ድለ

LEBANON VATICAN LEBANON VATICAN  (ANSA)

ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር ቅድሚ ናብ ክሮኤሽያ ምብጻሕ ምክያዶም ንዲሞክራስያዊ ጕዕዞ እታ ሃገር ንኢዶም

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዘዕረዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ ሃገረ ክሮኤሽያ ትገብሮ ዘላ ደሞክራስያዊ ጕዕዞ ንኢዶም፣ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ውን ጸሎት ክገበር ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ኣህጉራውያን ውድባን ካብቲ ናብ ክሮኤሽያ ዝገብርዎ ምብጻሕ ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ፣ ነቲ ብ30 ግንቦት 1990 ብዲሞክራስያዊ መገዲ እተመርጸ ናይ መጀመርታ ባይቶ ብምዝካር ነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተረኽቡ ምእምነናን "ስለ ውህበት ናጽነትን ሰላምን" እታ ሃገር ንኣምላኽ ከመስግንዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ብተወሳኺውን ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር ንዅለን ብውግእን ግጭታትን ዝተሳቐያ ዘለዋ ሃገራት "ሰላም ክወርደለን ክጽልዩ" ተማሕጸንዎምም፣ በዚ ከምዚ ከአ ንኣመንቲ "ምእንቲ ሰላም ዝግበር ጻዕሪ" ቅዱስ ግዴታና ደኣ እምበር ብሳላ እቶም ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዝርከብ ከም ዘይኮነ ኣጕልሑ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ነዚ ሓሳባት ዘቕረብዎ ንሃገራዊ መዓልቲ እታ ሃገር ዕለት 28 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጅሮም ቤተክርስትያን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ ዝነበረ።

ኣምላኽ ውሽጣዊ ሓርነት ይህብ

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣብ ስብከቶም ኣብቲ ንኢየሱስ ምስዓብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣተኲሮም እንከስተንትኑ፣ ንኢየሱስ ኣብ ምስዓብ ጸገማትን መስጐጕትን ጸገማትን ኬጋጥመና ኸሎ "ዝዓበየ ብስለትን ሕልና ዘለዎ ሓላፍነትን ንምርካብ ከም ኣጋጣሚ ጌርና ኽንቅበሎ እንተ ኽኢልና ንኽንዓቢ ይሕግዘና፣ ኵሉ ነገር እናሃለወ ኽነሱ ድማ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ድሕነት ወትሩ ግዜ "ነቲ ግላዊ ተጸምዶና ዝሓትት" እኳ እንተዀነ "ኣብ መወዳእትኡ ግን ወትሩ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኢዩ" ብምባል ገለጹ።

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ "ኣባኡ ጥራይ ምእንቲ ክንውከል ውሽጣዊ ዀነ ደጋዊ ናጽነት ካብ ስጋዊ ንብረትን ካብ ካልእ ናይ ሓሶት ሰብኣዊ ድሕነት ብምንጋፍ ኬድሕነናን ልቢ ሰብ ኪቕይርን ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ።"

ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ዝበሎም "ቤት ወይ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ወይ ኣደ ወይ ኣቦ ወይ ውሉዳት ወይ ግራውቲ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን" ገዲፉ ዝኸይድ ዝዀነ ይኹን ሰብ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ መዋእል "ሚእቲ ካዕበት" ከምኡ ውን ኣብ ዝመጽእ ዓለም "ዘለኣለማዊ ህይወት" ክረክብ ምዃኑ ከም ዝነገሮም ዘዘንትወልና ጥቕሲ ወንጌል እንከስተንትኑ ብፁዕ  እቲ ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር "ኢየሱስ ከም ዝበሎ ደቀ መዛሙርቱ ንኽንከውን ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ክንንዕቆም ክንጥንጥኖምን ኣሎና ማለት ኣይኰነን" ድማ በሉ፣ የግዳስ "ኣብቲ ሃብቲ ንርእስና ዘይኰነስ ንኻልኦት እነካፍሉ ክርስቶሳዊ ብፍቕሪ ኣብ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ማእለያ ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ውሉድን ኣዴታትን ኣቦታትን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም" ኢዩ ዝብለና ዘሎ በሉ።

ስለዚ "እቲ ተፈጥሮኣዊ ስድራቤት ምስቲ ዅሉ ሰብ ብፍቕሪ ዅሉ 'ዝጾሮ' ዓብዪ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኺነጻጸር ከሎ ንእሽቶ እዩ።" ድማ በሉ።

ርክባት ቅድስቲ መንበርን ክሮኤሽያን

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ንክሮኤሽያ "ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እታ ሃገርቭ ብዙሕ ውግኣት እኳ እንተ ተገብረ ምስ ቅድስቲ መንበር ዝነበራ ርክብ ፈጺሙ ኣይሃሰሰን " ብምባል ነታ ሃገር ናብ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ብፁዕ ካርዲናል ኣሎይዚየ ስተፒናክ ኣወፈይዋ ።

30 May 2024, 14:34