7ይ መዓልቲ ውዕሎ ሲኖዶስ ሓጺር ጸብጻብ - ዲቍናን፣ መባእታ ምስጢራትን፣ ረድኤት ንድኻታት

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝሓልፈ ሰሉስን ረቡዕን እተኻየደ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ሥነ ኣቅላሲያዊ ሜመያን መባእታ ምስጢራት ክርስትናን ዘተኰረ ኢዩ ዝንበረ ፣ እቶም ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሲኖዶስ ተርኺቦም ሓጺር ጸብጻብ ዝሓቡ ኣባላት ሲኖዶስ ድማ ብዛዕባ ጸዋዕታ ዲያቆናትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣድላይነት ሓገዛት ነትን ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከባ ድኻታት ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ዝብል ኣርእትታት ከም ዝነብረ የጕልሑ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እተዋህበ ኣድናቖት ዝመልኦ ምስክርነት፣ ሓደ ኻብቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝሃቦ ሓሳባትን ሓንቲ ኣደ ብዛዕባ እቲ ቘልዑን ህጻናትን ዝወሃብ መባእታ ምስጢራት ክርስትና ብምምልካት እኹል ከም ዘይኰነ ዝዝረበሉ ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ንኸተዕብዮም ሓገዝ ክግበረሎም ዝቕረበቶ መሕትት ኢዩ ዝነበረ ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቅሉዕ ባይታ ይወሃበን ከም ዘሎ መጠን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ዓቢይ ተራን ተሳትፎ ኽገብራ እውን ጻውዒት ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡለን ኢዩ።

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ክብት ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒን ከምኡን ውን ጸሓፊት ሽማፍሌ ሓበሬታ ሲኖዶስ ሺላ ፔረዝን ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝክየድ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ሓምሳይን ሻድሻይን መዓልቲ ወዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጸብጻብ ኣቕሪቦም ።

ጋዜጣዊ መግለሲ ጉባኤ ሲኖዶስ 7ይ መዓልቲ
ጋዜጣዊ መግለሲ ጉባኤ ሲኖዶስ 7ይ መዓልቲ

ዕሽሽ ዝይበሃል ተራ ምእምና

እቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዝገበርዎ "ናጻ" ዝርርባት "ኵሉ ኣብ ፍረ ነገር ሥነ ኣቅሲያዊ ሜመያ ዘተኮረ ኮይኑ ከማ’ኡ ውን ኣብ ኣርእስትታትን መለክዒታትን እተፈላለየ ደረጃታት ሓላፍነት ከምኡውን ኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ" ምንባሩ ገለጹ።

ሺላ ፓይረስ ዝሓልፈ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ 35 መደረታት ረቡዕ ንግሆ ድማ 21 መደረታት ከም እተዋህቡ ገለጸት ።

ምእምናን ዘለዎም ግደ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ክህልዎም ዝግባእ ምትሕብባር ከምኡውን ኣብ ውሳነ ናይ ምሳድ መስርሕ ክገብርዎ ዘለዎም ተሳትፎ ሓደ ኻብቲ ኣብ እተፈላለየ ክፉት መደረታት እተላዕለ ኣርእስትታት ኢዩ ዝንበረ።

ሺላ ፓይረዝ ከም ዝገለጸቶ "ኣብ መንጎ ካህናትን ምእመናንን ክህሉ ዝለዎ ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምኡውን ምእመናን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ መሪሕነት ዝያዳ ተሳትፎ ክህልዎም ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ" ክትብል መስከረት።

ብፍላይ እቶም ኣቕረብቲ መደረታት ከም ዝገለጽዎ "ህላዊር ምእምናን ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ፣ ንጥቕሚ ቤተ-ክርስትያን ቢሎም ውን ክተሓባበሩ ከም ዝግባእ" ኣመልከቱ።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ኣብ ሓደ መደረ ከም ዝቕረበ ኣብ ድልውነት ህጹያት ንክህነትን ጵጵስናን ንምእመናን ምኽሪ ምሕታት ኣብ ዝብል ውን እማሜ ቐረበ፣ "ወሳኒ እቶም ጳጳስ እኳ እንተኾኑ ኣብ ሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ግን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ምርጫ ሓላፍነት ክስምዖም ኣለዎ" ከምኡውን ብዛዕባ እቶም "ሕጹያት ከማልእዎ ዘለዎም ሰብኣውን መንፈሳውን ብቕዓታት" ኣፍልጢ ክህልዎም ከም ዝለዎም ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮን ናይ ምስማዕ ኣገልግሎትን

