ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ክሮኣሽያ ዑደት የካይዱ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ክሮኣሽያ ዑደት የካይዱ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ክሮኣሽያ ዑደት የካይዱ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ክሮኤሽያ ንበዓል ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት በዓል ንኽሓብሩ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉን ብጀካ እዚ እውን ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ክራኸቡን ኣብ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ክሮኤሽያ ኣስተምህሮ ከቕርቡን መደብ ከምዘለዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ካብ ዕለት 30 ግንቦት ጀሚሮም ኣብ ክሮኤሽያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት የካይዱ ከም ዘለዉን፥ እዚ ምብጻሕ እዚ ናይ ዛግረብ ሊቀ ጳጳሳት ድራዘን ኩትለሻ ንበዓል ናይታ ሓላዊት ቅድስቲ ርእሰ ከተማ ክሮኤሽያ ዝኾነት ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ንኽሳተፉ ብዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ዘለዉ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

መደብ መገሻ

ብመሰረት መደባቶም ሊቀ ጳጳሳትጋላገር ምስ መራሔ መግንስቲ ክሮኣሺያ ኣንድሬጅ ፕለንኮቪችን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ርክባት ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ጎርዳን ግርሊች - ራድማንን ክራኸቡ እዮም።

ብተወሳኺ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ክሮኣሽያ ክሳተፉን፡ ኣብኡ ድማ ኣስተምህሮ ከቅርቡን እዮም፡ ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፥ ኣብ ካቴድራል ዛግረብ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ዝዓርግ ብፁዓን ጳጳሳት ክሮኣሽያ ዝሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ስብከት ክልግሱን እዮም።

ቅዳሴ ንመዓልቲ ሃገርነት

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 28 ግንቦት መዓልቲ ሃገርነት ክሮኣሺያ ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ሄሮኒሞስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብቲ ጽምብል ኣብ መንጎ እታ ሃገርን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ዝምድና “ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ግጭታት እኳ ዘሕለፈ እንተኾነ ፈጺሙ ከምዘይተበትከ” ኣመልኪቶም፥ ኣብ ስብከቶም ምእመናን ምእንቲ ኩሎም ብውግእን ግጭታትን ንዝሳቐዩ ህዝቢ ክጽልዩ ዓዲሞምን ንውህበትን ሓርነትን ሰላምን ክሮኣሽያ ንኣምላኽ ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 May 2024, 14:29