ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኢዮቤል፡ ጸጋ ዝመልአ ዕድል ርክብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል ደሃይ መለኸት ድዑል ዮቤል ተባሂሉ ይጽዋዕ ከም ዝነበረን፣ እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍሸት ድማ እታ ቃል “ኢዮቤል” ትቃላሕ ከም ዝነበረትን እዚ ኸኣ ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝኣዘዞ ፍልይቲ ዓመት ከም ዝጀመረ ዜመልክት እዩ ነይሩ።
ኢዮቤል፡ ናይ ምሕዳስ ግዜ
ዓመት ኢዮቤል ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣገዳሲ ዝዀነ ልምድታት ዘመልክት እዋን ድሕነትን ሕዳሴን እዩ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ እታ ምድሪ ናይ ኣምላኽ ምዃናን ብደቅሰብ ክትምዝመዝ ዘይኰነስ መጋቢት ክትኮኖ እዩ ዝተሃበቶ፡ ውህበት ምዃና ዘዘኻኽር እዩ። ማሕበራዊ ፍትሒ ንምምላስን ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓምሳ ዓመት ዚፍጸም ንዝነበረ ዘይማዕርነት ንምእላይን ሕድገት ዕዳታት ዝግበረሉን እዋን እዩ። እቶም ጊላዎት ሓራ ዝወጽሉን እዚ ድማ ነቲ ኻብ ጭቈናን ኣድልዎን ናጻ ዝዀነ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዝነበሮ ሕልሚ ዘጽንዕ እዩ።
ናይ ተስፋ ጉዕዞ
ኢየሱስ ኣብ ምኩራብ ናዝሬት ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ንኣምር ኢዮቤል ተቐቢሉ ሓድሽን ናይ መወዳእታን ትርጉም ሂብዎ። ኣብ ምድሪ ገጽ ኣምላኽ ምዃኑ ርእሱ ገሊጹ፣ ነቶም ድኻታትን ሓራ ምሩኻትን ክብጀው፣ ኣብ ልዕሊ ውጉኣትን ዝወደቑን ተስፋ ዘይብሎምን ርህራሄ ኣቦ ክገልጽን ተላእከ። ኢየሱስ ንደቂ ሰባት ካብ ኩሉ ዓይነት ጊልያነት ሓራ ከውጽኦምን ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍትን ነቶም ውጹዓት ሓራ ከውጽኦምን እዩ መጺኡ (ሉቃ 4, 18-19)። እቲ መሲሓዊ ተልእኾኡ ንኹሉ ዓይነት ወጽዓ ደቂ ሰባት ዝምልከት ትርጉም ኢዮቤል ኣስፈሖ። ነቶም ብሓጢኣትን ኢድ ብምሃብን ተስፋ ብምቑራጽን ዝተኣስሩ ናጽነት ዝህብ ናይ ጸጋ ህሞት ኮነ። ንኣምላኽ ከይንራኸብን ንኻልኦት ንኸይነለልን ዝዓግተና ውሽጣዊ ዑረት ንምፍዋስ ከም ዕድመ እውን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ምስ ጎይታ ናይ ምርኻብ ሓጐስ ዳግማይ ኣበራበሮ፣ እዚ እውን ሰባት ብሓድሽ ተስፋ ንጉዕዞ ሕይወት ዳግማይ ክጅምሩ ኣኽኢልዎም እዩ።
ምስ ኢየሱስ ምርኻብካ ዘስዕቦ ሓጐስ ዳግማይ ምርካብ
ካብ 1300 ዓ.ም. ኣትሒዙ ር.ሊ.ጳ. ቦኒፋዚዮ ሻምናይ ናይ መጀመርታ ኢዮቤል ካብ ዝእውጁ ኣትሒዙ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነጋድያን ናብ ሮሜ ከም ዝነገዱን። እቲ ደጋዊ ጕዕዞኦም ብድሆታትን ቃልሲታትን ዝተመልአ ክነሱ ብተስፋ ወንጌል ተመሪሖም መዓልታዊ ናብራኦም ኬተዓራርዩ ዝገብርዎ ዝነበረ ጻዕሪ ንውሽጣዊ ባህጊ ምሕዳስ ዘመልክት እዩ ነይሩ። ኣብ ልቢ ሰባት ሓጐስን ዕጋበትን ንምርካብ ሃረር ዝብል ዘይብተኽ ጽምኢ ኣሎ። ሰባት ኣብ ህይወቶም ስግኣት እናኣጋጠሞም ክነሱ ጥርጣረን ምጥርጣርን ተስፋ ምቝራጽን ኬሰንፉ ሃረር እዮም ዚብሉ። እቲ ተስፋና ዝዀነ ክርስቶስ ነዚ ውሽጣዊ ባህግታት ናባና ብምምላስ ነቲ ምስኡ እንረኽቦ ሓጐስ እንደገና ኽንረኽቦ ይዕድመና። እዚ ዅነታት እዚ ንህይወት ዝቕይርን ዝሕድስን