ፍራንቸስኮ፡ ‘ዘተ ንኣጽዋር ይተክእ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ንዝርከቡ ግዳያት ግጭትን ድኽነትን ንዝኾኑ ክንክን ጥዕና ዘቕርብ ትካል ግብረ ሰናይ “ህጹጽ እዋን” ኣባላት ጨንፈር ሮማ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ነቲ ውግእ ንጹግ ዝብል ዓንቀጽ 11 ቅዋም ኢጣልያ ብምጥቃስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተዋጋእቲ ጕጅለታት ናብ ናይ ዘተ መድርኽ ክመጹን ግጭታት ከቋርጹን ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ንዓንቀጽ 11 ቅዋም ኢጣልያ ከም ዝድግፍ ኣመልኪቶም፡ እዚ ድማ "ኢጣሊያ ንውግእ ከም መሳርሒ በደል ኣንጻር ናጽነት ካልኦት ህዝብታትን ከም መፍትሒ ኣህጉራዊ ዘይምርድዳእን ትነጽጎ” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥
“ኲናት ከም መሳርሒ በደል ኣንጻር ሓርነት ካልኦት ህዝብታትን ከም መሳርሒ ኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕን ምኽሓድ”
ዝብል ጠቒሶም ነዚ ዓንቀጽ እዚ ኩሉ ህዝብታት ክዝክርዎን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ብምምሕጻን፥
“እዚ መትከል ኣብ መላእ ዓለም ይተግበር: ውግእ ክእገድን ጉዳያት ብሕግን ዘተን ክፍታሕን ኣጽዋር ስቕክ ክብልን፡ ኣብ ክንዲ ንውግእ ንዘተ ቦታ ምሃብ የድሊ!
ምስ በሉ ኩሎም “ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሚያንማር፡ ደቡብ ሱዳን” ሰላም ክወርድ ኣብ ጸሎት ክሓብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ንግዳያት ውሕጅ ኣብ ስጳይና ሓገዝ ምቕራብ
ቅዱስነቶም ሓሳባም ናብቲ ኣብ ቫለንሽያን ኣብ ካልእ ክፋላት ስጳይናን ብውሕዱ 214 ሰባት ዝቐዘፈን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሃለዋቶም ዘጥፈአን ኣዕናዊ ዕልቕልቕ ንዘጋጥሞ ዘሎ ህዝቢ ኣቕኒዖም፥
“ንቫለንሲያን ካልኦት ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣዝዩ ዝሳቐይ ዘሎ ህዝብታት ስጳይናን ጸሎትና ካብ ምቕራብ ኣይንጒደል፥“ነፍሲ ወከፍና እምበኣር ንህዝቢ ቫለንሲያ እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ፧ ይጽልን ገለ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ይነጥፍ ኣሎኹዶ? ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ቫለንሲያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ስጳይና ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጎድኡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቫላዶሊስ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ኻቪየር ኣርጐሎ ግራሲያ ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ “ኣብዚ ጽንኩር ኣዕናዊ ህሞት ቀረባኹም እየ ምእንታኹም ድማ እጽሊ፡ ሓዋርያዊ ቡራኬይ እውን እመሓላልፈልኩም” ከም ዝበሉ ኣዘኻኺሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብጀካ እቶም ድሮ ተዋፊሮም ዘለዉ 2500 ወተሃደራት፡ ተወሳኺ 5,000 ወተሃደራት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ድልያ ሃለዋቶም ዘይተረኽቡን ጽሬትን ክሕግዙ ከም ዝለኣኹን ሰብመዚ ዞባ ቫለንሲያ ዕለት 2 ሕዳር ምሸት፡ በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ 214 ከም ዝበጸሐ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።