ካርዲናል ፓሮሊን መበል 60 ዓመት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ይዝክሩ ካርዲናል ፓሮሊን መበል 60 ዓመት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ይዝክሩ  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን መበል 60 ዓመት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ይዝክሩ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ተዓዛቢት ሃገር ኣባል ዝኾነትሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ሚድታውን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ስድራ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስቶም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዘለዎም ኣባላት ልኡካነ መንግስታት ፈተውቲ ተልእኾ ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓዊሱ ምስቶም ዝተኣከቡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ተዓዛቢት ሃገር ብዝብል መጸውዕ ኣባል ዝኾነትሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ቅዳሴ ከዕርጉ ዝተሰምዖም ባህታ ገሊጾም፡ ቅዱስ ቁርባን ማለት ‘ምስጋና’ ማለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ብምቕራብ ንእግዚኣብሔርን ንደቂ ሰባትን ህያብ ብምግባር ዘቕረቦ ምስጋና እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ቅድስቲ መንበር ከም ተዓዛቢት ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ዝኾነትሉ መበል 60 ዓመት ብመስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ምዝካር ካልእ ዝዓበየ ነገር የሎን ቢሎም፡ ንኹሎም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናተይን ስለቲ ምሕዝነትን፡ ነዚ ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ተልእኾ ብብዙሕ ዝተፈላለየ መገዲ እተቕርብዎ ደገፍን ምስጋና አቕርብ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዕድመ ጎይታ

"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ህላወ ቅድስቲ መንበር ንንኣሽቱ ኰነ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰባት ንምግልጋል ዝግበር ርትዓዊ ኣተሓሳስባ” መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጾም፥ ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ስሳ ዓመት ተዓዛቢት ብዝብል መጸውዕ ኣብቲ ውድብ ህልውቲ ኮይና ካብ እትሓብር ኣትሒዛ፡ ንሰብኣዊ ኽብርን ሰብኣዊ መሰላትን ብኸመይ ከም እትጣበቐ ኣስተብሂሎም፥ "ብፍላይ እቲ ልዕሊ ዅሉ መሰረታዊ መሰል ህይወት ኢዩ” ምስ በሉ

ኣተሓሒዞም ንማሕበራዊ ፍትሕን ቍጠባዊ ዕቤትን ንተፈጥሮ ዕቝባ እትጣበቕ ከምኡውን ነቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕሚ ዘይብሎምን እተረስዑን ንምጥባቕ ደኺመ ከይበለት ድምጺ ምዃና ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ከም 'ክኢላ ሰብኣውነት'

ካርዲናል ፓሮሊን ንር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ጠቒሶም፣ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ መንበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቅድስቲ መንበር ተልእኾኣ “ነቲ ውድብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥበብ ከተበርክትን ክኢላ ሰብኣውነት ዝብል እዩ” ከም ዝበሉ ዘኪሮም "ንኢየሱስ ክንስዕብ እንተደሊና ንሱ ባዕሉ ዝደለዮ መንገዲ ክንክተል ኣሎና እቲ ዝገለጾ መገዲ ድማ መገዲ ኣገልግሎት እዩ . . . ንዝተጸገሙን ዝተሓረጉን ብግዲኦም ክህቡ ንዘይክእሉን ኣብ ሓሰርን መከራን ንዘለዉ ምግልጋል . . . ነቶም ኣብ ወሰን ዘለዉን ሸለል ዝበሃሉ ንምቕባል ነቲ ኣብኦም ዘሎ ንኢየሱስ ምቕባል ድማ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ዝነብር ክውን ንምግባር ዳግማይ ቃል ምእታው

ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብዛ "ብጸቢብ ረብሓታት እናተበታተነት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ "ኩላትና ኣባላት ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራቤት ምዃንና ክንዝክር ኣለና . . . ስለዚ፡ ሰላም፡ ፍትሕን ሰብኣዊ ክብርን ጥራይ ባህጊ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ውሑስ ዝኾነሉ ክውን ዝኾነላ ዓለም ዳግማይ ንሕሰብ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ፍረ ብዘለዎ ምትሕብባር ንዝሓሸ ዓለም ምስራሕ

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ፍረ ዘለዎ ምትሕብባር ንወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ሃገራትን ድማ ኣመስጊኖም፥ "ዝቕጽሉ 60 ዓመታትን ኪኖኡን፡ ብሓባራዊ ክብርታትናን ንዝሓሸት ዓለም ዘለና ሓባራዊ ተስፋን ተመሪሕና፡ ብስኒት ብሓባር ክንሰርሕ የብቅዓና ምስ በሉ፥ ብተመሳሳሊ ንኹሎም ቀወምትን ተዓዘብትን ኣባላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ተሓባበርቶምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህላወ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘረጋገጹን . . . ነቲ ኣብ እምነትን መርትዖን ሱር ዝሰደደ መልእኽቲ ፍቕሪ ንምዋጅ ድምጺ ዝኾኑን ብስም ቅዱስ ኣቦና ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 October 2024, 16:45