እዩ። ከምቲ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበለዎ፥ "ክርስትያናዊ ህይወት ንተስፋ ንምዕንጋልን ንምድልዳልን ፍሉይ ኣጋጣሚታት ዝሓትት ጕዕዞ ኢዩ፡ እዚ ድማ እቲ ምስ ክርስቶስ ጎይታ ምርኻብ ዝብል ሸቶና ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ንሱ ባዕሉ መተካእታ ዘይብሉ ብጻይና ኢዩ (ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል እርእስቲ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ ፍቕዲ ሓሙሽተ ተመልኪቶ ከም ዘሎ)።
"ቅዱስ ማዕጾ፡ ናብ ሓድሽ ህይወት ዝወስድ መሕለፊ
ኢዮቤል ሓደ ካብዞም ኣገደስቲ ህሞታት እዩ። ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾ ኣብ ዋዜማ ልደት ምሳሌ ምሕላፍን ወይ ምስግጋር - መንፈሳዊ ሕዳሴ - ከምኡ'ውን ነቲ ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ዝጽገው ሓድሽ ህይወት ንምሕቋፍ ዝግበር ዕድመ እዩ። ሕጂ ውን ሮማ ከምቲ ኣብ 1300 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ ኢዮቤል ቤተ ክርስቲያን ዝገበረቶ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ክትቅበል እያ። ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ካብ ሰሜን ዝመጹ ፈለስቲ ንመጀመርታ ግዜ ነታ ዘልኣለማዊት ከተማ ንምርኣይ ናብ ኮረብታ ማሪዮ ክድይቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ደቡብ ዝመጹ ኮይኖም፡ ኣብ ውሕጅ ተቨረ ብጀላቡ ይጓዓዙ ከም ዝነበሩን፡ ኩሎም ድማ ኣብ ቅዱስ ማዕጾ በጺሖም ብኣኡ ንኽሓልፉ ዝነበሮም ዓሚቝ ሃረርታ ተኻፊሎም እዮም። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኢዮቤል ነጋድያን ምስ ጽባቐ ሮማ ይራኸቡ ከም ዝነበሩን እዚ ድማ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ እዩ።
ሮማ: ተቐባሊትን ኣእንጋዲትን ከተማ
ንኢዮቤል፡ ጽርግያታት ንምምሕያሽ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንምዕባይ፡ ሓወልትታት ንምሕዳስን እታ ከተማ ዘመናዊ ንምግባርን ፍሉይ ጻዕርታት ይግበር። ይኹን እምበር፡ ኪኖ እቲ ናይ ከተማ ምድላዋት፡ ኢዮቤል ንሮማ ፍሉይ ጸዋዕታኣ ክትሓቁፍ ዝላበው ወይ ዝጽውዕ ኩነት እዩ። እታ ከተማ፡ ናይ ምቕባልን ምእንጋድን ቦታ፡ ስፍራ ብዙሕነትን ዘተን፡ ሕብርታት ዓለም ከም ቅንስል (Mosaic) ዝራኸብሉ ናይ ሕብረ - ባህላዊ ማእከል ክትከውን ትዕደም።
ሮማ ኣብቲ ክቡር ሕሉፍ ህይወታ ሱር ዝሰደደት ግን ከኣ ብዘይ መሰናኽል፡ ኣድልዎ ወይ ዘይምትእምማን መጻኢ ንምህናጽ ዝኣተወቶ ቃል ዘለኣለማዊ መንፈስ ከተቃልሕ ትኽእል እያ። እዚ እዩ እቲ ክንሕብሕቦ ዘለዋ ሕልሚ፡ ሮማ ንጽባቐ ክርስትያናዊ ውርሻኣ ንዓለም ክትገልጽ እያ- ብጽባቐ ስነ - ጥበባ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ተወፋይነት ምቕባልን ምንጋድን ነጋድያንን ሕውነትን እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ልብን ነፍሲ ወከፍ ጎደናን እዛ ከተማ ብታሕጓስ
“ዘይትመውት ከተማ ሰማእታትን ቅዱሳንን ሮማ . . . ሓቅን ፍቕርን ደኣ እምበር ሓይሊ ዀነ ራዕዲ ኣይክስዕረክን እዩ” ዝብል ከምቲ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰንደቓዊ መዝሙር እነንብቦ።