መግለጺ ሲኖዶስ – 8ይ ውዕሎ፡ ኣብ መንገዲ ክርስትያናዊ ሓድነት ምጉዓዝ

ዕለት 10 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሻምናይ ውዕሎ ካልኣይ ክፍላ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት፥ ኣብ ሓድነት ክርስቲያን ዘተኮረ ኮይኑ፥ ካርዲናል ኮኽ፣ ኦርቶዶክሳዊ ሜጥሮፖሊታን ጆብ፣ ኣንግሊካን ጳጳስ ዋርነርን ሜኖናዊት ቐሺ ግራበርን ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መዓልታዊ ኣብ ዝቐርብ ጋዜጣዊ መገልጺ ዕዱማት ኮይኖም ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍሉይ ጸብጻቢ ሲኖዶስ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ዝተዋህቦ መምርሒ ስዒቡ፡ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ መሃዝቲ ክኾኑ ኣመና ምሉእ ምዃን - ጀርበብ ኣብ ምባል ከይፈርሑ ዝዘባብዐ ውዕሎ ምንባሩ ነቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ቃሎም ንኸስምዑ ንዝተዓደሙ ኣካላት ዘላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ምኽትል ሓላፍ ክርስትያን ሙረይ ኣፍሊጠን። ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ፓውሎ ሩፊኒን ናይቲ ሽማግለ ሓበሬታ ዋና ጸሓፊት ሺላ ፔረስን ምዃኖም ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መደምደምታ ጸብጻባት ካብ ንኡዛን ናይ ዘተ ጉጅለታት

እቲ ሻምናይ መዓልቲ ውዕሎ 342 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ናይ ሲኖዶስ ስራሕ በጋባብ ንኣሽቱ ናይ ዘተ ጉጅለታት ተመሪሑ ምክንያዱን ኣብ መደምደምታ ጸብጻባት ካልኣይ ዕዮ ከም ዝቐረበን ገለ “ኣገባባዊ መምርሒታት” ከም ዝተዋህበ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ድማ “ንመሃዝነትን ‘ምውሓዝን’” ሓዊሱ፥ እዚ ቃል እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ፍቕርቲ ኣማዞን ዘርእስታ . . . ድሕረ ሲኖዶስ ኣማዞን 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተጠቐሙሉ፥ “ኣብ ደውታ ዘይምህላውን ንቕድሚት ንምጉዓዝ ዝግበር ድሌትን ዝተሰረተ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ‘ምውሓዝ’ ዝብል ኩነታት ዘጠቓልል ከም ዝነበረ ሙረይ ይሕብራ።

ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብቲ ናይ ዘተ መጋበርያ ዕዮ፡ “መንገድታት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክፍሊ፡ ናይ ምክፋልን መመያን ዕዮ ከም እተኻየደን ቅድሚ እዚ መደብ እዚ ብዶሚኒካዊ ካህን ሕሩይ ካርዲናል ኣባ ቲሞቲ ራድክሊፍ ዝተመርሐ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ግዜ ከምኡ’ውን ብካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ ኣፈ ጉባኤ ሲኖዶስ ድሕሪ ዝተዋህበ ናይ መኽፈቲ ቃል ከም ዝቐረበ ሺላ ፒረስ ሓቢረን።

ሓድሕዳዊ ምልውዋጥ ህያባት

ብድሕሪኡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ድምጾም ንኸስምዑ ዝተዓደሙ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ካብ ዘለዉ ዕዱማት ዕድል ከም እተዋህበን፡ ንሳቶም ድማ ኣብቲ ምስ ሲኖዳውነት ዘይነጻጸል ዝፍጠር ንሓድነት ዝኣመተ ዘተ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያናት ከም ዘተኮረን፡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፡ ነቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት “ጉዕዞ ሲኖዶስ ንኹሉ ዝምልከት እዩ። ኤቁመናዊ እዩ፡  ስለዚ ድማ ኤቁመናዊ ጉዕዞ ድማ ብጀካ ሲኖዶስ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም ኤቁመናዊ ሸነኽ “ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መዳያት ናይዚ ሲኖዶስ” እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም ፡ ዋላ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ኣዝያ ሃብታም እውን እተኾነት ኣበርክቶ ኻልኦት ኣብያተ - ክርስትያን ከም ዘድልያ ብምእማን ካብ ንሓድሕድና እንመሃረሉ ህያባት ምልውዋጥ" ክሳዕ ክንደይ መሰረታዊ ምዃኑ የጒልሑ።

