2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali 2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሲባኤ ኩርና ሮማና፦ ዳግም ምውላድ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብቲ ናይ ዓመተ 2025 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ ኩርያ ሮማና ሲባኤ ብተኸታታሊ ዝልግስዎ ኣስትንትኖታት፣ ኣብ ሻድሸይቲ ክፋል ኣስተምህሮኦም ብዛዕባ ዳግም ምላድ ዝብል ኣስርእስቲ ኣስተንቲኖም። ካብዚ ብምቕጻል ጽማሬ ናይቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም።

ብኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ከም እነንብቦ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን እተገብረ ዝርርብ ተገሊጹ ዘሎ መገዲ ድሕነት ከም መንፈሳዊ ዳግም ምውላድ ጌርካ ኢዩ ዝርአ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መንግስቲ ኣምላኽ ንምርኣይ ሓደ ሰብ 'ካብ ላዕሊ ኺውለድ' ከም ዘለዎ ይገልጸልና፣ እዚ ሓሳብ እዚ ንኒቆዲሞስ ዘይንጹርን ዓሚቝ ለውጢ ኸም ዜድሊ ዜጕልሕን እዩ ዝተረድኦ። እዚ ለውጢ እዚ ቐሊል ኣይኰነን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብፍርሒ እንጥምቶ ኢዩ፣ ከመይሲ ርግጸኛታት ክንከውንን ሱር ዝሰደደ ልማዳት ክንሓድግን ዝሓተና ክንዲ ዝኾነ።

ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝገለጾ እዚ ዳግመ ልደት እዚ ብማይን ብመንፈስን እዩ ዚፍጸም፣ እዚ ኸኣ ናብ ባሕርያዊ ዕሸልነት ምምላስ ዘይኰነስ ንተግባር መንፈስ ከም ሓድሽ ግልጽነት ምቕባል እዩ። ብዙሓት ሰባት ለውጢ ከይገብሩ ናብቲ ዝሓለፈ ተመክሮታቶም ጠቢቖም ብምምላስ ፍርሒ የሕድሩ ኢዮም፣ እንተዀነ ግን ሓቀይና ዳግም ምውላድ ክበሃል ከሎ፣ ኣብ ኣምላኽ ምውካልን ናብ ዘይትፈልጦ ኩነት ሕይወት ክመርሓካ ምፍቃድን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ጕዕዞ እዚ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ዝተመኮርዎ ኢዩ ዝነበረ፣ እቶም ህዝቢ ንሞት ፈሪሆም እኳ እንተ ነበሩ ናብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ምልክት ብምጥማት ድሕነት ረኺቦም እዮም። ሎሚ ምልክት ድሕነት ክርስቶስ ኣብ መስቀል ልዕል ምባሉ እዩ ።

ጥምቀት ነዚ ሓድሽ ህይወት እዚ ኸም ሓደ ቅጽበታውን ርኡይን ለውጢ ዘይኰነስ፣ ከም ጅማሬ ጕዕዞ ለውጢ ሕይወት እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፣ ምስቲረ ጥምቀት ዘስዕቦ ውጽኢት ተዳኺሙ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብ ናይ እምነት ውሳኔ ንላዕሊ ናብ ባህላዊ ሥርዓት ተቐይሩ ኢዩ ዘሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ቅልውላው ከም ዝህሉ ይገብር ኣሎ፣ ኣብኡ ኸኣ ክርስትያናዊ ህይወት ንብዙሓት ሰባት ርሑቕን ዘይጭቡጥን ኮይንዎም ይርአ ኣሎ።

ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ካብ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንላዕሊ ምግባር ማለት፣ ንኻልኦት ፍቕሪ ምንጻግ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ህይወት ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዚርከብ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። እዚ ኸኣ ብዘለኣለማዊ ኣድማድ እንደገና ንምርካብ ኣብ መዳያት ሕይወትናን ኣእምሮናን ውን ከይተረፈ "ድሕነትና ንኸተጥፍእ" ትብዓት ዝሓትት ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈሳዊ ዳግመ ልደት፣ ንስቓይ ምቕባል ዝሓትት ግን ከኣ ኣድላዪ ምዃኑ ንምግላጽ፣ ነቲ ብዛዕባ ጻዕርሪ ሕርሲ ዚገልጽ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠቕመሉ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምልኣት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምቕባል ካብቲ መበቈሉ ዝኾነ "ማሕጸን" ክወጽእ ኢዩ ተጸዊዑ ዘሎ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብነት ናይቲ ኣብ ክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ንምርካብ፣ ንዅሉ ውሕስነቱ  ዝሓደገ ሰብ ኢዩ ።

ኣብ መወዳእትኡ ሓቀይና ዳግም ምውላድ ማለት ሕልሚ ዘይኰነስ፣ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ብተስፋታት ዘልዓለማዊ ሕይወት እናተመላለሱ ብመንፈስ ክሕደሱ ዝደልዩ ሰባት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ሓቂ ኢዩ።

ረቡዕ 12 መጋቢት 9 ናይ ንግሆ  ዝቐረበ ።

13 Mar 2025, 10:54