ሺላ ፔረዝ ኣስዒባ ካልእ ዝቐረበ ሓሳብ ኸኣ "ብዙሓት ካህናት ጓሶት ናይ ምዃን ጸዋዕታ ስለ ዘይብሎም፣ ኣብ ክንድኡስ ብዙሓት ምእመናን ኪዳናዊ ሕይወቶም ብብቕዓት ዝንብሩን ስድራቤታዊ ሕይወቶም ዝመርሑን ገለ ሓላፍነታት ኣብ ማሕበረሰቦም ክስከሙ ኣለዎም ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ እቲ ምእመናን ኣብ ቍምስና ክሳተፉሉ ዝኽእሉ ጉስነታዊ ኣገልግሎታት ብዛዕባ ዘለዎም ግደ ዓሚቝ ኣስተንትኖ ምግባር” ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘተሓሳሰቦም ገለጸት።

ሺላ ፔረስ ከም ዝገለጸቶ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ኣናጉንስጢሳዊ ሲመት ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ኣድልዎ" ንኸየጋጥም ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርኦ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንኽወሃቦ ከምኡውን “ኣብ ውሳኔታት ኣብ ምውሳድን ነቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ከም መመላእታ ናይቲ ምእመናን ካህን ዲያቆን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ዝህብዎ ኣገልግሎታት ገይርካ ምስማዕ" ዝብል ጻውዒት ዘጉልሕ ኢዩ ዝንበረ።

ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም እተዘተየሉ "ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ክሰምዓ ከም ዝለወን  ይፈልጣ ይፈልጣ ኢየን፣ ብኻልእ መገዲ ይሰምዓ ይኽእላ ኢየን እዚ ድማ ካብ ኑዛዜ ፈጺሙ እተፈልየ ኣገልግሎት ኪገብራ ዘኽእለን ኢዩ " ዝብል ኢዩ ዝነበረ ።

ብዘይካዚ "ንንደቂ ኣንስትዮ ኣብታ እተኸፋፈለትን እትዋጋእን ዘላ ዓለም ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኻት ብዝያዳ ንኽሳተፋ " ሓሳብ ቀሪቡ ኢዩ ።

ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኖ ኣብ ግዜጣዊ መግለሲ ጉባኤ ሲኖዶስ 7ይ መዓልቲ
ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኖ ኣብ ግዜጣዊ መግለሲ ጉባኤ ሲኖዶስ 7ይ መዓልቲ

ንመንእሰያት ናይ ተክኖሎጂያዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ሕድሪ ምሃብ

ዶ/ር ሩፊኒ ኣስዒቦም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ "ብመንገዲ ቴክኖሎጂያዊ ሓዋርያዊ ጕስነት ኣቢልካ ምስ መንእሰያት ወለዶታት ርክብ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ" ሓቢሮም።

ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ከም ኣብነት ዝቐረበ ድማ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መንእሰያት እቶም "ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ተውህቦን ሓይልን እምነት ዘለዎም" ከምኡውን "ክፍሊ ሥነ ኣቅላሲያዊ ሜመያ ክዀኑ ከም ዘለዎም" ውን ዝገልጽ ምንባሩ ይምስክሩ።

ኣገልግሎት መንእሰያት ንዓበይቲ ዘይኰነስ ንመንእሰያት ብሕድሪ ንኽወሃቦም "[መንእሰያት] ምስቶም ኣብዚ 'ሓድሽ ዘመን' ወይ ኣብ ስነ መጐተ ትርጕም ኣልቦነት ንእተቐርቀሩ መዛኑኦም ንምዝርራብ ገዛእ ርእሶም ከወፍዩ ከም ዝለወኦም" ዝብል ሓሳብ ውን ቀሪቡ ኢዩ።

