ ዝለገስኦ እተሓንጸ ኮይኑ ብዘይ ኣፈላላይ እምነት ዜግነት ወይ ወገናውነት 'ንዅሉ ሰብ' ክፉት ክኸውን ኢዩ።

26 June 2024, 17:24