ድለ

2023.09.27 Udienza Generale 2023.09.27 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ልኡካነ ወንጌል በቲ ናይ ቤተክርስትያን ቛንቋ ፍቕሪ ይዛረቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ በቶም ኣብ መላእ ኣመሪካ ንዝርከቡ ልኡካነ ወንጌል እተገብረ ዋዕላ ንተልእኾ ወንጌል ቤተ-ክርስትያን በቲ ዅሎም ደቅሰብ ክርድእዎ ዝኽእሉ ናይ ፍቕሪ ቛንቋ ንሰባት ክዛረብዎም ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ትማሊ ሓሙስ ነቶም 1,300 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ዕእለት 19-24 ኣብ ፖርቶ ሪኮ እትርከብ ከተማ ፖንሰ እተገብረ ሻድሻይ ዋዕላ ልኡካነ ወንጌል ኣመሪካ (CAM6) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ካብ እተፈላለየ ኽፍለ-ዓለማት ኣመሪካ ዝመጹ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ትሕቲ እቲ "ልኡካነ ወንጌል ብመንፈስ ቅዱስ - ናብ ጫፍ ምድሪ" ዝብል ኣርእስቲ ዋዕላኦም ንምክፋል ተኣከቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ብፁዕ ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪኬ ፖራስ ካርዶዞ ልሒቅ ሊቀጳጳሳት ሰበኻ ካራካስ ከም ጳጳሳዊ ልኡኽ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቶም ኣምላኽ "ፍቕሩ ኣፍሲሱ ንገጽ ምድሪ ምእንቲ ኼሐድሶ " ንዅሎም ልኡካነ ወንጌል ናብ ቅድስቲ ስላሴ ብተደጋጋሚ ኺጽልዩ ኣተባብዕዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብብሕቲ እንገብሮ ፍቕራዊ ርክብ እተመርኰሰ ምዃኑ ብምግላጽ መሰረት ናይ ወንጌላውነት ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣስተንተኑ።

"ዘይብልና ኽንህብ ኣይንኽእልን ኢና" ድማ በሉ። ነቲ ዘይተመከርናዮ ኣዒንትና ዘይረኣያኦ ወይ ኣእዳውና ዘይተተንከፋኦ ኽንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና" ውን በሉ።

ክትቈጻጸሮ ዘይከኣል ክርስትያናዊ ሓጐስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣቦኡ ግዜ ወሲዱ ድሕሪ ምጽላዩ ካብ ልቡ ተበጊሱ እተዛረቦ ተልእኾ ወንጌላዊ መልእኽቲ ኢዩ ነይሩ ።

ኵሎም እተጠምቁ ክርስትያን ምእመናን "ንኣምላኽ ኣብ ዓለም ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ርሕሩሓትን ተቐበልትን ለዋሃትን ፈቃራትን ዚጥምታ ኣዒንቲ 'ንክርስቶስ' ኪርእያኦ" ኸም ዘለዎም ገለጹ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ክርስትያናት ነቲ ዝተንስአ ጐይታ ብሓቂ ምስ ረኸብናዮ ሓጐስና ኽንቈጻጸሮ ኸም ዘይክእል ገለጹ ።

መንፈስ ቅዱስ ነዚ ሓጐስ እዚ ብቓላትን ምስክርነትን ክንገልጾ ኸም ዘኽእለና ውን ኣመልከቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ከምዚ በሉ - "በቲ ህይወት ዝህብ ሓይሉ ኣቢልና ነቲ መልእኽቲ ብዅሉ ቛንቋታት ከነመሓላልፎ ንኽእል ኢና ከመይሲ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ዅሉ ስለ እትዛረቦ ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኵሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኢያ እትዛረብ፣ እዚ ኸኣ ክፍሊ ናይቲ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ባህሪና ስለ ዝዀነ ንዅሎም ደቅሰብ ርዱእ ዝዀነ ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ኢዩ።"

መንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ኣዕሚቝና ይመርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ልቦም ብሓድነትን ብምስማዕን ክሰፍሕ ንልኡካነ ወንጌል ዓደሞም ።

"ንገጽ እዛ ምድሪ እዚኣ ንምሕዳስ ብሰንኪ ምጕዳል ፍትሕን ብሰንኪ እቲ ዘምጻእናዮ ስቓይን ዝቘሰለ ፍቕሩን ህይወት ዝህብ መንፈሱን ከፍስስ ተሓሊልና ንጸሎትና ኽንገድፎ የብልናን" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብነት ወንጌላውነት ከም ዝዀነት ንዅሎም ደቂ ሰብ ከም እትሕግዞም ኣመልከቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ከምዚ ክብሉ ጸለዩ - "ነቲ ዘኣየትና ርእሰ-ግት ብምስዓብ፣ በቲ ኣደነታን ሓልዮታን ክሳዕ መወዳእታ ምድሪ ወትሩ ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ንኹን" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

22 November 2024, 16:54