ሓደ መደረ ከም ዘመልከቶ ድማ "ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ዓለም ዘጋጥሞም ዘሕዝን ኵነታት" ከም ዘሎ ዶ/ር ሩፊኒ ገሊጾም፣ ኣብነት ናይቶም ብግዜ ንእስነቶም ብስድራቤቶም ክምርዓዉ እተገደዱ ቘልዑ ድማ ይጠቕሱ፣ ኣዋልድ ናብ ምንዝርና ተገዲደን፣ ንኣሽቱ ግዳያት ሰብኣዊ ንግዲ ኮይኖም ኣለዉ ክብሉ ይምስክሩ ። ኣስዒቦም ውን ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ከም ዝገልጽዎ ብዛዕባ እቶም "ካብ ዘይክርስትያናውያን ስድራቤታት ዝመጹ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ወይ ብራዕዲ ናብ ክህነት ክኣትዩ ዝተገደዱ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታት ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ዝንባሌ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክገጥምዎ ዘለዎም ብድሆታት" እተላዕለ ሻቕሎት እውን ገሊጾም።

ሓንቲ ኣደ ብዛዕባ እቲ ወለዲ ዘለዎም ሓላፍነት መደረ ኣቕረበት

እቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ  ከም ዝጠቐስዎ እቶም ወሃብቲ መደረታት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ ቅላት  ሲኖዶስ ሰነዳት ንምድላው ዘይኰነስ ስጕምቲ ንምውሳድ ጦብላሕታ ዝፈትር ኢዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘዘኻኸሩ ገሊጾም ።

ንክርስትያን ምእመናንን ነቲ ካብ ቍምስናታት ዝመጽእ ድምጺ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ተባዓት ድምጺ እውን ብምስማዕ “በዚ ኸምዚ ድማ ህዝብታት ንቅድሚት ንኽስጉሙ ውሑስ ባይታ ዝፈጥር” ከም ምኹኑ ውን ተገሊጹ ኢዩ ።

ዶ/ር ሩፊኒ ብድሕርዚ ነቲ ሓንቲ ኣደ ከምዚ ክትብል ዘቕረብቶ ምስክርነት ውን ዘከሩ - "እዚ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ወለዲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክርስትያን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ ሲኖዳውነት ነቲ ካብ ቍልዕነት ኣትሒዝካ ኣብ ምስማዕን ሜመያን ኣብ ምትሕብባርን ዝገብርዎ ኣበርክቶን ዝጻወትዎ ተራን ከምይ ዝበለ? ከም ምዃኑ፣ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ናብ ክርስቶስ ምእንቲ ክቕርቡ ክንኵስኩሶም ኣሎና" ክትብል ዝመስከረቶ ሓሳባት ውን ኣቕረቡ።

እቲ መዛዘሚ ሰነድ "ነቲ ወለዲ ዘለዎም ናይ ሓላፍነታት ግደ ኸተተባብዕ" ውን ሓሳት ኣቕረበት።

ምስቶም ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ምስናይ

እቶም ኣቕረብቲ መደረታት ከም ዘጉልሕዎ "ነቶም ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ከሰንይዎም ኣድላዪ ምዃኑ" እውን ኣነጺሮም ኢዮም። ቤተ-ክርስትያን ናብቶም ተነቅርፍቲ ዝኾኑ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኽትቀርብ ከም ዘለዋ ውን ገሊጾም፣ እዚ ሓይሊ እዚ ኸኣ ኣገልግሎት ደኣ እምበር ናይ ቀሲሳውንት ክኸውን የብሉን" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ዶ/ር ሩፊኒ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ መግለጺኦም "ንድኻታት እንተላይ ኣብ ሥነ መዕበያ ካህናት  ዝያዳ ኣገዳስነት ንኽህልዎም ጻውዒት ቀረበሎም" ብምባል ስፍሕ ዝበለ መግለሲ ኣቕረቡ። ብፍሉይ መንገዲ "ድኻታት ናብ ልቢ ኣምላኽ ዝቐረቡ ክንዲ ዝኾኑ ፍሉይ ስልጣን ኣለዎም፣ ከም ኣገልገልትን ተልእኾ ወንጌላውነትን ጌርና ኢና እንርእዮም፣ እንተኾነ ግን ንሳቶም ከም ኣገልገልቲ ኣይኰኑን" ዝብል ሓሳት ከም ዝነብረ ውን የመልክቱ።

ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ይብሉ ውን ኣስዒቦም ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ - "ብዛዕባ ካህናት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ተነጽሎኦምን ብዛዕባ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝለዎም ኣገልግሎታትን ዘለዎም ከም ምኾኖም ውን ተዘትዩሉ ኢዪ ። ኣብዚ መዳይ እዚ ካህናት ካብ ሲኖዶውንተ እተወሰነ ርሕቀት ኪህልዎም ዚኽእል መብዛሕትኦም ከቢድ ጾር ስለ ዘለዎም፣ ንብዙሓት እተፈላለዩ ማሕበረሰብ ስለ ዜመሓድሩ ከምኡውን ምምሕዳራዊ ጾር ስለ ዚስከሙ ኪኸውን ከም ዚኽእል ውን ኣጕሊሖም ኣለዉ።"

እዚ ሲኖዶስ እዚ ንጽዋዕታኦም ንምሕዳስ ክዓዪ ኣለዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ዝቐረበ ሓሳባት "ንነፍሲ ወከፍ ቍምስና ብቝጠባዊ  ቤትምኽሪን ከምኡ ውን ምናልባት ንገለ ቍምስናታት ዝሓቍፍ መቃቕርን ኣብ ኣገልግሎት ካህንት ንምሕጋዝ ክሰናዶ ኣለዎ" ዝብል ሓሳት ውን ቀሪቡ ኢዩ።

ኣብ ዓውዲ ውድድራት ምውሳእ

ብተመሳሳሊ  መንገዲ "ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ዘተ ክካየድ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።"

ዶ/ር ሩፊኒ ከም ዝገለጽዎ ድማ "ቻይናዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ያንግ ሰላምታ ብምቕራብ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ሃገረ ቻይናን ብ2018ን እተገብረ ውዕል ዘምጽኦ ረብሓታት ብምንኣድ ምደረ ኣቕረቡ" ክብሉ መስከሩ።

ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ሓደ መደረ እቲ ኣኼባ ኣብ ክውንነት እንተላይ ኣብ ምድላው ናይ መወዳእታ ሰነድ ከም ዘተኮረ ውን ሓሳብ ኣቕረቡ ። ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ኣስዒቦም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ውድድር ዅዕሶ እግሪ ከም ኣብነት ብምውሳድ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ጸወታ ኣብ ክንዲ እትኣቱ ኣብ ልምምድ እተተኵር እያ እትመስል ዘላ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ጉጅለ መጽናዕቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን

ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ኣስዒቦም ካብ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተላእከ መልእኽቲ ከም ዘንበቡ ዶ/ር ሩፊኒ ጸብጻብ ኣቕረቡ።  እዚ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍ. 5 ዘመሓላለፎ መልእኽቲ - "ብዛዕባ እተወሰነ ዓይነት ኣገልግሎታት ብዝምልከት ስነ - መለኮታውን ቀኖናውን ሕቶታት " ብምቕራብ ብፍላይ ከኣ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወትን መሪሕነትን ቤተ - ክርስትያን ዘለወን ተሳትፎ ቅድሚ እቲ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓሳባት ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብሕድሪ ተዋሂብዎ ምንባሩ ዝገልጽ ኢዩ ዝነበረ ።

ስለዚ እዚ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ በቲ ዝተዋህቦ ዕማም መሰረት ግቡእ ሰነድ ንምሕታም ነቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መምርሒታት እተመስረተ ናይ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኣሰራርሓ ክስዕብ ኣለዎ ። ጳጳስት ካርዲናላትን ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ድሕሪ ምዝታዮም እቲ ጕዳይ ኣብ ናይ ምኽሪ ደረጃ ኢዩ ዘሎ - ኣሰናደውቲ ናይቲ ሰነድ ዝዀኑ ኣማኸርቲ ድማ ድሮ ምኽሪ ተዋሂብዎም ኣሎ ዝብል ኢዩ ዝነበረ ።