ቅድስና እቲ ዝያዳ ርጉጽ መንገዲ ሓድነት እዩ

ካርዲናል ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ህላወ ሕውነታውያን ልኡካን ካብቲ ዝሓለፈ ኣኼባ ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ብምጒላሕ፡ ኣብቲ ምስ ማሕበረሰብ ታይዘ ብምትሕብባር ዕለት 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝተዳለወ ኤቁመናዊ ዋዜማ ከም ዝሳተፉ ድማ ኣረጋጊጾም። እቲ ነቲ ኣኼባ ዘነቓቕሕ ጸሎት፡ ካብ ክልተ ባይቶኣዊ ጽሑፋት ማለት ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድንጋጌታት ዝውሰድ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ሃምነናዊ ቅዋም “ብርሃነ ኣህዛብን” ከምኡ እውን “ሕብረት ክርስቲያን” መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ ገሊጾም፥ እቲ ፍጻሜ ኣብ ሃገር ቫቲካን ቅርዓት ቀዳሞት ሰማእታት ሮማ  ዝካየድ ክኸውን ምውሳኑ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኮነን፡ “ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ሰማእትነት ጴጥሮስ ኣብኡ ከም እተፈጸመ እውን የመላኽት ስለዚ “ቅድስና እቲ ዝያዳ ርጉጽ መንገዲ ሓድነት ምዃኑ ዝምስክር እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

ዘተ መሰረታት ዝሃንጽ እዩ

ኣቡነ ጆብ፡ ሜጥሮፖሊታን ፒሲድያን ሓባራዊ ኣቦ መንበር ኣህጉራዊ ናይ ሓባር ሽማግለ ስነ - መለኮታዊ ዘተ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን፡ ካብቶም ሰለስተ ሕውነታዊ ልኡኻት ናይ መጀመርታ መደረ ዘስምዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ከም ቀዳምነትን፡ ሲኖዳውነትን ኣገልግሎታትን ዕርቅን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣማእኪሎም፡ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ዝካየድ ዘሎ ዘተ “ን20 ዓመታት ንቕድሚት ይስጉም ከምዘሎን ክልቴና ንኽንቀራረብን ክንዕረቕን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጣዊ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስቲያን ፍረ የፍሪ ከም ዘሎ ድማ ዘረጋግጽ እዩ፥ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ሰነድ፡ ጳጳስ ሮማ እውን ጠቒሶም፡ ኣብቲ ዝወጸ ሰነድ ዝተንከፎ ነገር ከኣ "ኵሉ እዚ ዘተ ናብ ምድማር ማለት ናብ ሓደ ባይታ ዘብል ዘሎ"  ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን 'ምትዕጽጻፍ - ሕደገታትን ካብ ምግባር ዝነቐለ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነትን ንኻልኦት ኣብያተ-ክርስትያንን መሰረት ዘንብር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሓድሕድና ልቢ ዝኽፈተሉ ውሑስ ቦታ

ኣንግሊካዊ ጳጳስ ማርቲን ዋርነር ናይ ሓባራዊ ኣቦ መንበር “ናይ ሓባር ናይ እንግሊዝ ን ወይለንስን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን - ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሽማግለ” ኣብ ዋጋ ናይቲ ናይ ሓባር ርክብ ተመክሮ ኣተኲሮም፥ እዚ ኸኣ እዚ ሲኖዶስ እዚ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ዝፈልዮ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት።

እቶም ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዝነበሩ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ማይክል ራምሲ ካብ ጳውሎስ ሻድሻይ ቀለቤት መንበረ ጵጵስና ከብ ዝቕበሉ ጀሚሩ፡ “ንሓድሕድና ፍልልያትና ብምልላይ ግን ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተመኩሮና ንኽንዓቢ ህያባት ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ዘጉልሕ ምልክት እዩ”

