ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቶም ኣብ ኣፍደገና ዝኹሕኩሑ ስደተይናታት ምእንጋድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ እቶም ኣብ ኣፍደገና ዝኹሕኩሑ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ብምዝኽኻር፥
ምእንጋድ ምንቕቓሕ ምስናይን ምውህሃድን
ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 20 ሰነ ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ምዃኑ ዘኪሮም ሓይሊ፡ ትብዓትን ጽንዓትን እቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ ውግኣት፡ ዓመጽ፡ ስደት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መላእ ዓለም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ሰባት ብምሕሳብ - ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ምግልባጥ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካላብሪያ ዝጠሓሉ 26 ሕጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 60 ሰባት ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ላምፔዱሳ ዝጠሓለት መርከብን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 10 ስደተይናታትን ዘኪሮም፥ "እዚ ዝጋጠም ሓደጋ ስደት ንኹሎም እቶም ሰላምን ድሕነትን ንምድላይ፡ ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዝግደዱ፡ ትኩርን ሕውነታውን ኣጠማምታ ንኽህሉ ዝድርኽ ዕድል ክኸውን ከምዝኽእል" ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡
ኩላትና ነቶም ማዕጾና ዝኹሕኩሑ ክንቅበሎም፡ ከነዕብዮም፡ ከነሰንዮምን ክነወሃሃዶምን ዝተጸዋዕና ኢና። ሃገራት ንስደተኛታት ሰብኣዊ ኩነታት ንምርግጋጽን መስርሕ ውህደት ንምምችቻእን ክሰርሓ እጽሊ
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኲናት፡ ካብ ብጋሴኡ ስዕረት እዩ
ስደት ምስ ኲናት ዝተእኣሳሰረ እውን ምዃኑ ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእመናንን ኣብ ሞንጎ ቦምባታት፣ ወራር፣ ጥሜት፣ ብዝተፈላለየ ዓመጽ ንዝሳቐዩ ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም፥ ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ፣ ስለ እታ ትሳቐ ዘላ ዩክሬን፡ ቅድስቲ መሬትን ሱዳን፡ ሚያንማርን ኣብ ዝኾነ ቦታ ሰባት ብኲናት ዝሳቐዩለን ሃገራት ሰላም ክወርድ መዓልታዊ ንጸሊ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣማላድነት ብጹዕ ኣባ ሚካል ራፓች ሰማዕት
ንሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣማላድነት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ 15 ሰነ ኣብ ክራኮቭያ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጽእና ዝኣወጀትሉ መንእሰይ ፖላንዳዊ ካህን ኣብ እዋን ስርዓተ ዴስትነት ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበለ ሓቲቶም። "ምስክርነቱ ኣብዚ ብውግእ እትልለ ዓለም ምልክት ምጽንናዕ ካብ ኣምላኽ ክኸውን፡ ኣብነቱ ድማ ህዝበ እግዚኣብሔር ንእከይ ብሰናይ ክንምልስ፡ ሕውነታውን ሰላማዊትን ዓለም ኣብ ምህናጽ እጃም ክንገብር ይምህረና።
ብጹዕ ኣባ ሚካል ንፖላንድን ኣብ ዓለም ሰላም ንክሰፍን ኣማልድ!
ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥
እቲ "ክቡርን ተባዕን" ህዝቢ ቻይና
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብ ቻይና ገይሮም፥ ነቶም ኣብ መሬት ቻይና ፈለማ ሓዋርያዊ ልኡኽ ንዝኾኑ ዝተወፈየ ማሕበር "ፈተውቲ ካርዲናል ቸልሶ ኮስታንቲኒ" ብናይ ኮንኮርድያ-ፖርዴኖነ ጳጳስ ጁሰፐ ፔለግሪኒ ተዓጂቦም ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ፡ ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ብምኽንያት ዝኽሪ ሊቀ ጳጳሳት ኮስታንቲኒ መበል 100 ዓመት ቅዋመ ሰበካ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን መደረ ኣብ ዘስምዕሉ ዓውደ ጉባኤ ዝሓበሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ "ኣብዚ ዝኽሪ እዚ ንኽቡር ህዝቢ ቻይና ሰላምታይ ኣመሓላልፍ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።