ር. ሊ. ጳ.፦ ነተን መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ዚብሃላን ዝርስዓን ደቂ-ኣንስትዮ ንስምዓየን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደቂ ኣንስትዮ፣ ቅቡኣት ኣገልገልትን፣ ሲኖዳውነትን፣ ዘሕዝን ፍጻሜ ዓመጽን - ኣብዚ ዅሉ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተኣፋፊ ዝዀነ ኣርእስትታት ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ "ደቂ-ኣንስትዮ ኣገልገልትን ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን" ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ዝጸሓፍዎ መቕድም ተዘርዚሮም ይርከቡ ።
እዚ ሕታም መጽሓፍ እዚ ብሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ክልተ ካርዲናላትን ብሓባር ብዝገብርዎ ጻዕሪ እተጻሕፈ ኢዩ።
እዘን ሰለስተ ሥነ መልኮታውያን ሊቃውንቲ፣ ክብሪቲ እናቴ ሊንዳ ፓቸር ካብ ማሕበር ኣሓት ሳሌዝያውያን ኮይነን ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ላዕለዋይ ተቕዋም ኣውዚሊዩም (መእተዊ እውን ዝጸሓፋ) ፕሮፌሰር ስነ - ክርስቶስን ስነ - ማርያምን፣ ጳጳስ ኣንግሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ዋና ጸሓፊት ሕብረት ኣንግሊካውይናንን ዝዀና ጆ ቢ. ዌልስ ፣ ከምኡ ውን ጁሊቫ ዲ ቤራርዲኖ ኣባል ሰበኻዊ ማሕበር ደናግል ቬሮና ኮይነን ክኢላ ሥነ-ሊጢርጊያን መምህርን ከምኡ ውን ኣወሃሃዲት ንመንፈሳዊ ስልጠናታትን ሱባኤታትን ዝኾና ኢያተን።
ምስኣተን ድማ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ሊቀ-ጳጳሳት ላክሰምበርግን ዋና ጸሓፊ ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ከምኡውን ብፁዕ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦማሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኢዮም ዝነበሩ።
ኣብ መንጎ እቶም ደረስቲ እተገብረ ዘተታት
እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብቲ ኣብ 5 ለካቲት እተካይደ ህያው ዘተ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካርዲናላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዝቐረበ ዘተታት ናይቶም እቶም ደረስቲ እዛ መጽሓፍ ዘቕረብዎ "ጽሑፍን" ዝተመርኮሰ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጀመርታ ግዜ ንሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት ሥነ መለኮት ኣብቲ ኣኼባ ክካፈላ ጻውዒት ኣቕረበለን ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገለጽዎ ድማ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ኣገልግሎትን "ብድሆ" ዝኸውን ሓሳባት ከቕርባ ጻውዒት ኣቕረቡለን።
እታ ብ9 ሓምለ እተሓትመት ሓዳስ መጽሓፍ ደድሕሪ እቲ ክብርቲ እናቴ ሊንዳ ፖቸርን ካልኦት ደረስትን ዝጸሓፍዎ "ንቤተ-ክርስትያን ካብ ተባዕታዊ መንነት ንምቕያር " ዘርእስታ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ዝሰዓበት ኢያ፣ እዚ ስያመ እዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ሥነ-መለኮት ተራኾቦም ኣብ እተዛተዩሉ እዋን እተጠቕመላ ቃል እያ ዝነበረት።
ኣቅላስያውያን ኣገልገልቲ፦ ኣገዳሲን ተኣፋፍን ኣርእስቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብቲ ትማሊ ኣቲ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 12 ሓምለ ኣብቲ ሎዞርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ብምልኣት እተሓትመ መቕድም ካብቲ ቀንድን መሰረታውን ሓሳብ ዘመነ ጵጵስናኦም ኣትሒዞም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘስተንትኑሉ ዘለዉ ኢዩ - "ክውንነት ኻብ ሓሳባት ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ።" ድማ ይብሉ።
እዚ መሰረታዊ ሓሳብ እዚ ነቲ ክብርቲ እናቴ ሊንዳ ፖቸር ንቤት ምኽሪ ካርዲናላት ብዛዕባ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣቅላሲያዊ ማሕበረሰብ ዘለወን ኣገዳስነትን ተኣፋፍን ጕዳይ ኣገልግሎተን ኣብ ዝምልከት ምዃኑ ዘለወን ዕጋበት ገለጸ።