ናይ ኣንግሊካን ሲኖዶስ ከም ናይ ካቶሊክ ሲኖዶስ ብጸሎትን ስቕታን ኢዩ ዝልለ ብፍላይ ከኣ "ሓጋጊ ኣይኰነን" ብምባል ገለጾም፡ እዚ ኸኣ "ንሓድሕድካ ብልቢ ምዝታይ ክህሉን ኩሎም ምስ መንፈስ ቅዱስ ክዝትዩን ነቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘጋጥሞ ብድሆታት ብምህዞን ብትብዓትን ንኽርእይዎ ዘኽእሎም ሕዙእ ቦታ" እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ኩሉ ድምጺ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ መወዳእታ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፋ ዘለዋ ካብ ኣህጉርዊ ዋዕላ ሜኖናውያን (ኣናባፕቲስ) ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ዋና ጸሓፊት ዓለም ሓቆፍ ኤቁመናዊ ጉዳያት ቐሺ ኣን - ካቲ ግራበር፡ ካብ “ንእሽቶ -ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝተወልደት ሱር በተኻዊት ሉተራናዊ ተሓድሶ ብምስጢረ ጥምቀትን ብዘይጎነጻዊ ቃልስን ካብ እትልለ ቤተ ክርስቲያን ዝኾና ኣብዚ ሲኖዶስ እዚ ዕድምቲ ኮይነን ንኽሳተፈ ዘይተጸበየኦ ምንባሩ ገሊጸን፡ ብዛዕባ ህላወአን ከተስተንትና፡ “ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድምጽና ኣየድልያን እዩ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ፡ እዚ ንባዕሉ ግን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ብዙሕ ይዛረብ - ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።”

ቀሺ ግራበር ይብላ “ክርስትያናዊ ሓድነት ንጽባሕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚን ሕጂን፡ ድሮ’ውን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ናትና ምቅርራብ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ኢና፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ናይ ሓድሕድና ኣባላት ኢና” ቢለን፥ “ከም ሕውነታዊ ልኡኻት ናይ ምድማጽ መሰል እኳ እንተዘይብልና፡ “ድምጽናን ህላወናን ልክዕ ከም ናይ ኩሉ ሰብ ተቐባልነት ዝረኸበ ኮይኑ ማዕረ ክብሪ ጥምቀት ድማ ንርኢ። ካብ ላዕሊ ትዕብለል ሓያል ቤተ ክርስቲያን የላን። ኩላትና ብሓባር እንመላለስን እንደላለይን ህዝቢ ኢና” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኤቑመናዊ ጉዕዞ ኣብ ቅልውላው የለን

ድሕሪ ዝተዋህበ መገለጺ ስዒቢ ዝተኻየደ ናይ ሕቶን መልስን መደብ፡ ኣብ ውሽጢ ኤቁመናዊ ዘተን ኣብ መንጎ ቀዳምነት ጳጳስ ሮማን ሲኖዳውነትን ዘሎ ዝምድናታት ዝምልከት ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ከም ዝነበረን፥ ካርዲናል ኮኽ “እዚ እንገብሮ ዘለና ብሓባር እንህቦ ዘሎና መግለጽን ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስን ኤቁመናዊ ጉዕዞ ኣብ ቅልውላው ከምዘየለን፣ ዝተፈላለየ ብድሆታት ከምዘጋጥሞን ዘርኢ እዩ” እንክብሉ ንሕቶታት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ገሊጾም፥ “ሓደ ዘሕዝን ኩነታት ኣሎ፡ ብኸፊል ብቃላት ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኪሪል ዝተፈጥረ፡ እዚ ድማ ምስ ቁስጥንጥንያ  ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምብትታኽ ዘስዓበ ምዃኑ ኣሚኖም፡ እንተኾነ ግን ነዚ መርገጺታት እዚ ካብቲ ዘሎ ኤቈምናዊ ጉዕዞ ፈሊና ክንርእዮ ኣሎና” ቢሎም፥ ብርግጽ “15 ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተ ክርስቲያናት ዘሳትፍ ናይ ሓባር ሽማግለ ኣሎ፡ እዚ ማለት ድማ ​​ዝሓሸ መጻኢ ንምፍጣር ተስፋ ሒዝካ ኣብ ዘተ ምጉዓዝ ዝብል እዩ፡  ምሉእ ጉባኤ ብሓባር ንምድላው ዝብል ተስፋ ሓዊሱ ይቕጽል ድማ ኣሎ” ይብሉ።

