ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሓደ ጋራጅ ናይ መንበሪ ገዛውቲ ሮማ ትምህርተ ክርስቶስ ኣካይዶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ዕለት 6 ሰነ 2024 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሳልሳይ ግዜ ናይቲ "ቤት ትምህርቲ ጸሎት" ዘርእስቱ ዘካየድዎ ዘለዉ መደባት፣ ኣብቲ ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፓልማሮላ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛውቲ ኣብ ዘይልሙድ መአከቢ ቦታ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣካዪዶም። እዞም ዝረኸብዎም ምእመናን ከአ ስድራ ቤታትን ሰብ ሓዳርን መንእሰያት ምእመናንን ዜጠቓልሉ ተራ ናብራ ዝነብሩ ኣባላት ቍምስና ደብረ ቅድስት ብሪጅት በዓልቲ ሽወደን ኢዮም ዝነበሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘይተጸበዮ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝንበረ፣ እቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ድማ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ክንዲ ዝተረግሮም እቲ ዝነበረ ኣጋጣሚ ቅጽበታውን ሓቀይና መንፈስ ዝሰፈኖን ኢዩ ዝነበረ።
ኣቡ ምብጽሕን ዝነበረ ሃዋህውን ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ፣ ነቶም ተቐማጦ ዘይተጸበይዎን ዜሐጕስን ክንዲ ዝነበረ ብድሙቅ ኣቀባብላ መርሓባ በልዎም ። እቲ ጸጻር ዝኾነ ባይታን መናድቕ ሕጡብን ከምኡ ውን ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ኣግራብን ዘለዎ ጋራጅ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምርኻብ ትሕትና ዘንጸባርቕን ሓቀይና ቅርበት ዘርእን ቦታ እዩ ዝነበረ። ቅዱስነቶም ንስድራ ቤታት ሰላም ኣብ ዝበሉሉ እዋን ሒዞምሎም ዝመጹ ካራሜላ ኣካፈልዎም ፣ እቲ ዝነበረ ሃዋህው ብዘይወግዓዊ መገዲ ዘካይድዎ ርክብ ክንዲ ዝነበረ፣ ብነጻነት ግላዊ ርክብን ምስ ቅዱስነቶም ዘካየዱሉን ሓሳብት ጸሎት ክለዋወቱ ዘኽኣሎም አጋጣሚ ኢዩ ዝነበረ ።
ቀንዲ መልእኽቲ ንስድራ ቤት፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገሱሎም ትምህርተ ክርስቶስ ስድራ ቤት ከም እምኒ መኣዝን ሕብረተሰብን ቤተ ክርስትያንን መጠን ዘለዋ ኣገዳስነት ኣጕሊሖም ። ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታት ዚፍጠር ግጭታት ዘይተርፍ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ እዚ ግጭታት እዚ ተስፋ ዘቝርጽ "ህቦብላ" ዘይኰነስ ጸሓይ ከይዓረበት እንከላ ብምትዕራቕ ኪፍታሕ ዘለዎ ኢዩ ክብሉ መዓድዎም። ስኒት ዘለዎ ርክብ ንምህላው ሰለስተ ኣገዳስቲ ቓላት ገለጹሎም - "ኣይትሓዘለይ በጃኻ የቐንየለይ" ዝብሉ ቃላት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ክለማመድዎ ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ሓባራዊ ኣኽብሮትን ፍቕርን ከም ዚሰፍን ንምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስፊሖም ገለጹሎም ።
ጽልዋ ኣብ ቈልዑን ህጻናት፦
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ቈልዑ ነቲ ወለዶም ዚገብርዎ ርክብ ተዓዘብትን ተነቀፍትን ምዃኖም ውን ኣጕልሑ። ወለዲ ብፍላይ እቶም ካብ ሓዳሮም ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ሓድሕዶም ሕማቕ ከይዛረቡን ንደቆም ብዛዕባ ኣኽብሮት ኪምህርዎምን ተማሕጸንዎም ። ወለዲ ንዘለዎም ዘይምርድዳእ ዚሕዙሉ መንገዲን ኣገባባትን ንስምዒታዊ ድሕንነን ዕቤት ደቆምን ኣጸቢቑ ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል ውን ገለጹ።