እቲ ምኽሪ ናይ ምሃብ መሰል ድማ ነተን ኣማኸርቲ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽህፈት ዘይኰና ደቂ ኣንስትዮ  እውን ዜጠቓልል እዩ ።

ኵሎም ኣባላትን ሊቃውንቲ ስነ መለኮትን ናይቲ ሲኖዶስ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ርእይቶታትን ሓሳባትን ክልእኩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ መበል 18 መዓልቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብጽሑፍ ወይ ብቓል ኣብ ዝቐረብ ሓሳባት ንምቕባል ክልተ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ክህልው ኢዮም።

ኣብ ግዜጣዊ መግለጺ መደረ ዘቕተቡ ዕዱማት ኣጋይሽ
ኣብ ግዜጣዊ መግለጺ መደረ ዘቕተቡ ዕዱማት ኣጋይሽ

መደረታት ናይ ሰለስተ ዕዱማት ኣጋይሽ

ተራ ናይ ቀወምቲ ዲያቆናት ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሲኖዶስ ዘለዎም ተሳትፎን፣ ብዛዕባ መባእታ ምስጢራት ክርስትናን፣ ብዛዕባ ካብ ቤተክርስቲያን ዝወጹ ዘለዉ መንእሰያትን፣ ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን ሰብኣዊ ርክባት ናይ 'ምጽራይ' ዝመርሕ ከም መንፈሳውነት ሲኖዳውነት፣ ኣብ ሞዛምቢክ ካብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ሓገዝ ንምርካብ ዝቐረበ መሕትት ገለ ኻብቲ እቶም ሰለስተ ዕዱማት ኣጋይሽ ካብ ተወከልቲ ኽፍለ-ዓለማት ኣፍሪቃ ኣመሪካ ከምኡውን ኣውሮጳ ዝዀኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዘቕረብዎ ኣርእስትታት ኢዩ ዝነበረ።

ደድሕሪ እቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ክቡር ዲያቆን ገርት ደ ኩበር ሊቅ ሥነ መለኮትን ጋዜጠኛ ነበርን ቀዋሚ ዲያቆን ሰበኻ ጌንት (በልጅዩም) ኤጲስቆሳዊ ተወካሊ መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ ውን ጉስነታዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያትን ንስድራቤትን  ዝኾነ ከምኡውን ኣቦስድራ ዝኾነ ንዝበዝሐ ሕቶታት ተቐበለ ። ክብር ዲያቆን ደ ኩበር ጥራይ እዩ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ላቲን ኣብ ሲኖዶስ እተኻፈለ ቐዋሚ ዲያቆን፣ ኣብዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ኽልተ ኻልኦት ዲያቆናት እውን ተረኺቦም ኣለዉ፣ እቲ ሓደ ካብ ምስራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ሶርያን ከምኡውን ካብ ሜልካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስራቕን ዝመጸ ናብ መዓርገ ክህነት ዝሰናዶ ዘሎ ዲያቆን ዝርከብዎም ኢያቶም።

ዲ. ደ ኩበር፦ ድሕሪ ሲኖዶስ ዝኻይድ ረኪበ ዲያቆናት?

