ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልዕሊ 45 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ ኣብ ሰሜን ቓዛ ብርቱዕ ጥሜት ይሰፍሕ ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልዕሊ 45 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ ኣብ ሰሜን ቓዛ ብርቱዕ ጥሜት ይሰፍሕ  (AFP or licensors)

ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልዕሊ 45 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ ኣብ ሰሜን ቓዛ ብርቱዕ ጥሜት ይሰፍሕ

ኣብ ቓዛ ልዕሊ 14,500 መንእሰያት ከምዝተቐትሉ ሓላፊ ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጥ እንከሎ፡ ብመሰረት ሰብ መዚ ቓዛ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 45 ሽሕ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ። ሰብኣዊ ትካላት፡ ነቶም ግዳያት ንምሕብሓብን ኣዝዩ ዘድሊ ሓገዝ መግቢ ንምዕዳልን ተኹሲ ደው ክብል ካብ ነዊሕ ዘቕርቦ ጻውዒት የሐድስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

UNRWA - ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት፡ ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ማለት ዕለት 16 ታሕሳስ፡ ብዘይ መጠንቀቕታ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከም ዝሞቱን 48 ድማ ከም ዝቖሰሉን ካብቶም ግዳያት እቶም ብርክት ዝበሉ ህጻናት ምዃኖም ክሕብር እንከሎ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ትካላት ኣብ ልዕሊ እቲ ብኲናት ዝተሃስየ ወሽመጥ ቓዛ ዝተፈጸመ ዳሕረዋይ ቀታልን ኣዕናውን ናብ መዕቆቢ ዝተቐየረ ቤት ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ዘይናሕሰየ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኮኒኖም፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ግዜ ብሓይሊ ዝተመዘበሉ ኣብቲ ብትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ካብ ዝተዓቖቡ ምዃኖም ብምሕባር እቲ ኩነታት ተስፋ ዝሓክኽ በይናውነት ክስምዓካ ዝገብር ምዃኑ እቲ ቲካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

ቁጽሪ ሞት ኣብ ቓዛ ብዘይ ምቁራጽ ይውስኽ ኣሎ

እዚ ዳሕረዋይ ዓመጽ፡ ሓላፊት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ፈጻሚ ኣካል ዋና ሃላፊ ካትሪን ራስል ኣብ ቓዛ ልዕሊ 14,500 መንእሰያት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ኣሽሓት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ከምዝተቐብሩን ዝገልጽ እሙን ሓበሬታ ኣብ ዝሃበትሉ መግለጺ፥ ሰብኣዊ ተበጻሕነት “ኣዝዩ ተደሪቱ” እናሃለወ “ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝረአ ዘሎ ጥምየት እዚዩ ናብ ዘሰንብድ ኩነታት ይቕየር ምህላዉ ሓቢራ እዚ ዘሕዝን ምዕባለታት፡ ሰብ መዚ ቓዛ ኣብ ዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 45 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣብ ዝሕብሩሉ እዋን ዝተፈጸመ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ካትሪን ራስል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝገለጸቶ፡ “ዳርጋ ኩሎም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ 1.1 ሚልዮን ህጻናት ህጹጽ ሓለዋን ደገፍ ጥዕና ኣእምሮን የድልዮም . . . ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ቤት ላህያ ኣብ ሰሜን ቓዛ ክሳብ . . . ራፋሕ ብውሕዱ 69 ፍልስጤማውያን ከም ዝቐተለ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ንፍልስጥኤም ስደተይናታት የረጋግጽ።

ሕጹጽ ኣድላይነት ሰብኣዊ ሓገዝ

ሓላፊ ህጹጽ ጉዳያት ትካል መርሓ ግብሪ  መግቢ ዓለም (WFP) ጆናታን ዱሞንት ምስ ክፍሊ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ “ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዘድሕን ሓገዝ ንምርካብን ተበጻሒ ንምግባርን ዘሎ ኩነታት ተስፋ ዘቑርጽን ዘስካሕክሕ ጥሜት ናይ ምፍጣር ሓደጋ ዝዓቆረ ምዃኑ” ገሊጹ። ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ መጠነ ዕንወት “ፍጹም ዘሰንብድ እዩ” እንክብል ይገልጾ፡ ብዙሓት ሰባት ብተደጋጋሚ ከምዝተመዛበሉን፥ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ተንዳታት ወይ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ይነብሩ ከምዘለዉን፡ ኤሌትሪክ ይኹን ማይ ከምዘይረኽቡ መጸራረዪ እውን ከም ዘይብሎምን እዚ ኹሉ ድማ ንዝተፈላለየ ሕማም ዘቃልዕ ምዃኑ ጭቡጥ እዩ እንክብል ብምጥንቓቕ፥ ዳርጋ መላእ ሕዝቢ ቓዛ ኣልቦ ቤት ኮይኑ ኣሎ፡ ናይ ብሓቂ ክትገልጾ ኣብ ዘይከኣል ተስፋ ቁርጸት ከም ዝበጸሐ ኣብ ወጅህታቶም ኣብ ኣዒንቶም ትርእዮ። ጥሜት ንምክልኻል ቀጻሊ ዋሕዚ መግቢ እንኣትወሉ መንገዲ ክንረክብ ኣለና፥ ነዚ ንፍጻም ተኹሲ ደው ምባል ክህሉ ኩሉን ዝኾነን ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ፥ ኩሉ እቲ ካብ ቓዛ ወጻኢ ዘሎና መግቢ ናብ ውሽጢ ቓዛ ንምእታው መታን ክከኣል” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 December 2024, 15:32