መንእሰያትን እምነትን፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ መንእሰያት ክዛረብዎም እንከለዉ ድማ እምነት ኣብ ምምዕባል ብሕታዊ ምስክርነት ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ገለጹ። መንእሰያት ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምቕጻል ዘለዎም ሓላፍነት ክቕበሉ ውን ኣተባብዖም፣ ተጻዋርነት ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኸርዎም። እዚ ኸኣ ድሕሪ ውድቀት ክትንስኡ ከም ዝኽእሉ ምምሃር ኢዩ። ናይ ሓቂ እምነት ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብህያው ዝኾነ ኣብነታት ከም እትርአ እውን ገለጹሎም ።
ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኸባቢ ሰፊሕ ናይ ኣምልኾ ቦታ ስለ ዘይብሎም ቤተክርስቲያን ማለት ኣብ ክንዲ ህንጻታት ማሕበረሰብ ወይ ጉባኤ ናይ ሰባት ከም ዝዀነት ኣመልከቱሎም። ህላዌ ቈልዑ ንኣረጋውያን ምኽባርን ንናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ብኸመይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምስትንታን ከአ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ተቐማጦ ዘሎ ሓድነትን ሓባራዊ ምድግጋፍን ኣርዚኖም ክርእይዎ ከም ዘለዎም ተማሕጸንዎም።
ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑ ንወለዲ ዚወሃብዎም ግብራዊ ምኽሪ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣብ ኣስተምህሮኦም ንወለዲ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤቶም እምነት ንምዕቃብ ዘድልዮም ግብራዊ ምኽሪ ኣካፈልዎም። ኣብ መንጎ ወለዲ ዘሎ ሓባራዊ ፍቕርን ኣኽብሮትን ምስ ደቆም ብግህዶ ምዝርራብ ከምኡውን ኣብ መንጎ ምምርሒታት ምሃብን ናጽነት ምሃብን ዘሎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ውን ኣጕልሑ ። በጃኹም ኣብ ቅድሚ ደቅኹም ኸይትከራኸሩ ኣብ ክንዳኡስ ንደቅኹም ውሕስነትን ፍቕርን ክህቦም ዝኽእል ሃዋሁ ክትፈጥሩ ጸዓሩ ክብሉ ምኽሪ ኣቕረቡሎም ።
ግላዊ ዘተን መደምደምታን፦
ቅዱስነቶም ነቲ ዘካየድዎ ርክብ ሰላምታ ብምልውዋጥን መቝጸርያ ብምዕዳልን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብናይ ቪድዮ ጻውዒት ስልኪ ኣቢሎም ምስ ዓባይቲ ሽማግሌታት ብምዝርራብን ኢዮም ደምዲሞሞ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም መፋነዊ ህያብ ክኾኖምን ነቲ ዘገበርዎ ምብጻሕ ከም መዘከርታ ውን ክኾኖም ስእለ እግዝእትነ ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ነቶም ተቐማጦ ኣወፈዩሎም።
ኣስተንትኖ፦
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ጋራጅ ዝመሓላለፍዎ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ቤተ-ክርስትያን ናብ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ናብቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዉ ቅርበቶም ንምግላጽ ዘለዎ ቘራጽነት ዜጕልሕ ኢዩ ዝነበረ። ብዛዕባ ዕለታዊ ናብራን ግብራዊ ምኽርን ብምትኳር ድማ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ግዜና ኣብ ናብራ ስድራቤት ዘለዋ ተገዳስነት ኣደልደሉ። እዚ ፍጻመ እዚ ቅዱስነትም ምስ ሰባት ብኣካላውን ብመንፈሳውን መዳይ ብምርኻብ ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ጭቡጥ ህይወቶም ዜተሓሳስቦም ነገራት ብርሕራሐን ብቕልል ዝበለን መገዲ ብምዝርራብ ዘለዎም ጉስነታዊ ቅንኣት ዜርኢ ውን ኢዩ ዝነበረ።