ር.ሊ.ጳ.፦ ነቶም ብዘስካሕክሕ ብርቱዕ ውሕጅ ዝተጎድኡ ኣርጀንቲናውያን ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ ር.ሊ.ጳ.፦ ነቶም ብዘስካሕክሕ ብርቱዕ ውሕጅ ዝተጎድኡ ኣርጀንቲናውያን ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፦ ነቶም ብዘስካሕክሕ ብርቱዕ ውሕጅ ዝተጎድኡ ኣርጀንቲናውያን ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕክምና ኣብ ዝርከብሉ ጀመሊ ቤት ሕክምና ሆስፒታል ኣብ ኣርጀንቲና ወደባዊት ከተማ ባህያ ብላንካ፣ ነዛ ወደባዊት ከተማ ቀረባ ዝኾነተ ከተማ ሰሪ ብክፋል ዝሃሰየ ብርቱዕ ዝናም ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ዘስዓቦ ማህሰይትን ዕንወትን ምስ ተሓበሩ ነቲ በቲ ውሕጅ ዝተጎድአ ህዝቢ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ዘረጋገጽሉ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብይብጻሕ ንናይ ሰበኻ ባህያ ብላንካ ሊቀ ጳጳሳት ካርሎስ ኣልፎንሶ ኣዝፒሮዝ ኮስታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፣ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ንዝተሃሰየ ህዝቢ ከተማ ባህያ ብላንካን ሰሪን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፡ እቲ ዘጋጠመ ብርቱዕ ውሕጅ ስዒቢ ዝወረደ ማህሰይትን ዕንወትን ዘሕዝን ፍጻመ እንክብሉ ገሊጾም፣ በቲ ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ክልተ ደቂ ሓደን ሓሙሽተን ዓመት ኣሕዋት ዝርከብዎም ብውሑዱ 16 ሰባት ከም ዝሞቱን ሰለስተ ሰባት እውን ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ኣርጀንቲና ተወክሱ የመላኽት።

መንፈሳዊ ቅርበት ቅዱስነቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም በቲ ኣብ ከባቢ ባህያ ብላንካ ዝርከብ ዞባ ዝጸለወ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ እዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተለን ሰፊሕ ዕንወት ከምዘስዓበን እውን ኣስተብሂሎም፣ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ፈተውቶምን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሄር ተማሕጺኖም፣ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹን፥ “እግዚኣብሔር ንሓዘንተይናታትን ንኹሎም ኣብዚ ናይ ሓደጋን ዘይርጉጽነትን ህሞት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ምጽንናዕ ክህብ፣ ጐይታ ንኹሎም ነቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ንምድላይን "ንመሰረት ዳግመ ህንጸት ዝዓነወ ዞባ" ንምፍጻም ቃል ዝኣተዉን ዝተዋፈሩን ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን "ብጸጋኡ ክድግፎም እጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማርያም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሰባት ተማልድ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም በዚ "መዓት" እዚ እተተንከፉ ቅድስተ ድንግል ማርያም ንኢየሱስ ክርስቶስ ወዳ ከተማልድ ተማሕጺኖ፣ ንኹሎም ቅርበቶምን ጸሎትም ኣረጋጊጾም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን

ካብ ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት እትሒዞም ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ በርገሳዊ ጉጅለ ሓለዋ፡ ሓይልታት ጸጥታን ኣባላት ሃይሊ ምክልኻልን ነቶም ሃለዋቶም ገና ዘይተረኽበ ሰለስተ ሰባት ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ከም ዘለዉን

ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ህጹጽ ኩነታት፡ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ዘይተመልሰ ብምዃኑ፡ ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ዝወረደ ዕንወት ገምጋም ንምቕራብ ዝካአል ከም ዘይኮነ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ኻቪየር ሚለይ ንሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ መዓልቲ ሃዘን ከም ዝኣወጀ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Mar 2025, 16:16