2024.06.26 Udienza Generale 2024.06.26 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንደቂ-ኣንስትዮን ኣዴታትን ዩክረይን ሰላምታ ኣቕረቡ

ቅድሚ እቲ ንኽብሪ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝኸብር ዕለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ጠበቓታት ሮማ ዝኾኑ ቅዱሳን ምእንቲ እታ ብውግእ እትዓኑ ዘላ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትንን ከምኡ ውን ምያንማር ሰላም ክሰፍን ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ውግእ ንዓለም ዘጥቅዓሉ ዘሎ እዋን ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ጥቡቕ ቅርበትን ርክብን ከም ዘለዎም ዝገልጽ ተግባር ንምፍጻም ድሕሪ እቲ ሎሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተኻየደ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ዩክረይን ሰላምታ ኣቕረቡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዩክረይን ኣብ መላእ ዓለም ዝቕጽል ዘሎ  ውግኣት ምእመናን ምእንቲ ሰላም ንኽምህለሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ክብረ በዓል ናይቶም እቶም ጠበቓታት ሮማ ዝዀኑ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ከነብዕል ኢና" ድማ በሉ።

ቀጺሎም ድማ "ነቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ማለት ነተን ውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ከምኡውን ምያንማር ብዝቐልጠፈ  ሰላም ምእንቲ ክረኽባ እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ምእመናን ከምቶም "ኣብ ኵሉ ቦታ ጽባቐ ወንጌል ዝምስክሩ ዘለው ሰበኽቲ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ" መጠን ኣብነት ቅዱሳን ክኽተሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ውግእ ኣብ ሃገረ ዩክረይን
ውግእ ኣብ ሃገረ ዩክረይን
26 June 2024, 17:31