ዲያቆን ደ ኩበር ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝበሎ ሓሳባት ውን ደጊምዎ ኢዩ -  ዲያቆን ደ ኩበር ኣብ ስድራቤቱ ምስ ካልኦት ስድራቤታት ኣብ ማሕበረሰብ ከምኡውን ምስ ዝሰፍሐ ሕብረተሰብ 'ድልድል ዝሃንጽ' ዘሎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ላክሰምበርግ ንሓጺር እዋን ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ መወዳእታ መስከረም ናብ ከም ኣብ በልጅዩም ዝኣመሰለት ሃገር ዝርከብ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ብሓቂ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ክብር ዲ. ደ ኩበር ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝበሎ እቲ ድያቆናት ዘለዎ ዕማም "ናብ ዝበጽሖም ዘይብሎም ናብቶም ድምጺ ዘይብሎም ከምኡውን ናብቶም ብቤተ-ክርስትያንን ብማሕበረሰብን እተገለሉ ከምኡውን ናብ ቤተ-ክርስትያን ንምምላስ" ዝወፍር ኢዩ ክብል ይምስክር።

ኣብ ሓንቲ ምእመናና መብዛሕትኡ ግዜ ዝደኽሙላ ብዕድመ ዝደፍአትን ቤተክርስቲያን ከምኡውን "ብሲኖዶሳዊ መገዲ እንተ ዘይተመላሊስና ቤተ-ክርስትያን ክትጸንሕ ኣይትኽእልን ኢያ" ብምባል እዚ  በልጁማዊ ዲያቆን ንመንእሰያት ንሕብረት ኣገልገልቲ መንእሰያት ናይ ኵሎም እቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ፍለሚሽ  ዝኾኑ ሰበኻታት ሓባት ኣቕረበ።

ሓደ ጋዜጠኛ ብዝሓተቶ ሕቶ መሰረት ድማ ዲያቆናት ኣብቲ ሲኖዶስ ብዝሓሸ መገዲ ክውከሉ ምኸኣሉ ነይሮም ንኣብነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ዲያቅናት "ኣገልግሎት ኣዝዩ ድልዱል ኣብ ዝዀነሉ ቦታ ሒደት ብምዃንና ብዙሕ ከም ዘይተሓጐሱ" ውን መስከረ።

በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ምስ ቆመሳት ኣብ እተገብረ ረኪበ ድሕሪ ሲኖዶስ ኣብ መጻኢ እውን ዲያቆናት ናይ ባዕሎም ረኪበ ክገብሩ ሓሳብ ኣቕረበ።

ዲ. ደ ኩበር ከምዚ ብምባል ሓባቱ ደምደመ - "ዲያቆን ምዃን ንዓይ ንክህነት ምድላው ኣይኰነን፣ እዚ ጸዋዕታ እዚ የብለይን ። ናትና ጸዋዕታ ብፍሉይ ኣገልግሎትና ጥራይ እዩ" በለ።

ቺለ ኸምኡውን ሃብቲ እቲ ነባሪ ድያኮናት

ሊቀ-ጳጳሳት ፖርቶ ሞንት ቺለ ብፁዕ ኣቡነ ሉዊስ ፈርናንዶ ራሞስ ፔሬስ ደድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሓት ቀወምቲ ድያቆናት እተሰየሙሉ ኣብ ሃገሮም ዘሕለፍዎ ተመክሮ ተሓተቱ። ሎሚ ቐወምቲ ዲያቆናት ካብ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ይበዝሑ እቲ ዝገብርዎ ኣበርክቶ እንተላይ ምስ ካህናት  ኣብ ምምሕዳር ቍምስናታ ብምትሕብባር "ዘደንቕን ኣኽቢርካ ዚርአን " ምዃኑ ገለጹ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ዲያቆናት "ንኣሽቱ ካህናት" ከም ዘይኰኑ ኣጕልሑ።

ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ኢናስዮ ሳውር ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሞዛምቢክ ካህናት ንምርካብ ድሩት ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤተ - ክርስትያኖም ዲያቆናት ከም ዘይብሎም ገለጹ ። ይኹን እምበር ኣብ መጻኢ ኣጋጣሚ እንተድኣ ተፈጢሩ ነባራት ዲያቆናት ብርግጽ ከም ዝሽየሙ ውን ኣመልከቱ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ መንጎ ዲያቆናትን ካህናትን ዘሎ ፍልልይ ንኺርድኡ ብምሕጋዝ ንማሕበረሰቦም ካህናት ንምኹስኳስ ከም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ ።