ኣገዳስነት ንኣሽቱ ተግባራት

እዚ መረጋገጺ እዚ ብሜጥሮፖሊታን ፒሲድያ እውን ዝጎልሐ ኮይኑ:- “ፓትሪያርክ ኪሪል ዝገለጽዎ ፖለቲካዊ መርገጺታት እኳ እንተሃለወ፡ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ንጥፈታታ ትቕጽል ኣላ: ምኽንያቱ ስነ - መለኮታዊ ዘተ ጽኑዕ መሰረታት ኣብ ምሕንጻጽ ይቕጽል ስለ ዘሎ . . . እዚ ምንቅስቓስ እዩ፤ ኣብ ጉዕዞና ዕረፍቲ የለን” እንክብሉ ድማ ካርዲናል ኮኽ ወሲኾም ይገልጹ። “እቲ ኤቁመናዊ ምንቅስቓስ ብሓባር ብምጉዓዝ፡ ብሓባር ብምጽላይ፡ ብሓባር ምድግጋፍ እዩ ዝጭበጥ። ኢየሱስ ባዕሉ ሓድነት ክርስትና ከም ትእዛዝ ዘንበሮ ዘይኮነስ ስለ ሓድነት ክርስቲያን እዩ ዝጸለየ . . . ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ክጭበጥ ካብ ምጽላይ ዝሓሸ እንታይ ክንገብር ንኽእል?”

ምናልባት “እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ” ከምቲ ቀሺ ግራበር ዝበለኦ “ክሳብ ሕጂ ዝጐደለ ንኣሽቱ ምሳልያዊ ምልክታት ዕርቂ” ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መንጎ ቀዳምነት መንበረ ጴጥሮስን ሲኖዳውነትን ዘሎ ርክብ ብዝምልከት ካርዲናል ኮኽ፥ “ሲኖዳውነትን ቀዳምነትን ተጻባእቲ ከምዘይኮኑ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ብኣንጻሩ: እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ኣይክህሉን እዩ . . .  ስለዚ ቀዳምነት ተቓውሞ ዘይኮነስ፡ ንምዝታይን ሓባራዊ መርገጺ ንምርካብን ዝሕግዝ ዕድል እዩ” ኢሎም።

ሕብረት ኣብ ቅዱሳት ምስጢር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናብ ሓድነት ኣብ ቅዱስ ምስጢር ንምብጻሕ ንዝግበር ጻዕሪ ውፉይ ናይ ስራሕ ጉጅለ ኣቑይሞም እዮም፡ “ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ዘተ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓባራዊ ራእይ ስለ ዘየለ . . . ጳጳስ ጆብ “ሓደ መዓልቲ ኣብ መንጎ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ፋሲካ ከብዕላ ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና እንክብሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ሕጂ ግን እዚ ትምኒት ጥራይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” ምስ በሉ፥ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኮኽ፥ ብዛዕባ’ቲ ምስጢረ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ሕቶታት ክምልሱ እንከለዉ፡ “እዚ ጉዳይ እዚ ተሃዋሲ ብምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ጉዳይ እዚ ዘጽንዕ ተኻኣልነቱን ኢተኻኣልነቱን ዝምርምር 10 ዝኣባላቱ ናይ ስራሕ ጉጅለታት ከም ዘቖሙ ኣዘኻኺሮም . . . ከምኡ’ውን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንገለ እዋን ክሰርሓሉ ጸኒሑ’ዩ: ክልተ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ብሙሉእ ድምጺ ኣብ ሓደ መደምደምታ ድማ ኣይበጽሓን፣ እዚ ድማ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ዝሕብር እዩ፡ ስለዚ ተምሳጥ ናይዞም ሕቶታት ዕጉስ መጽናዕቲ ምውህሃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘነጽር እዩ” እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ እቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 October 2024, 16:08