ዘሕዝን ፍጻመ ዓመጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ዝውረዶ ቕልውላው ምስ ቀሲሳውነት ምቅላስ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም ኢዮም፣ እዚ ድማ ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ- ክርስትያን ዘሎ ንስልጣን ብዘይግባቡ ምጥቃም እውን ዘጠቓልል ኢዩ፣ እዚ ድማ ንተራ ሰባትን ደቂ-ኣንስትዮን እውን ዝትንክፍ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ "ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዚረኽባኦ ሓጐስን መከራን ንምስማዕ እንገብሮ ጻዕሪ ብርግጽ ንኽውንነት ክፉታት እንኾነሉ መገዲ እዩ" ይብሉ። "ብዘይ ፍርድን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ምስ እንሰምዐን፣ ኣብ ብዙሕ ቦታታትን ኣብ ብዙሕ ኵነታትን እንታይነተንን እንታይ ይገብራ ከም ዘለዋን ኣፍልጦ ስለ ዘይወሃበን ከምኡ ውን ቦታን ኣጋጣምን እንተ ዝረክባ እንታይ ክገብራን ክኾናን ከም ዝኽእላ ብልክዕ ከም ዝተሳቐያን ክንግንዘብ ኢና። እተን ብዙሕ መከራ ዝወረደን ዘሎ ደቂ-ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣምላኽን ንመንግስቱን ንምግልጋል ዝያዳ ድሉዋት ከምኡ ውን ቅሩባት ኢየን።" ይብሉ።
ንኽውንነት ኣብ መሰውኢ ሓሳባት በጃ ምግባር
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ዘመናዊ መዋእል ተጻዊዱላ ዘሎ "መጻወድያ " ምእንቲ ኸይንወድቕ ማለት "ካብ ክውንነት ንላዕሊ ንሥነ ሓሳባት ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎን እሙንን ጌርና ብምውሳድ" ንክውንነት ዘይኰነን ነቲ ክውንነትን ክንምርምር ጻውዒት የቕርቡልና ኣለዉ ።
"ክዉንነት ግን ወትሩ ግዜ ካብ ሥነ-ሓሳብ ዚዓቢ እዩ፣ ሥነ መለኮት ኣብ መጻወድያ ንጹርን ፍሉይን ስነ-ሓሳባት ምስ ዚወድቕ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ዓራት ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ከም እንወድቕ ኢዩ ዝገብረና፣ ነቲ ኽውንነት ወይ ገለ ኽፋሉ ድማ ኣብ መሰውኢ ናይ ሥነሓሳባት በጃ ንገብሮ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕልሑ።
ስለዚ እቲ "ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎትን ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን" ዘርእስቱ መጽሓፍ ዘለዎ ጥቕሚ "ካብቲ ሓሳብ ዘይኰነስ ካብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ዘሕልፋኦ ዘለዋ ተመክሮ ጥበባዊ ትርጕም ክውንነት ብምስማዕ ኢዩ ዝጅምር።" ይብሉ ቅዱስነቶም።
ተራ ደቂ ኣንስትዮ መምርሒ ትግባሬ ሲኖዶስ ጳጳሳት
ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተሓትመ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ መደባት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት እውን መልሲ ተዋቢብዎ ኣሎ ። እቲ ሰነድ ንህያባትን ጻዋዕታን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ኣፍልጦ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ፣ እዚ ኸኣ ኣተሓሳስባኦም ናብቲ ንሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ዝሓበሩሉ ኣብ ክርስቶስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎም ርክብን ሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ከምኡ ውን ዘቀራርቦም ኣረኣእያ ክቕየር ከም ዘለዎ ዝጣበቕ ኢዩ።
ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሪች ብዛዕባ ዲቁና ደቂ-ኣንስተዮ እንክገልጹ ሓደ ኻብቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቘምዎ ጕጅለታት መጽናዕቲ ኣብ እተወሰነ ኣርእስትታት ኣዕሚቖም ብምስትንታን ኣብቲ ዝመጽእ ጉባኤ ሲኖዶስ መልሲ ከም ዘይወሃቦ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብምትሕብባር ንጉዳይ ዲቁና ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንዝሰፍሐ መጽናዕቲ ብሕድሪ ተዋሂብዎም ከም ዘሎ የመልክቱ ።
እዚ ዕዮ እዚ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብዛዕባ ጕጅለታት መጽናዕቲ እተኣወጀ ሰነድ ተወሲኑ ዘሎ፣ ነቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ "እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርኦ ኣበርክቶ ዝያዳ ኣፍልጦ ንኽወሃቦን ንኸማስወሉን ከምኡ ውን ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን እተዋህበን ናይ ጕስነት ሓላፍነታት ንኽውስኽ" ዘለዎም ባህጊ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ።