ድለ

SUDAN-CONFLICT-AID-CHARITY SUDAN-CONFLICT-AID-CHARITY  (AFP or licensors)

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሱዳን ኣብ ሞንጎ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ዘተ ክካየድ ይጽውዑ

ሱዳን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዝሎ ውግእ ሓድሕድን ኣስገዳሲ ምምዝንባላትን ከቢድ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ኵነታት የጋጥማ ኣሎ፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እታ ሃገር ነቲ "ዜስካሕክሕ" ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ዝግበር ናይ ሰላም ክካየድ ጻውዒት የቅርቡ ኣለዉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፡ እታ ሃገር ኣብ ኩሉ ኩርናዓታን ዓበይቲ ከተማታታን ምስ ግጭት ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ንሱዳን ሓዊስካ ንኹሎም ግዳያት ኵናት ዝኾኑን ንዓመጽ ዝተቓልዓ ሃገራትን ናብ ጐይታ ኣማሕጺኖም።

ኣብ ሱዳን ብመንጐይናነት ኣሜሪካ ዝካየድ ዝርርብ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳንን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እኳ እንተ ተጀመረ፡ ንቕድሚት ዝስጉም ዘሎ ምዕባለታት ግን ውሑድ እዩ ዘሎ።

ወሃብቲ ርእይቶ ኸም ዝገለጽዎ እዚ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት ኣብቲ ብዕለት 31 ሓምለ እተገብረ ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብሰብ ኣብልቦ ነፋቲት እተኻየደ ሓሙሽተ ሰባት ዝቐተለ ፈተነ ቅትለት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን መራሒ ወተሃደራት ሱዳን ከም ዝኾነ ይትንትኑ።

ሱዳናዊ ካህን - 'ኣሰቃቒ ኵነታት'

እቶም ካብ ሰበኻ ኣል-ኡባይድ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ቢዮንግ ክዎል ዴንግ ምስ ፊደስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማን ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እታ ሃገርን ዘጋጠመ "ዜስካሕክሕ ኵነታት" ምስ ብዙሓት ካልኦት ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ካብ ካርቱም ኪወጹ ከም እተገደዱ ገለጹ።

ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ሱዳን ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ኩዎል ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ - "ናብ ጁባ (ርእሲ ኸተማ ደቡብ ሱዳን) ክግዕዝ ነበረኒ። "ልክዕ ከም ብዙሓት ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝነበርናሉ ቦታታት ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ ኽንወጽእ ነበረና፣ እንተዀነ ግን ወትሩ እዋናዊ ሓበሬታታት ይበጽሓኒ ኢዩ።"

ኣብ ደቡብ ሱዳን ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ካብ ግጭት ሱዳን ዝመጹ ስደተኛታት ሓገዝ ደልዮም ኣብ ዞባታት እታ ሃገር ዝዕቁቡ ዝለዉ ብዙሓት ኢዮም።

ክቡር ኣባ ክዎል ኣስዕብ ኣቢሎም "እቲ ዘሕዝን ግን ኵሉ ነገር ብሰንኪ ጽንኩር ኵነታት እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ።... ኣብ ሱዳን ሕጽረት ማይን ምግብን መድሃኒትን ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ዅነታት ናይ ስደተይናታት ከጋድዶ ይርከብ ኣሎ ።

እዚ በዳሂ እኳ እንተዀነ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ንምሕጋዝ ጣልቃ ንምእታው ጻዕሪ ትገብር ኣላ። ገሊኣቶም ብሰንኪ ተመሳሳሊ ምኽንያታት ናብቲ ፈለማ ዝሃደሙሉ ዞባታት ክምለሱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኣባ ቢዮንግ ኣስዒቦም ሓደ ዘመደይ ካብ ካርቱም ከም ዝሓበረኒ "ብውግእ ዘይተተንከፈ ዅርናዕ እታ ሃገር ከም ዘየለ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ " ክብሉ ይምስክሩ ።

ብመንጎይናነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ዝካየድ ዘተ ሰላም

ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣብ ጀኒቫ ክግበር ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ክምወል ኢዩ ተመዲሙ ዘሎ።

ይኹን እምበር ደድሕሪ እቲ ብዘይ ስምምዕ እተዛዘመ ኣብ ጀድዳ እተኻይደ ናይ ሰላም ዝርርብ ቍጽሪ ተሳተፍቲ ካብ መንግስቲ ሱዳንን ካብቶም ተቐናጠንቲ ጉጅለን ገና ኣይተወሰነን ዘሎ።

እዚ ኸኣ ካብ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ዝኣመሰላ ኻልኦት ጕጅለታት ሱዳን እተገብረ ውድድር እዩ ነይሩ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝርርባት ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ኣለዉ።

13 August 2024, 16:24