ሞዛምቢክ ሕጂ ውን ሓገዝ የድልያ ኣሎ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሳውር ካልእ ሕቶ መልሲ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን በቲ ብ2017 ዝጀመረ ውግእ ዝዓነወን 5,000 ሰባት ዝሞቱሉን ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ብምግላጽ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዘሕዝን ኵነታት ኣፍልጦ ንክወሃቦ ንሲኖዶስ ጻውዒት ኣቅረቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ውግእ እኳ እንተ ኣቋረጸ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከኣ ብዙሕ ረድኤት እኳ እንተ መጸ እዞም ሊቀ - ጳጳሳት ግን ሎሚ ህዝቡ ገና ይሳቐ ኸም ዘሎን በይኖም ከም ዝተረፉን ገለጹ ።

ስለዚ ስጋዊ ህያባት ብምልውዋጥ "ኣብ መንጎ እተን ብዙሕ ዘለወንን ኣብ መከራ ዘለዋኣብን ኣብያተ-ክርስትያን ዝያዳ ረድኤት ኽግበር ይከኣል ኢዩ" በሉ።

ሊቀ-ጳጳሳት ሳውር ኣብቲ ናይ መኽፈቲ መደረኦም "ኣብ ሃገርና እውን ከይተረፈ እቶም መባእታ ምስጢራት ክርስትና እተቐበሉ መንእሰያት ካብ ቤተ-ክርስትያን ይርሕቑ ኢዮም ዘለዉ" ብምባል ግላዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ ምምስራት ከም ክርስትያናዊ መባእታ ተወሲዱ ክስርሓሉ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ዕዮ ጕስነት መንእሰያት ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያት "ምስ መንእሰያት፣  ንመንእሰያትን ብመንእሰያት" ዝብል ተበግሶ ከም ዝፈተነኑ በዚ ኸምዚ ከም ዝጸዓሩን እዚ ድማ በቲ ብ20 ጥቅምቲ ኣብ ሲኖዶስ ቅድስትናኡ ዝእወጅ መስራቲ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮንሶላታ ዝነበረ ብፅዕ ጁሰፔ ኣላማኖ ድማ "ቀዳማይ ቅዱሳን ደሓር ልኡኽ ወንጌል " ዝኾነ ንሓውርያዊ ጉስነትና ዝያዳ ዘነቓቕሕ ክኸውን ይኽእል እዩ በሉ ።

ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ዘሎ ርክብ ምጽራይ

ሊቀ-ጳጳሳት ራሞስ ፔረስ ብዛዕባ እቲ ንመዋቕራት ቤተ-ክርስትያን ዘሕድስ ናይ ሲኖዶስ መንፈሳውነት እውን ገሊጾም ኢዩም፣ ሲኖዶስ ብዛዕባ "ውልቀ-ሰብኣዉን ማሕበረሰብኣዉን ጉስነት ዘሓድስ ብሕታዊ መንፈሳውነት" ከም እተዛረቡ ውን ኣመልከቱ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን ሰብኣዊ ርክባት "ምጽራይ" ከም ዘድሊ ኣስፊሖም ገለጹ፣ ከመይሲ ሎሚ ገሊኡ ርክባት ንሓደ ሰብ ከም ዝዓቢ ይገብሮ ገሊኡ ኸኣ ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ንቕድሚት ዚግስግስ መገዲ ካብ ክርስቶስ እንረኽቦ ኣብነት ብምዃኑ ግብረ ሰናይ ምግባር ከም ምዃኑ ውን ኣጉልሑ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ራሞስ ፔሬስ እቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ዘለዎም ነቲ ትሑት ማሕበረሰብ ብምምኽኻር "ናይ ሲኖዳውነት መለክዒታት" ገይሮም ክጥቀሙሉ ከም ዘለዎም ብምጕላሕ መግለጺኦም ደምደሙ።

ኣብዚ ድማ "ንእተመዘዙ ኣገልገልቲ ጥራይ ዘይኰነስ ንተራ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ዘጠቓልል ሜመያ ዘድልዮ ኢዩ" በሉ።

ጋዜጣዊ መግለጺ 7ይ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ 2024
11 October 2024, 10:42